‘‘ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተተለሙ መጥቃዕቲታ ግብረ ሽበራ ፈሺሎም’’ ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, PM OFFICE
ኣብዚ ሰሙን ጥራይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍጸሙ ተተሊሞም ዝነበሩ ሽዱሽተ መጥቃዕቲታት ግብረ ሽበራ ከምዝፈሸሉ ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ገሊጹ፡፡
ብተወሳኺ እውን ሎሚ ኣብ ከተማ ኣሶሳ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ንፍጻም ትልሚ ምንባሩ፡ ኣብቲ ሎሚ 30 ሰነ 2014 ዓ/ም ካብ ኣባላት ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረቡሉ ሕቶታት መብርሂ ዝሃበሉ መደብ ተዛሪቡ፡፡
እቲ ሎሚ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ብኣብዝሓ ኣብቲ ኣብ ቀረባ ኣብ ቄለም ወለጋ ዝተፈጸመ ጭፍጨፋን ኣብታ ሃገር ዝፍጸሙ ዘለዉ ቅትለታት ዘተኮረ እዩ ነይሩ፡፡
ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዝፍጸም ቅትለት መዓዝ እዩ ደው ዝብል? ኢድ ኣካላት መንግስቲ ኣለዎ ዶ? ኣካላት ጸጥታ መንግስቲ ነቲ ኩነታት ዕሽሽ ዝበልዎ ይመስል ዝብሉን ካልእን ሕቶታት ቀሪቦም፡፡
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ብሞት እቶም ብግፍዒ ንዝተቐተሉ ሰባት ዝተሰመዖ ሓዘን ብምግላጽ እዩ ዘረብኡ ጀሚሩ፡፡
‘‘ከም ሃገር፣ ህዝብን መንግስትን ህይወቶም ክነድሕን ብዘይምኽኣልና ሓዘን ይስመዐኒ’’ ኢሉ፡፡
ኣብ ቀረባ ሰሙናት: ኣብ ልዕሊ ብኣቆጻጸራ ግእዝ 1977 ካብ ወሎ ዘጋጠመ ድርቂ ንምድሓን ናብ ወለጋ ዝገዓዙ ሰባት መጥቃዕተ ከምዝተፈጸመ ተዛሪቡ፡፡
እቲ መራሒ፡ ካብቶም ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ብተወሳኺ ‘‘ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍጸሙ ተተሊሞም ዝነበሩ መጥቃዕቲታት ግብረ ሽበራ ፈሺሎም’’ ኢሉ፡፡
ኣብ ኣዲስ ኣበባ መዓልታዊ መጥቃቲታ ንምፍጻም ተተሊሞም ፈንጂታት፣ ኣጽዋራትን ዝሰልጠኑ ሰባትን ኣብ ቀይዲ ምውዓሎም ዝገለጸ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሰለስተ መዓልቲ ድሕሪ እቲ ኣብ ኦሮምያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 50 ሰባት ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣትዉ ተታሒዞም ክብል ተዛሪቡ፡፡
ዕሽሽነት ሓይልታት ጸጥታ ብዝምልከት
ሓይልታት ጸጥታ ነቶም ኣብ ጋምቤላ፣ ኦሮምያን ቤንሻንልን ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ዕሽሽ ኢሎምዎም፤ ከምኡ እውን ሓላፍነቶም ኣይተዋጽኡን ንዝብል ርእይቶ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዘይዘማመዐሉ እዩ ተዛሪቡ፡፡
‘‘ብዙሓት ኣባላት ጸጥታ ህይወቶም ይኸፍሉ ኣለዉ’’ ዝበለ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ፈታኒ ኩነታት ብዘይ እኹል መሃያ ይሰርሑ ኣለዉ ኢሉ፡፡
ከም ኣብነት ድማ ኣብ ደራሼ ኣብ ዝነበረ ጎንጺ፡ ላዕሊ 80 ፖሊስን ኣመሓደርትን ከምኡ ድማ ኣብ ኦሮምያ፣ ጋምቤላን ካልኦትን ብዙሓት ኣባላት ጸጥታ ተቐቲሎም እዮም ክብል ጠቒሱ፡፡
ዛጊድ ናይ ብዙሓት ሰባት ህይወት ንምድሓን ከምዝተኽኣለ ብምግላጽ ድማ ‘‘ደም ንጹሃት ብከንቱ ዘፍስስ ዝኾነ ግብረ ሽበራዊ ሓይሊ ክሳብ ዝጠፍእ ዝጀመርናዮ ስጉምቲ ክቕጽል እዩ’’ ኢሉ፡፡
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት፡ ተሳትፎ ኣካላት መንግስቲ ነይሩዎ ዝብል ወቐሳታት ክቐርብ ቀንዩ እዩ፡፡
ሎሚ መዓልቲ እውን ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ተመሳሳሊ ቅረታ ዝቐረበ ኮይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣብ መሓውር መንግስቲ ብገንዘብ ዝተገዝኡ ሰባት ከምዘለዉ ብምሕባር ‘‘ኣብ መሓውር ጸገም ኣሎ’’ ኢሉ፡፡
ንሸኔ ንምኹናን ኣይደፈርካን
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ካብ ሓደ ኣባል ቤት ምኽሪ ንዝቐረበሉ፡ ሸኔ ንዘብጸሖም መጥቃዕቲታት ኣይኮነነን ዝብል ሓሜት ከምዘሎ ዝገልጽ ሓሳብ፡ ግቡእ ኣይኮነን ክብል መሊሱ፡፡
‘‘ ሸኔ ግረ ሽበራዊ እዩ ዝበሎ እዚ ቤት ምኽሪ ዘይኮነስ ንሕና ኢና፤ ዕሽሽ ከምዝበልናዮ ኣይተምስሉ’’ ክብል ተሰሚዑ፡፡
ብተወሳኺ ጉዳይ ሸኔ ምስ ኦሮሞ ጥራሕ ክተሓሓዝ ከምዘይብሉ ዝሓበረ እቲ እቲ መራሒ፡ ግብረ ሽበራ ዓለማዊ ጸገም እምበር ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘጋጠማ ፈተና ከምዘይኮነ ተዛሪቡ፡፡
ድርድር ብልጽግናን ህወሓትን
ብልጽግና ምስ ህወሓት ንምድርዳር ንምንታይ በይኑ ወሲኑ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ እቲ ሰልፊን ህዝብን ንሰላም እዮም ቀዳምነት ዝህቡ ክብል መሊሱ፡፡
ድሕነትን ሉእላውነትን እታ ሃገር ብሰላም ምሕላው እንተዘይተኻኢሉ ጥራሕ ናብ ኲናት ከምዝኣትዉ ብምሕባር፡ ‘‘ከመይ ኢልና ሰላም ንጸልእ?’’ ክብል እውን ሓቲቱ፡፡
ብዛዕባ እቲ ዘተ፡ ሰራሕተኛታት መንግስትን ብሓፈሻ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባትን ከምዝተመያየጡ ድማ ኣዘኻኺሩ፡፡
ህወሓት በቲ ቤት ምኽሪ ግብረ ሽበራዊ ተባሂሉ ምስ ምብያኑ ብዝተኣሳሰር ድማ ‘‘ምስ ግብረ ሽበራዊ ዘተ ኣይካየድን ዝብል ኣዕሚዩቕና ክንርእዮ ኣለና፡፡ ኩሉ ሻብ ዘተ ይካየድ እዩ ብምባል’’ ድማ ደርጊ ምስ ህወሓትን ህዝባዊ ግንባርን ዘካይዶ ዝነበረ ዘተ ከም ኣብነት ጠቒሱ፡፡



















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
