መዘና-ኣልቦ ሓልዮት፡ ንመሳርሕታ ኣካላ ዝሃበት ለጋስ ሰብ

ዝልገስ ኣካል ምጽባይ ኣመና ዝነውሖ ወዲ 36 ዓመት፡ ኲሊት ዘወፍየሉ ሰብ ንምርካብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ህጹጽ ምሕጽንታ ድሕሪ ምቕራቡ ካብ ትጽቢቱ ንላዕሊ ዝኾነ ግብረመልሲ'ዩ ረኺቡ።
ጃሚ ሎንዴል ናይ ሞትን-ሕየትን ምሕጽንታኡ ኣብ ፌስቡክ'ዩ ኣውጺእዎ።
መሳርሕቱ ዝነበረት ሎረን ሌን ነቲ ምሕጽንታ ምስ ራኣየቶ፡ ብኹነታቱ ሓዚና፡ ልባ ምስ ተተንከፈ፡ እንታይ ክትገብር ከምእትኽእል ከተሰላስል ጀሚራ።
እታ ጓል 30 ዓመት፡ ኣብ መወዳእታ ሓደ ኲሊታ ብምሃብ ክቱር ሓልዮታ ክገልጽ'ያ ወሲና።
ሎንዴል፡ ቅድሚ ሕጂ ብልግሲ ዝረኸቦ ኲሊት ኣብ 2022 ካብ ስራሕ ወጻኢ እናኾነ ድሕሪ ምዃዱ ንክልተ ዓመታት ኣብ መዝገብ ደለይቲ ልግሲ ኣካላት ኣትዩ ክጽበ ጸኒሑ።
"ሰባት ዘለዎም ሰናይ ትምኒት ክገልጹለይ'የ ዝጽበ ነይረ፡ ሎረን ፍቓደኛ ኮይና ምምጽኣ ግን ንሕልሚ ጋህዲ ዝገብር'ዩ" ብምባል ሓጎሱ ይገልጽ።
ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ ግዜ 'ዳያሊሲስ' ምግባር፡ ከምኡ'ውን ካልእ ጸገማት ጥዕና ከዳኽሞ ምስ ጀመረ'ዩ ምሕጽንታኡ ናብ ህዝቢ ክዝርግሕ ወሲኑ።
"ሃንደበት'ዩ ነይሩ፡ ዓቢ ነገር ምሕታት ድማ'ዩ። ኣብ ፌስቡክ ምውጽአይ'ውን ሕንከት ተሰሚዑኒ ነይሩ፡ ግና ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረንን" ክብል ስለምንታይ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ይዛረብ።
"ሕማቕ ኩነታት'ዩ ነይሩ። ዝድውለለይ ከምዝረክብ ርግጸኛ ኣይነበርኩን፡ ገለ ግን ክገብር ነይሩኒ"።
"ሎረን ዓቢ መስዋእቲ'ያ ፈጺማ። ንሳ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና'ያ ነይራ፡ ኣነ ድማ ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ ህይወት"።
ብሰንኪ ዘርኣየቶ ሓልዮትን ልግስን "ብውሕዱ ንዝመጽእ 20 ዓመታት ህይወተይ ተመሊሳ ኣላ" ክብል ነታ መሳርሕቱ ዘለዎ ምስጋኒ ዓቢ ምዃኑ ይገልጽ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ሎረን ሌን፡ ሓደ ኲሊታ ናብኡ ንምስግጋር ካብ ዝተገብረላ መጥባሕቲ ንክትሓዊ ክንክን ይግበረላ ኣሎ።
"ንገለ ዓመታት ብሓባር ድሕሪ ምስራሕና ኣነ ምስ ካልእ ኩባንያ ክሰርሕ ከይደ" ብምባል ንዝነበሮም ድሕረ ባይታ ትገልጽ።
"ነቲ ምሕጽንታ ምስ ራኣኹዎ፡ ገለ ነገር ክገብር ከምዝነበረኒ ተሰሚዑኒ"።
እታ ናይ ፒ-ኤች-ዲ (ዶክትሬት) ተመሃሪት ዝኾነት ጓል 30 ዓመት፡ ነቲ መዘና-ኣልቦ ሓልዮት ንምርኣይ ካልእ ውልቃዊ ምኽንያት ከምዝነበራ'ውን ትዛረብ።
"ኣቦይ ኣብ 2018 ዓሪፉ። ጸላም ከብዲ ዝልግሰሉ ንምርካብ ኣብ መዝገብ ደለይቲ ልግሲ ይጽበ ነይሩ፡ ግና ቀልጢፉ ክረክብ ኣይክኣለን" ብምባል ሞት ወላዲኣ ድሪኺት ከምዝፈጠረላ ብምርዳእ።
"መሓዙተይን ስድራቤተይን፡ ነዚ ክገብር ዝደረኸኒ ውልቃዊ ምኽንያታት ክርድኡለይ ብምኽኣሎም ብሓቂ ዕድለኛ'የ" ትብል እዛ ለጋስ ሰብ።

ምንጪ ስእሊ, Lauren Lane
ምድኻም ኲሊት ኣብ ክልተ ዝኽፈል ኮይኑ፡ እቲ ሓደ ሃንደበት ዘጋጥም ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ግን ኣብ ነዊሕ እዋን ከምዝፍጸም ሓካይም ይገልጹ።
ገለ ካብ ጠንቂታት ቅልጡፍ ምድኻብ ኲሊት ከም 'ኣይቢ-ቡሮፎን' ዝበሉ ፈውሲ-ቃንዛ ዝብሃሉ መድሃኒታት ብብዝሒ ምውሳድ፡ ሻምብቆ ሽንቲ ብዝኾነ ምኽንያት እንተ ተዓጽዩ፡ ከምኡ'ውን ሕማም ልቢ ምዃኖም ይግለጽ።
ከም ሽኮርያን ጸቕጢ ደምን ዝበሉ ሕዱር ሕማማት ብወገኖም ዝግባእ ክንክን እንተዘይረኺቦም ኣብ ዝተናወሐ እዋን ምድኻም ኲሊት ከስዕቡ ከምዝኽእሉ ሓካይም የነጽሩ። ብዘይካ'ዚ ኣብ ውሽጢ ኵሊትና ማይ ዝመልአ ጥረ ዘስዕብ ሕማም (policystic kidney) ካልእ ጠንቂ ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ኲነታት ኲሊት ብኣጋኡ ተመርሚሩ ክፍለጥ እንተዘይተኻኢሉ፡ ሓንሳብ ናብ ምድኻም እንተበጺሑ ናብ ሕዱር ሕማም ተቐዪሩ ናብ ዳያሊሲስ ክኣቱ'ዩ ዝግደድ።
ምልክታት ሕዱር ሕማም ኲሊት
ኣብ ፈለማ ሕማም ኲሊት ፍሉይ ምልክታት ዝራኣየሉ ከምዘይኮነ ሃገራዊ ትካል ጥዕና ብሪጣንያ የመልክት። ምኽንያቱ ኣብ ፈለማ ኣካላት ወዲ ሰብ ንምጉዳል ንጥፈታት ኲሊት ክጻወር ይኽእል'ዩ።
ኣብዚ ፈላሚ ደረጃ እንከሎ ድማ'ዩ፡ ንካልእ ኩነታት ጥዕና ኣብ ዝግበር መርመራታት ደም ወይ ሽንቲ ክፍለጥ ዝኽእል። ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ዝርኣየሉ እዋን፡ ብመድሃኒትን ተኸታታሊ መርመራታትን ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ንከይበጽሕ ክግታእ ተኽእሎ ኣሎ።
ናብ ካልኣይ ደረጃ (ሕዱር ሕማም ኲሊት) ምስበጽሐ ግን ሓያለ ምልክታት ከምዘለዎ ይፍለጥ። እቶም ቀንዲ ካብዚኦም፣
- ምጉዳል ሚዛንን ሸውሃትን
- ማይ ምዕቋር ዘስዕቦ ሕበጥ ዓንካር-ዓንካሪቶ፡ እግሪን ኣእዳውን
- ደም ኣብ ሽንቲ
- ተደጋጋሚ ክትሸይን ምድላይ- ብፍላይ ለይቲ
- ስእነት ድቃስ (ኢንሶምኒያ)
- ሰሓ ቆርበት
- ቅርጥማት ጭዋዳታት
- ናይ ሕማም ስሚዒት
- ቃንዛ ርእሲ
- ጸገም ምቕናዕ መትሎ (ኣብ ደቂተባዕትዮ) እዮም።
ዳያሊስስ እንታይ'ዩ ብኸመይከ ይፍጸም?

ምንጪ ስእሊ, Jamie Lonsdale
ምልክታት ሕዱር ሕማም ኲሊት ብቕልጡፍ መርመራ ክግበረሉን፡ እቲ ኩነታት ምስተረጋገጸ እቲ ሕሙም ናብ ዳያሊሲስ ክኣቱ ወይ ዝተለገሰ ኲሊት ክትከኣሉ ጥራይ ከምዘለዎ'ዮም ሰብሞያ ጥዕና ዘነጽሩ።
ዳያሊስስ ንግደ ኲሊት ብምትካእ ካብ ደም ዘየድሊ ጓሓፍን ተወሳኺ ፈሳሲን ብምልጋስ ዝፍጸም ኮይኑ፡ ደም ናይቲ ሰብ ብማሽን ኣቢሉ ከምዝጻረ ምግባር'ዩ።
ክልተ ዓይነት ዳያሊስስ ከምዘሎ ሃገራዊ ትካል ጥዕና ብሪጣንያ (NHS) ይጠቅስ።
'ሄሞዳያሊሲስ' (Haemodialysis) እቲ ልሙድ ኣገባብ ኮይኑ ዝበዝሑ ሰባት ዝፈልጥዎ ዓይነት'ዩ። እዚ መስርሕ ኣብ ቅልጽም እቲ ሕሙም መርፍእ ብምውጋእ፡ ቱቦ ብምእታው ደም ናብቲ ደም ዘጻሪ ማሽን ከምዝሓልፍ ምግባርን፡ ዝተጻረየ ደም ናብቲ ሰብ ምምላስን የጠቓልል።
እዚ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ሓደ ሰሙን ዝወስድ ኮይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ መስርሕ ኣስታት 4 ሰዓታት ክወስድ ይኽእል።
እዚ ኣገባብ'ዚ ብመሪሕነት ሓካይም ኣብ ገዛ ክፍጸም ይኽእል'ዩ። ኣብቲ ኣብ ገዛ ዝግበር መስርሕ ምጽራይ ደም 4 ሰዓታት ዝወስድ 4 መዓልታት ኣብ ሓደ ሰሙን ወይ 3 ሰዓታት ዝወስድ 5 መዓልታት ኣብ ሰሙን ወይ ድማ 8 ሰዓታት ዝወስድ 6 መዓልታት ኣብ ሰሙን ክፍጸም ይኽእል።
'ፐሪቶኒያል ዳያሊሲስ' (Peritoneal dialysis) ኣብ ክንዲ ብማሽን ኣብ ውሽጢ ከብዲ ብዝርከብ ቀጸላ (ፐሪቶኒዮም) ዝፍጸም ምጽራይ ደም'ዩ። እቲ ኣካል ከብዲ ብኣሽሓት ዝቑጸር ደቀቕቲ መትንታት ዘለዎ ስለዝኾነ ከም ኣገዳሲ መጻረዪ ዘገልግል'ዩ።
ኣብ ጥቓ ሕምብርቲ ኣብ ዝርከብ ክፋል ከብዲ ንእሽቶ ቀዳድ ብምፍጣር ብቀዋምነት ዝጸንሕ ካታተር ብምእታው ይፍጸም። በቲ ካታተር መጻረዪ ፈሳሲ ድሕሪ ምእታው፡ እቲ ካብቲ ደም ክወጽእ ዝድለ ነገራትን ተወሳኺ ፈሳሲን ናብቲ መጻረዪ ፈሳሲ ብምውሳድ ድሕሪ ገለ ሰዓታት ናብቲ ኣብ ደገ ዝርከብ ጎማ ተኣኪቡ ይጓሓፍ።
ነቲ መጻረዪ ፈሳሲ ምቕያር ካብ 30 ክሳብ 40 ደቒቕ ዝወስድ ኮይኑ፡ ኣብ መዓልቲ 4 ግዜ ክፍጸም ይኽእል። እዚ ብለይቲ ብመገዲ ማሽን ክፍጸም'ውን ዝክኣል ምዃኑ እቲ ብሪጣንያዊ ትካል ጥዕና ይገልጽ።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
