ደወል ሓደጋ ባርዕ ብጌጋ ዝተንከፈ ኣባል ባይቶ ተኸሲሱ

CQ-ROLL CALL, INC VIA GETTY IMAGES
Published

ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ኣባል ኮንግረስ ኣብ ህንጻ ቤት ጽሕፈት ካፒቶል መጥፍኢ ባርዕ ሓዊ ብምትንካፉ ክሲ ተመስሪትዎ።

ተወካሊ ባይቶ ጀማል ቦውማን፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክኸፍል ምዃኑን፡ "እዚ ክስታት ኣብ መወዳእታ ክስረዘሉ ከምዝጽበን" ገሊጹ።

"ኮነ ኢልካ" ናይ ሓሶት መጥፍኢ ባርዕ ሓዊ ብምትንካፍ - ዝብል ክሲ ይቐርበሉ ከምዘሎ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ክሲ ይሕብር።

እቲ ተወካሊ ሰልፊ ዲሞክራት ኒውዮርክ፡ ነቲ ደወል ሓደጋ ብኣጋጣሚ ከም ዝተንከፎ እዩ ዝገልጽ።

እዚ ደወል፡ ንሓደ ሰዓት ዝወሰደ ኣባላት ባይቶ ካብ ፓርላማ ምውጻእ ዝደረዀ ኰይኑ፡ ዲሞክራትስ ንሓደ ኣካታዒ እማመ ንኸንብቡን፡ ክድግፍዎ ወይ ክነጽግዎ ንምውሳን ዝያዳ ግዜ ኣብ ዝጠልብሉ እዋን እዩ ተወሊዑ።

ሚስተር ቦውማን፡ እናተጓየየ እንከሎ መኽፈቲ ማዕጾ ክኽፈት ክብል፡ ነቲ ደወል ብጌጋ ከም ዝተንከፎ ክዛረብ እንከሎ፡ ኣባለት ሪፓብሊካን ግን ኮነ ኢሉ ነቲ እማመ ድምጺ ንምፍራስ ፈቲኑ ክብሉ ከሲሶሞ።

ሚስተር ቦውማን በቲ ዝለዓለ 1000 ዶላር (825 ፓውንድ) ዝበጽሕ መቕጻዕትን ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ማእሰርትን ዘስዕብ ክሲ ገበን ዝተኸሰሰ ዀይኑ፡ ሓሙስ ንግሆ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ናብ ዝርከብ መጋባእያ ክቐርብ እዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሲቢኤስ፡ ሚስተር ቦውማን ትማሊ ረቡዕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ መቕጻዕቲ ክኸፍል ምዃኑን፡ ዋሕስ እንተተፈቒዱሉ ድማ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ እቲ ክሲ ክስረዝ ከምዝኽእልን ገሊጹ።

ነቲ ‘ሃንደበት ዘጋጠመ ጌጋ’ ምዃኑ ዝገለጾ ፍጻመ፡ ናይ ይቕረታ ደብዳበ ክጽሕፍ እዩ።

ወሃቢ ቃል ዋና ዓቃቢ ሕጊ ዲስትሪክት ኮሎምብያ "ኣባል ኮንግረስ ቦውማን ከም ሓደ ዝዀነ ተራ ሕጊ ዝጥሕስ ሰብ እዩ ተኸሲሱ ዘሎ" ኢሉ።

"ብፖሊስ ካፒቶል ዝቐረበ መርትዖ መሰረት ብምግባር፡ ነቲ ክንከሶ ስልጣን ዘለና ገበን ጥራይ ከሲስናዮ።"

ፖሊስ ካፒቶል ኣብ ዘቕረቦ ክሲ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ማዕጾ ብዛዕባ ምንቅስቓስ ህጹጽ መውጽኢታትን መጥፍኢታት ባርዕን ዘጠንቅቑ ሰለስተ ምልክታት ከምዘለዉን፡ ሚስተር ቦውማን ድማ እቲ ኣላርም ምስ ጠወቐ ካብቲ ከባቢ ብቕልጡፍ ከምዝረሓቐን ኣመልኪቱ።

እቲ ቃል ፖሊስ ወሲኹ፡ እቲ ኣባል ነቲ ተግባር ኮነ ኢሉ ከምዘይፈጸመ ወይ ዝዀነ ወግዓዊ መስርሕ ንምዝራግ ኰነ ኢሉ ከምዘይገበሮ ንፖሊስ ከምዝተዛረበ ኣመልኪቱ።