ኣብ ልዕሊ ኣቶ ጃዋር መሐመድ ክሲ ኣይተመስረተን

ጃዋር መሓመድ
Published

ዓቃቤ ሕጊ፡ ኣብ ልዕሊ በዓል አቶ ጃዋር መሐመድን በቀለ ገርባን ክሲ ዝምስርተሉ ዕለት ትማሊ ናይ መጨረሻ መዓልቲ ምንባሩ፡ እንተኾነ ኣብ ልዕሊ እቶም ተጠርጠርቲ ክሲ ክምስረት ትጽቢት እናተገብረ እቶም ጥርጡራት ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡ ተፈሊጡ።

በዚ ምኽንያት ጠበቓ በዓል ጃዋርን በቀለ ገርባን አቶ ቱሊ ባይሳ፡ ዓማዊሎም [ጥርጡራት] ነጻ ንኪወጽኡ ናብ ቤት ፍርዲ ኣቤቱታ ከምዘቕርቡ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ዓቃቤ ሕጊ፡ ድሕሪ ሞት ውሩይ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ተጠርጢሮም ንዝተኣስሩ ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ዝርከቡዎም 11 ሰባት፡ ትማሊ ዓርቢ ክሲ ክምስርተሎም ቆጸራ ተዋሂቡዎ እኳ እንተነበረ እቶም ጥርጡራት ግን ኣብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡ ጠበቕኦም ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብ መዝገብ ክሲ በዓል ጀዋር 15 ሰባት እኳ እንተነበሩ፡ ቤት ፍርዲ ክሳብ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዘሎ ግዜ ንበዓል ጀዋር ዝርከቦም 11 ጥርጡራት ክሲ ክምስረተሎም ቆጸራ ሂቡ ነይሩ።

ነቶም ካልኦት ኣርባዕተ ጥርጡራት ከኣ ክሳብ ጳጉሜ 4/2012 ዓ.ም ብኢትዮጵያ ኣብ ዘሎ ግዜ ክሲ ክምስረት እኳ እንተነበሮ፡ እቶም ጥርጡራት ትማሊ ኣብ ቤት ፍርዲ ስለዘይቀረቡ " ካብ ጳጉሜ 5 ንደሓር ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲን ብዘይ ሕጊን ተኣሲሮም ይርከቡ" ይብል ጠበቐኦም።

"በዓል ጃዋር ከኣ ካብ [ትማሊ ዓርቢ 18 መስከረም] ብፈረንጂ፡ ካብ ሰዓት 11፡30 ኣትሒዙ ብዘይ ትእዛዝን ኣፍልጦን ቤት ፍርዲ ካብ ሕጊ ወጻኢ ተኣሲሮም ኣለው" ይብል ጠበቐኦም።

ስለዝኾነ እቶም ካብ ዝእሰሩ ክልተ ወርሒ አሕሊፎም ዘለው ጥርጡራት ካብ ማእሰርቲ ንኽወጽኡ ናብ ቤት ፍርዲ ኣቤቱታ ከምዘቐርቡ ጠበቐኦም አቶ ቱሊ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ጠበቓ፡ እቲ ቤት ፍርዲ፡ ኣብቲ ንትማሊ ዝሃቦ ቆጸራ፡ ቅድሚ ሽዑ እቶም ጥርጡራት ንዘቕረቡዎ ኣቤቱታ መልሲ ንክህብ ትጽቢት ይግበር ምንባሩ ኣረዲኦም።

ኣብ ዝሓለፈ መጋባእያ ኣቶ ጀዋርን ኣብ መዝገብ ክሶም ዝርከቡ 15 ሰባትን " ቤተሰብና ኣብ ሽግር ወዲቖም ኣለው" ዝብል ኣቤቱታ ኣቕሪቦም ነይሮም።

ቅድሚ ሽዑ እውን "ናይ መብዛሕትኦም ናይ ባንክ ሕሳብ ተኣጊዱ፡ መኪናታቶምን ክቡር ኣቑሑቶምን ካብ ኣባይቶም ስለዝተወስደ፡ ቤተሰቦም ስለዝተሸገሩ እቲ ዝተወስደ ንብረት ክምለሰሎም ዝሓትት ጥርዓን ኣቕሪቦም ነይሮም" ይብሉ ጠበቐኦም አቶ ቱሊ ባይሳ።

እቲ ቤት ፍርዲ፡ ናይ ፌደራል ፖሊስ ኮሚሽን ናይ ወንጀል መርመራ ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ዓቃቤ ሕጊ፡ ኣብቲ ጉዳይ መልሲ ንክህቡ'ዩ ቖጺሩዎም ነይሩ።

እንተኾነ፡ በዓል ጃዋር መሓመድ፡ ንቤት ፍርዲ ክቐርቡ እኳ እንተነበሮም ፖሊስ ግን ከምዘየቕረቦም፡ ቤት ፍርዲ ከኣ ጥርጡራት ኣብ ዘይብሉ ምላሽ ከምዝሃበ ኣቶ ቱሊ ሓቢሩ።

ጠበቐኦም ከምዝገለጾ እቲ ዝተዋህበ ምላሽ " እቲ ተታሒዙ ዝበሃል ዘሎ ንብረት ምስቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ወንጀል ዝተኣሳሰር ብምዃኑ ክምለስ ከምዘይብሉ፡ ይኹን እምበር ንቐለብ ስድራቤቶም ዝኸውን ገንዘብ ክወሃቦም" ቤት ፍርዲ ከምዝወሰነ ገሊጹ።