ዝኽርታት ዓዲ ዝመልአት ጀበና

ጀበና
Published

ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ሓደገኛታት ዝኾኑ መስመር ማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ኣብ ኢጣልያ ዝኣተው ስደተኛታት ብዕጽፊ ይውስኽ ኣሎ።

እቲ መሳገሪ ባሕሪ ኣብ ወቕቲ ሓጋይ ዝያዳ ክዓቢ ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣብ ሓንቲ ናብ ማእከላይ በሕሪ ኣብ ዘማዕዱ ኩርባ ዝተደኮነት ንእሽቶ ኢጣልዊት ቁሸት፡ ሓደ ብቕጽበት ኣሽሓት ኪሎሜትራት ዝመለሰኒ ነገር ተዓዚበ።

ሰፊሕ ከብዳ፡ ጸቢብ 'ዝኣፋን ፍርቂ-ክቢ መትሓዚ ዘለዋን ዓባይ ጀበና ቡን እያ ነይራ።

ንመንፈሳዊ ኣገልግሎታት ወይ ድማ ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ወይ ሱዳን መፍልሒ ቡን ዝጥቀሙላ'ያ ትመስል።

ጀበና

ነዚኣ ፍሉይ ዝገብራ፡ ብዕጣን ዕምባባን ተዓጂባ ኣብ መቦኮርያ ኩድም ኢላ ኣብ ጓንቴራ ብሩር ብኽብሪ ኮፍ ዝበለት ዘይምዃ ጥራይ'ዩ።

ኣብ ክንድዩ፡ ኣብ ሓደ መንደቕ ናይ ገዛ ተሰዂዓ'ያ ትርአ።

ነቲ ገዛ ኣብዚ ቀረባ ዝዓደጎ ፊልሞን ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ናብኡ ዝተሰደደ'ዩ።

ቅድሚ ናብቲ ገዛ ምግዓዙ፡ ከተዓራርዮ ነይርዎ። ኣብ ዓዱ ምስ ቤተሰቡ ንዘሕለፎ ህይወት ንምዝካር ድማ'ዩ ነታ ጀበና ኣካል ናይቲ መንደቕ ክትከውን ዝወሰነ።

ከምቲ ኣብ ሱዳን እናነበርኩ ዝርእዮ ዝነበርኩ ጀበናታት ከምእትመስል ንፊልሞን ኣዕሊለዮ።

ሰሓቕ ስዒርዎ። ከም ናቱ እታ ጀበና'ውን ካብ ኤርትራ ዝተሰደደት ምዃና ነጊሩኒ። እናሰሓቐ ድማ፡ ከምኡ ዓይነት ጀበና ንሱዳን ዝሃበታ ኤርትራ'ያ ክብል ቀጺሉ።

ፊልሞን ካብ ሃገሩ ኤርትራ ኣርሒቑ'ኳ እንተተሰደደ፡ ንዝኽሩ እትኸውን ኣካል ናይቲ ዝመጸሉ ምድሪ ምዕቃቡ ብኸፊል ናፍቖቱ ዘውጽኣሉ ዝኽሪ ኮይንሉ ኣሎ።

ንማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጽካ ካብ ሊብያ ናብ ኣውሮጳ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ብዙሓት እዮም ዝጥሕሉ።

እቶም ብሓለዋ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ዝምለሱ ከኣ ማእሰርትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን እዩ ዘጋጥሞም።

ኣብ ፈቐዶ ከተማታት ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ከም ገላዩን ባሮትን ካብን ናብን ነጋዶ ሰባት እናተሸጡ ሕሱም ህይወት ከምዘሕልፉን ኣብ ቃልዕ ዕዳጋ ብጨረታ ከምዝሽየጡን ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ብግልጺ ተቃሊሑ'ዩ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት እውን ኣብታ ብጎይቶት ኩናት እትሕመስ ዘላ ሊብያ ከቢድ ወጽዓ ከጋጥሞም ጸኒሑን ኣሎን።