ውድቀት ኣሳድ ንዓለም እንታይ ትርጉም ኣለዎ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሶርያ ኣብ ማእከል ማእከላይ ምብራቕ እትርከብ ሃገር ስለዝኾነት ውድቀት ስርዓት ኣሳድ ኣብቲ ዞባ ንዘሎ ሓይሊ ሚዛን ከም ብሓድሽ ካልእ ቅርጺ ከትሕዞ ትጽቢት ይግበር።
ሩስያ፣ ቱርኪ፣ ኢራን፣ ስዑዲ ዓረብን ኣሜሪካን ሓዊሱ ኣብቲ ናይ 14 ዓመት ዝወሰደ ኲናት ሓድሕድ ኢድ ኣታውነት ነይርወን'ዩ። እሞ ደኣ ውድቀት ባሽር ኣል ኣሳድ ንዓኣቶም እንታይ ትርጉም ይህልዎ ይኸውን?
ሩስያ
ሩስያ ቁልፊ መሓዛ ባሽር ኣል ኣሳድ ከምዝኾነት ዝፍለጥ ኮይኑ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ንሱን ስድርኡን ናብ ሞስኮ ከምዝኣተዉን ዑቕባ ከምዝተዋህቦምን ገሊጸን ኣለዋ።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሩስያ ዲሚትሪ ፔስኮቭ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ነዚ ውሳነ ብውልቁ ከምዝወሰነ ይገልጽ።
ኣብ ሶርያ ዘሎ ወተሃደራዊ መዓስከር ሩስያ ኣብ "ልዑል ተጠንቐቕ" ከምዘሎ ዝተገለጸ ኮይኑ ስሙ ዘይተጠቕሰ ምንጪ ክረምሊን ግን ንማዕከናት ዜና ሩስያ ኣብ ዝሃበ ሓበሬታ፡ ድሕነት እቶም መዓስከራት በቶም ንባሽር ዝዓለዉ ዕጡቓት ውሑስ ምዃኑ ከምዝተረጋገጸ ሓቢሩ።
ሩስያ ኣብ 2015 ብቐጥታ ናብቲ ኣብ ሶርያ ዝነበረ ግጭት ከምዝኣተወት ይዝከር። ኣብ ልዕሊ እቶም ሕጂ ስዒሮም ዘለዉ ተቓወምቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብምክያድ እያ ጀሚራቶ።
ኣሳድ ኣብ መንጎ 2015ን 2016ን ንመብዛሕትኡ ክፋል እታ ሃገር ካብቶም ዕጡቓት ዳግማይ ክቆጻጸሮ ዝኸኣለሉ ሓደ ካብ ቀንዲ ምኽንያታት ተሳትፎ ሩስያ ኮይኑ'ዩ ዝረአ።
ሞስኮ ቀጺሉ እንታይ ከም ዝኸውን ንምዝታይ ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክካየድ ትጽውዕ ኣላ።
ኣሰናዳኢ ቢቢሲ ሩስያ ስቲቭ ሮዘንበርግ፡ "ዓቢ ስክፍታ ሩስያ፡ ዕጫ ናይተን ክልተ ወተሃደራዊ መዓስከራታ ማለት'ውን መዓስከር ኣየር ህመይሚምንን ኣብ ታርቱስ ዝርከብ መሳለጥያ ሓይሊ ባሕርን እዩ" ኢሉ።
"ዋላ'ኳ ሞስኮ ንባሽር ኣልኣሳድ ን9 ዓመታት ደጊፋቶን ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ወተሃደራዊ ሓገዝ ሰዲዳን እንተነበረት፡ ሕጂ ግን ሩስያ ምስቲ ኣብ ሶርያ ዘሎ ሓድሽ መሪሕነት ክትዛተ ትጽዕር ኣላ።
"ኣብዚ ዝገርም ነገር እንተሃልዩ፡ ክሳብ ቀረባ እዋን፡ ማዕከናት ዜና ሩስያ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት 'ኣሸበርቲ' ኢለን ይጽውዓኦ ነይረን። ሕጂ ግን 'ዕጡቓት ተቓወምቲ' ኢለን ምጽዋዕ ምጅማረን እዩ" ኢሉ።
ኢራን

ምንጪ ስእሊ, EPA
ንስርዓት ኣሳድ ኣሐይላ ክትድግፍ ዝጸንሐት ኢራን፡ ምስ ሶርያ ዘለዋ "ምሕዝነታዊ" ዝምድና ክቕጽል ትጽቢት ከምዘለዋ ገሊጻ ኣላ።
ኢራን ንሓይልታት ኣሳድ ርኡይ ወተሃደራዊ ደገፍ እናሃበት ንሓደ ካብቶም ኣንጻር ዕጡቓት ተቓወምቲ ጉጅለታት ዝተዋግኡ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ድማ ኣሰልጢና እያ።
ወኪል ቢቢሲ ማእከላይ ምብራቕ ሁጎ ባቸጋ፡ "ኣብ ትሕቲ ኣሳድ ዝነበረት ሶርያ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ ኢራናውያንን ሕዝቦላህን ዝነበረ ምትእስሳር እያ ነይራ። ኣጽዋርን ተተኮስትን ናብቲ ጉጅለ ንምስግጋር ቁልፊ እያ ነይራ" ይብል።
ንሱ ኣስዒቡ "ሕዝቦላህ ንባዕሉ ድሕሪ ምስ እስራኤል ዝገበሮ ኲናት ኣዝዩ ተዳኺሙ እዩ። ኣብቲ ናይ ሶርያ ሓድሕዳዊ ኵናት፡ ኢራን ናብታ ሃገር ኣማኸርቲ ብምልኣኽ፡ ሕዝቦላህ ድማ ንተቓወምቲ ኣሳድ ንምጭፍላቕ ተዋጋእቱ ኣዋፊሩ" ኢሉ።
"ኢራን'ውን ኣብ የመን ዝርከቡ ሑቲ ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ ዒላማ ክኾኑ ተዓዚባ እያ። ኣብ ዒራቕን ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ሚሊሻታትን ተወሲኹዎም፡ እቲ ቴህራን ከም 'ኣክሲስ ኦፍ ረሲስታንስ' ኢላ እትገልጾ ምንቅስቓስ ሕጂ ከቢድ ጉድኣት በጺሑዎ'ሎ" ክብል ወኪል ቢቢሲ ማእከላይ ምብራቕ የረድእ።
"እዚ ሓድሽ ስእሊ ኣብታ ኢራን ከም ሓደጋ ህላወ እትረአየላ እስራኤል ፌስታ ዝፈጥር'ዩ" ይብል።
ኣሜሪካን ምዕራባውያን ሃገራትን
ወኪል ጸጥታ ቢቢሲ ፍራንክ ጋርድነር "ኣብ ብሪጣንያ ዝሰልጠነ መንእሰይ ሓኪም ዓይኒ ባሽር ኣል ኣሳድ ኣብ 2000 ፕረዚደንትነት ሶርያ ኮይኑ ምስተመዘዘ ተስፋ ምዕራባውያን ሃገራት ልዑል እዩ ነይሩ" ይብል።
ኣሳድ ድሕሪ እቲ ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ምልካዊ ምሕደራ ወላዲኡ ትንፋስ ንጹህ ኣየር ክኸውን ተስፋ ተገይርሉ ከምዝነበረ ዝሕብር ፍራንክ "ከምቶም ኣብታ ዓመት እቲኣ ስልጣን ዝሓዙ ካልኦት መንእሰያት ዓረብ ገዛእቲ፡ ባሽር ንሶርያ ናብ ዲጂታላዊ ዘመን ንምስሓብ ዝህንጠው ዘመናዊ ምዃኑ ይንገር" ኢሉ።
ምዕራባውያን ኣብ ባሽር ተስፋ ምቑራጽ ዝጀመሩ ኣብ 2001 እዩ ነይሩ። ፕረዚደንት ሶርያ ኣሳድ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ዝነበረ ቶኒ ብሌር ንኹሎም ግብረሽበራዊ ጉጅለታት ዝሃቦ ኩነኔ እንከይተቐበሎ ተሪፉ።
በሽር ኣል ኣሳድ "ንስኻትኩም ግብረሽበራውያን ትብሎዎም፡ ንሕና ድማ ንሓርነት ዝቃለሱ ተጋደልቲ ኢና ንብሎም" ክብል ነቶም ሃገሩ እተአንግዶም ዕጡቓት ፍልስጤም ዝገለጸሉ ኣገባብ እዩ ነይሩ።
"ኣሳድ ነዊሕ ከይጸንሐ ናይ ለውጢ መራሒ ከምዘይኮነ ኣመስኪሩ። ሶርያውያን ለውጢ ምስ ሓተቱ ድማ ብጥይት፡ ቦምባ፡ ሳሪን ጋዝን ቀጥቂጥዎም" ኢሉ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ሶርያ "ታሪኻዊ ዕድል" ከምዘጋጥማ እኳ እንተገለጸ፡ ሃገሩ ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ናይ ስልጣን ክፍተት ከምዝተሻቐለት ግን ኣይሓብአን።
ኣሜሪካ ኲናት ሶርያ ካብ ዝጅምር ንገለ ውድባት ዕጡቓት ተቓለስቲ ክትድግፍ ጸኒሓ ኣላ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ብቐንዱ ነቶም ንሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ዝቆጻጸሩ ብኩርዳውያን ዝምራሕ ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ሶርያ (ሰዲኤፍ) እያ እትድግፍ።
ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ፔንታጎን ዳንኤል ሻፒሮ፡ ሓይልታት ኣመሪካ ነቲ "ህውከትን ተለዋዋጢ ኩነታት" ተጠቒሙ ስርሒታቱ ከሐይል ዝኽእል ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ ንምምካት ኣብ ምብራቓዊ ሶርያ ክጸንሑ ምዃኖም ገሊጹ'ሎ።
ቱርኪ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ወኪል ቢቢሲ ማእከላይ ምብራቕ ሁጎ ባቸጋ "ብዙሓት ሰባት እዚ መጥቃዕቲ ካብ ፍቓድ ቱርኪ ወጻእ ክኸውን ከምዘይክእል ይኣምኑ" ይብል።
"ፕረዚደንት ኤርዶጋን ንኣሳድ 'ሶርያውያን ስደተኛታት ክምለሱ ዘኽእል ዲፕሎማስያዊ መፍትሒ ንምርካብ ኣብ ድርድር ክዋፈር' ጸቕጢ ይገብር ነይሩ" ዝበለ ሁጎ ብውሕዱ ሰለስተ ሚልዮን ስደተኛታት ኣብ ቱርኪ ከምዘለዉ ሓቢሩ።
እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ተኣፋፊ ጉዳይ ከምዝኾነ ግን ከኣ ኣሳድ ሓሳብ ኤርዶጋን ከምዝነጸጎ ገሊጹ።
ንገለ ካብቶም ኣብ ሶርያ ዝርከቡ ዓመጽቲ እትድግፍ ቱርኪ፡ ነቲ ናዕቢ ዝመርሐ እስላማዊ ጉጅለ 'ኤችቲኤስ' ትድግፎ'ያ ንዝብል ሓበሬታ ግን ነጺጋቶ።
ኣብ ሰሜን ሶርያ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዕጡቓት ንዝርከቡ ከባቢታት ዘመሓድሩ ገለ ትካላት ክትድግፍ ዝጸንሐት ቱርኪ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ሰላማውን ርጉእን መጻኢ ሶርያ ንምውሓስ ዝሕግዝ ጻዕርታት ክተሐይል ምዃና ኣፍሊጣ።
"እዚ ድማ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ዝሃደሙ ሶርያውያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝሕግዝ መንገዲ ምድላይ ዘጠቓልል እዩ" ይብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሃካን ፊዳን።
ሊባኖስ
ንመንግስቲ ኣሳድ ዝግበር ደገፍ፡ ኣብ ሊባኖስ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ጉጅለታት ካብ ዝፈላለዩ ቀንዲ ርእሰ ጉዳያት ሓደ ምዃኑ ወኪል ቢቢሲ ዓረብ ካሪን ቶርቤይ ገሊጻ።
ብዙሓት ሰባት ሶርያ ንሊባኖስ ንነዊሕ እዋን ጎቢጣ ሒዛታ ከምዝነበረት ስለዝኣምኑ ውድቀት ኣሳድ ከም ኣወንታዊ ውጽኢት ይርእይዎ።
ኣብታ ሃገር ንኣሳድ ዝድግፉ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ጉጅለታት ግን ውድቀት ኣሳድ ኣሻቒልዎም ይርከብ።
ብዓቢኡ ድማ ውድቀት መንግስቲ ባሽር ኣል ኣሳድ ንሕዝቦላህ ዓብይ መርድእ ኮይኑ ይረአ። ምኽንያቱ ትብል ካሪን "ዓንዲ ሕቖን ቀንዲ መስመር ቀረብን ሕዝቦላህ ዝነበረት ሶርያ፡ ሕጂ ተቖሪጻ ኣላ" ኢላ።
ኣብ ባይቶ ሊባኖስ ኣባል ፖለቲካዊ ውድብ ሕዝቦላህ፡ እቲ ኣንጻር እስራኤል ዝካየድ ዘሎ "ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ" ብሰንኪ ውድቀት ስርዓት ኣሳድ ከምዘይጽሎ ገሊጹ።
"ኩሉ ኣብ ሶርያ ዝፍጸም ዘሎ - ዋላ'ኳ ሓደገኛ እንተኾነ - ከዳኽመና ኣይክእልን'ዩ" ይብል ሓሰን ፋድላላህ።
ካብ ሶርያ ናብ ሊባኖስ ሓድሽ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝተኸሰተ ኮይኑ ኣመንቲ ሺዓ እስላም ስክፍታ ሓዲርዎም ኣሎ።
እታ ወኪል ቢቢሲ ዓረብ ብተወሳኺ "ናብ ሊባኖስ ዝኣትዉ ሰባት፡ ክሳብ ሕጂ ነታ ሃገር ካብ ዝተቖጻጸሩ ውድባት ዝኾነ ሳዕቤን ከምዘየጋጠሞም ንቢቢሲ ይነግሩ ኣለዉ። እንተኾነ ግን ኣብ ልዕሊኦም ካብ ውልቀ ሰባት ሕነ ናይ ምፍዳይ ተግባር ከይህሉ ብምስጋእ እዮም ወጺኦም" ኢላ።
እስራኤል

ምንጪ ስእሊ, EPA
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ሰራዊቱ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ኣሳድ ኣብ መንጎ ብእስራኤል ዝተጎበጠ ጎላን ሶርያን ዝርከብ ዞባ ክቆጻጸሩ ኣዚዙ።
ንሱ፡ እቲ ኣብ 1974 ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ከይግበረሉ ምስ ሶርያ ዝኣተዎ ስምምዕ ፈሪሱ ኢሉ።
እስራኤል ኣብ መዛዘሚ መድረኻት ናይቲ ኣብ 1967 ዝተኻየደ ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ኲናት ንጎላን ዝተቖጻጸረቶ ኮይና ኣብ 1981 ድማ ናብ ግዝኣታ ኣእትያቶ።
እዚ ስጉምቲ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ኣፍልጦ ኣይረኸበን።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ጊዴዎን ሳር፡ ነቲ ካብ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ናጻ ክኸውን ዝተሰማምዕሉ ዞባ ምቁጽጻር ድሕነት እስራኤል ንምውሓስ "ግዝያዊ ስጉምቲ" ክብል ገሊጽዎ።
ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ወኪል ቢቢሲ ማእከላይ ምብራቕ ዮላንደ ክነል "እስራኤል ኣብ ሶርያ ንዝርከቡ ኬሚካላዊ ኣጽዋርን መኽዘናት ሚሳይላትን እዚ ኣብ ኢድ ኣኽረርቲ ውድባት ከይወድቁ እዩ ብምባል ከምዘጥቅዐት'ውን ኣረጋጊጹ" ኢሉ።
"ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ከምዝተፈጸመ ይሕብሩ። እዚ ድማ ደማስቆ ኣብ ዝርከብ ቦታ ብኢራናውያን ሳይንቲስት ንሮኬታት ንምምዕባል ከምዝተጠቕመሉ ዝንገረሉ ቦታ ሓዊሱ'ዩ።"
ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ
ኣሰናዳኢ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ቢቢሲ ሰባስቲያን ኡሸር፡ ሓደ "በዓል ስልጣን ስዑዲ ዓረብ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ሶርያ ህውከት ንምክልኻል ምስ ኩሎም ሓይልታት እቲ ዞባ ይረዳዳእ ከምዘሎ ይዛረብ" ክብል ጸብጺቡ።
"ንጉስ ናይታ ጎረቤት ሶርያ ዝኾነት ጆርዳን ብወገኑ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ዘውጽአ ኮይኑ ተወሳኺ ግጭት ከይፍጠር ይጽውዕ። ከም ጥንቃቐ ድማ ሃገሩ ምስ ሶርያ ዘራኽባ ዶብ ዓጽያቶ ኣላ።"
"ሓደ ላዕለዋይ ዲፕሎማስያዊ በዓል ስልጣን ኢማራት ዓረብ፡ ኣንዋር ጋርጋሽ፡ ቀንዲ ስክፍታ ሃገሩ ጽንፈኝነትን ግብረሽበራን ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ ኣሳድ ነቲ ብዝተፈላለዩ ሃገራት ዓረብ ዝቐረበሉ ምሕጽንታ ብዘይምጥቃሙ ወቒሱዎ" ይብል።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
