ኣብ ኣመሪካ: ቍጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 50,000 በጺሑ

ብመሰረት ሓበሬታ ጆን ሆፕኪንስ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብ ኣመሪካ ቍጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 50,000 ከምዝበጽሐ ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ጥራይ 3,000 ሰባት ከምዝሞቱን፡ ልዕሊ 870,000 ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከምዘለው ተረጋጊጹ’ሎ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ኣመሪካ: ቍጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 50,000 በጺሑ

    ብመሰረት ሓበሬታ ጆን ሆፕኪንስ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብ ኣመሪካ ቍጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 50,000 ከምዝበጽሐ ተገሊጹ።

    ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ጥራይ 3,000 ሰባት ከምዝሞቱን፡ ልዕሊ 870,000 ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከምዘለው ተረጋጊጹ’ሎ።

    እንተኾነ ግን፡ መጠን ሞት ኣመሪካ ምስ ሃገራት ኤውሮጳ ክወዳደር እንከሎ ገና ትሑት እዩ ዘሎ።

    ኣብዚ እዋን፡ ኣመሪካ እታ ዝለዓለት ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱዋ ሃገር ኮይና’ላ።

    እታ 330 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዉዋ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ እታ ዝበዝሑ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ዘለዉዋ ሃገር ድማ እያ።

    ኣሜረካ
  2. መሸፈኒ ክገብር ዘጸገሞ መራሒ መስሓቕ ህዝቡ ኮይኑ

    ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎዛ፡ ትማሊ ምሸት ብዛዕባ ኮሮናቫይረሰ ንህዝቡ መግለጺ ንምሃብ ኣብ ተለቪዢን ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንምግባር ከም ዝተጸገመ ዝራኣዩ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ክሳብ ሕጂ ሳሓቖም ኣይወድኡን።

    እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብታ ሃገር ተኣዊጁ ዘሎ ተሪር ዕጽዋ ንምዝላቕ ከም ዝተወሰነ ንህዝቡ ክነግር ኣብ ተለቪዢን ኣብ ዝቐረበሉ እዋን’ዩ፡ እቲ ‘ሓደጋ’ መሸፈኒ ኣጋጢምዎ።

    ነዚ ዝተዓዘቡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መስሓቕ ሪኸቦም፡ ይዋዘይሉ ኣለዉ።

    ሓደ ካብኦም “እዚ መሸፈኒ ን4ይ ደረጃ ዕጽዋ ራማፎዛ ምእዛዝ ኣብዩ” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ።

    ገለ ድማ፡ እቲ ኣጋጣሚ መምሃሪ ክኸውን ይኽእል’ዩ ኢሎም።

    “ሲሪል ራማፎዛ፡ መሸፈኒ ምግባር ኣብዩዎ ክኸውን ይኽእል’ዩ። መን ኣሎ ከምኡ ዘየጋጠሞ? ንባዕሉ ክስሕቕ ይኽእል’ዩ። ኣብ ክንዲ ዝተሰንዐን፡ ዝተዓሸገን፡ ሰብ ዝኾነ ፕረዚደንት ክህልወኒ’የ ዝመርጽ” ይብል ሓደ ሳይሞን ግሪንድሮድ ኣብ ትዊተር።

    ናቢላ ድማ፡ “ሰላም፡ ፕረዚደንትኹም ሲሪል ራማፎዛ’የ! ናብዚ መሸፈኒ ብኸመይ ከምእትገብርዎ ዝምህር መደብ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም። ነዚ ቪድዮ ላይክ ግበሩዎን ኣባጽሕዎን” ክትብል ጽሒፋ።

    መሸጣ ሽጋራን፡ ካልኦት ንጥፈታትን ምስናይ ጥንቃቐታት ተፈቒዶም ኣለዉ። መሸጣ ኣልኮል ግን ሕጂ’ውን ተኣጊዱ ክቕጽል ምዃኑ እቲ ፕረዚደንት ኣፍሊጡ’ሎ።

    Skip X post
    ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

    End of X post

  3. ኣብ ታንዛንያ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ዝሕቱል ተበግሶ ስለዝተወሰደ ሓያለ ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ

    ኣብ ታንዛንያ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ዝሕቱል ተበግሶ ስለዝተወሰደ ሓያለ ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ ከምዝኽእሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘለዎ ስክፍታ ገሊጹ።

    ኣብ ኣፍሪቃ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኾነት ዶክተር ማትስሺዲሶ ሞየቲ ከምዝበለቶ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ካብ መዓልቲ ናብ መዓለቲ ይውስኽ ከምዘሎ ገሊጻ።

    ዶክተር ማትስሺዲሶ ሞየቲ እቲ ቁጽሪ ካብዚ ዘለዎ ብተዓጻጻፊ ክውስኽ ከምዝኽእል ከኣ ዘለዋ ስክፍታ ገሊጻ ኣላ።

    ዶክተር ማትስሺዲሶ ሞየቲ ብምስዓብ "ኣብ ታንዛንያ ኣካላዊ ምርሕሓቕ ይኽበር ስለዘየሎን፡ ህዝባዊ ኣኬባታት ስለዘይተኸልከለን ዝርገሐ እዚ ቫይረስ ንምግታእ ተሪር ስጉምቲ ኣብ ምውሳይ ዝሕታለ ስለዘሎ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝልከፉ ክብ ክብል እዩ" ኢላ።

    ፕረዚደንት ታንዛንያ ጆን ማጉፉሊ ኣብ ክንዲ ኣብ ምግታእ እቲ ቫይረስ ዝሰርሕ፡ ህዝቢ ኣብ ኣብያተ እምነት ክተኣኻኸብ ምፍቃዱ ብብዙሓት ከቢድ ነቀፌታ ክወርዶ ጸኒሑ'ዩ።

    ታንዛንያ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ናይ መጀመርታ ኣብታ ሃገር ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ክትረክብ እንከላ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ቁጽሪ ናብ 284 ክብ ኢሉ ኣሎ።

    ታንዛንያ
  4. ምምሕዳር ትራምፕ ናይ ጽሓይ ብርሃን ኣብ ኮሮናቫይረስ ዝህልዎ ጽልዋ ክጽናዕ ፈቂዱ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ

    ምምሕዳር ትራምፕ ናይ ጽሓይ ብርሃን ኣብ ኮሮናቫይረስ ዝህልዎ ጽልዋ ክጽናዕ ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ።

    ኣብ ሃገራዊ ድሕንት ኣሜሪካ ሓላፊ ክፍል ስነ ፍልጠት ቢል ንርያን ኮሮናቫይረስ ብርሃን ጽሓይ ብቅጥታ ምስ ዝረኽቦ፡ ኣብ ሙቕትን ጠሊ ዝሓዘለ ንፋስን ክጻውር ከምይክእል ብመጽናዕቲ ከምዘረጋገጽዎ ምግላጹ'ዩ ነዚ ሓሳብ ዘበጋግስ ዘሎ።

    እቲ ተገይሩ ዝተብሃለ መጽናዕቲ ግን ክሳብ ሕጂ ከም ዘይተሓትመን ዝኣክል መስርሕ መርመራ ከምዘይሓለፈን'ዩ ዝግለጽ።

    ምክትል ፕረዚደንት ማይኽ ፔንስ'ውን እቲ ዝርገሐ ለበዳ ኣብ ዝመጽእ ወቕቲ ብርኡይ ክጎድል ከምዝኽእል ሓቢሩ'ሎ።

    ፕረዚደንት ትራምፕ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብርቱዕ ብርሃን ጽሓይ ከምኡ'ውን ጸረ ባክተርያ ብኮሮናቫይረስ ንዝተለኸፉ ቀንዲ መድሃኒት ክኸውን ይኽእል'ዩ ምባሉ ኣዘራራቢ ኮይኑ ይርከብ።

    ሰብ ሞያ ጥዕና ግን ብሳይንስ ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ምዝርጋሕ ጌጋ እዩ ብምባል ኢዶም ናብ ፕረዚደንት ትራምፕ የወጣውጡ ኣለዉ።

    ኮሮናቫይረስ ምስ ወቅቲ ይጠፍእዶ ይኸውን ዝብል ሓሳብ ንብዙሓት ዘዘራርብ ዘሎ ዛዕባ እዩ።

  5. ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ተወሳኺ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ተረኺቡ

    ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ተወሳኺ ብኽዕሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ተረኺቡ

    ኣብ ኢትዮጰያ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ናይ 933 ሰባት መረመራ ኮሮናቫይረስ ክግበር እንከሎ፡ ካብዚኦም ሓደ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ከምዝተረኸቦም ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ተገሊጹ።

    በዚ መሰረት ኣብ ኢትዮጰያ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ናብ 117 ክብ ኢሉ ኣሎ።

    ካብዞም 117 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 21 ምሉእ ብምሉእ ሓውዮም ካብ ሕክምና ክፋነዉ እንከለዉ ሞት ሰለስተ ሰባት ደማ ተመዝዚቡ'ሎ።

    • ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ

      ኣብ ኣፍሪቃ፡ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ልዕሊ 26,000በጺሑ’ሎ። ቁጽሪ ዝሞቱ ድማ ኣስታት 1,200 በጺሑ።

      • ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ዝተለኽፉ ሰባት 39 ክበጽሕ እንከሎ፡ ዝሐወዩ ድማ 11 በጺሑ’ሎ።
      • ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ዝተለኽፉ ሰባት 117 ኮይኑ፡ ካብቲ ሕማም ዝሓውዩ 21 ተመዝጊቡ ‘ሎ።
      • ኣብ ጁቡቲ፡ ዛጊት 986 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ሞት ክልተ ሰባት ተመዝጊቡ'ሎ።
      • ኣብ ሱዳን፡ 162 በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለው፡ 13 ሰባት’ውን በቲ ለበዳ ሞይቶም ኣለው።
      • ሶማልያ፡ 328 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኽፉ ክሕብር እንከላ፡ ዛጊት 16 በቲ ሕማም ሞይቶም ኣለው።
      ኮሮናቫይረስ
    • ምክልኻል ኣሜሪካ ኣብ ጁቡቲ ህጹጽ ጥዕናዊ ሓደጋ ኣዊጁ

      ምክልኻል ኣሜሪካ ኣብ ጁቡቲ ህጹጽ ጥዕናዊ ሓደጋ ኣዊጁ

      ምክልኻል ኣሜሪካ ኣብ ኩሉ ኣብ ጁቡቲ ዘለዎ ጨናፍሩ፡ ኣብታ ሃገር ቅልጡፍ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ይረአ ስለዘሎ እዋጅ ህጹጽ ጥዕናዊ ሓደጋ ከምዝኣወጀ ኣፍሊጡ።

      ኣብታ ትሕቲ ሓደ ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ንእሽተይ ሃገረ ጁቡቲ ዛጊት 986 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ ሞት ክልተ ሰባት ተመዝጊቡ'ሎ።

      እቲ ካብ ኣዛዚ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝወጽአ መገለጺ፡ እዚ ምእዋጆም ንኮቪድ-19 ንምቁጽጻርን ሰራዊት ኣሜሪካን ጁቡትን ድሕነቶም ንኽሕሎን እኹል ቅድመ ምድላዋት ንኽገብሩን ምሉእ ስልጣን ንኽህልዎም ከምዝሕግዝን ይገልጽ።

      እቲ ኣዋጅ፡ ንኣብያተ ጽሕፍት፡ ወሃብቲ ኣገልግሎት እቲ ሰራዊት፥ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሊሞነር ጅቡቲ ዝረክቡ ሲቪል ተኾናተርትን፤ ኣብቲ ብኣሜሪካ ዝመሓደር መዓስከር ሓይሊ ኣየር ቻቤሊ ዝርከቡ ንኹሎም ከምዝምልከት'ውን ተገሊጹ።

      እቲ ኣዋጅ ን30 መዓልታት ተግባራዊ ዝኸውን ኮይኑ፡ ኣብ ወደብ ጁቡቲ ንዝሰርሑ ኣሜሪካውያን'ውን ከምዘጠቃልል ተሓቢሩ።

      እቲ መግለጺ፡ ካብ ሰራዊት ኣሜሪካ በቲ ቫይረስ ዝተታሓዙ ምህላዎምን ዘየምህላዎምን ኣየነጸረን።

      ሰራዊት ኣሜሪካ ጸረ ግብረ ሽበራ ስርሒታት ንምግባር ብዝብል ዕላማ ሶማልያ እትርከብን ኣብ ዝተፈላልያ ሃገራት ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዝለዎ ይፍለጥ።

    • ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝሓልፈ 24 ሰዓታት ሞት ኣይተመዝገበን

      ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝሓልፈ 24 ሰዓታት ሞት ኣይተመዝገበን

      ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ሞት ከምዘይተመዝገበ ተገሊጹ።

      እዚ ኸኣ ኣብ ውሽጢ እዚ ወርሒ ናይ መጀመርታ ክስተት ኮይኑ ተመዝጊቡ'ሎ።

      ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ሞት ዘይምምዝጋቡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት'ውን ከምዝነከየ ሓቢሩ።

      ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዝምስገን ስራሕ ከምዝሰርሐት'ዩ ዝግለጽ።

      እታ ሃገር ኣዝዩ ብዙሕ ሰብ ከም ዝመርመረትን ብዙሓት መወሸቢ ማእከላት ከምዝሃነጸትን'ዩ ዝግለጽ።

      እቲ እታ ሃገር ትኽተሎ ዘላ እስትራተጂ ንኻልኦት ሃገራት ኣብነት ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ኸኣ ዝጥቀስ።

      ኣብታ ሃገር ዋላ እኳ 240 ሰባት ብስንኪ ኮሮናቫይረስ እንተሞቱ፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ብምውድዳር ኣዝዩ ትሑት ቁጽሪ'ዩ።

      እታ ሃገር ከም ካልኦት ሃገራት ህዝበን ካብ ገዛ ከይወጽእ ዝኣወጀኦ ከይኣወጀት እያ ነዚ ሕማም ብብዝሒ መርመራታት ብምግባር ትቆጻጸሮ ዘላ።

      እቶም ሰብ መዚ በዚ ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወታት ሰብ ከይዘናጋዕ ብምምሕጻን፡ እዚ ሕማም ክታበት ወይ ፈውሲ ክሳብ ዘይተረኸቦ ኩሉ ሰብ ዘድሊ ጥንቃቐታት ክገብር ተላብዮም ኣለዉ።

    • ዓለምለኻዊ ዝርጋሐ ኮሮናቫይረስ ዘርኢ ሰሌዳ

      ካብ ግዝኣት ቻይና ሁበይ ተበጊሱ ንብዙሓት ሃገራት ዓለም ዘጥቅዕ ዘሎ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ቀንዲ ስግኣት ጥዕና ዓለምና ኮይኑ ኣሎ።

      ኣብ ነብሲ ወከፍ ሃገር ዘሎ ምስ ኮሮናቫየረስ ዝተሓሓዘ ብስሌዳ ዝተደገፈ ዝርዝራዉ ትሕስቶ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቁ

    • ግብጺ፡ ዝተኣወጀ ስዓታት እቶ እቶ ከተሕጽሮ ምዃና ገሊጻ

      ቀዳማይ ሚኒስተር ግብጺ፡ ሃገሩ ብምኽንያት ጾመ ሮሞዳን እቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተኣወጀ ስዓታት እቶ እቶ ከተሕጽሮ ምዃና ገሊጹ።

      ቀዳማይ ሚኒስተር ሙስጣፋ ማድቦሊ እቲ ሰዓታት እቶ እቶ ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ካብ ሰዓት ትሽዓት ምሽት ከምዝጅምር እዩ ገሊጹ።

      ግብጺ ኣቐድም ኣቢላ እቲ ስዓታት እቶ እቶ ካብ ሰዓት 8 ትጅምሮ ምንባራ ይፍለጥ።

      ኣብ እዋን ጾመ ሮሞዳን ኣብያተ ሸቀጥን መግቢን ክኸፈታ'የን። እንተኾነ፡ ሰብ መግቢ ኣዚዙ ናብ ገዝኡ ከውስዶ'ምበር ኣብተን ኣብያት መግቢ ኮይኑ ክበልዕ ኣይፍቀዶን'ዩ።

      ግብጺ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ዜጋታታ 366 ምስ በጽሑ እያ 24 መጋቢት ሰዓታት እቶ እቶ ኣዊጃ።

      ኣብዚ ሕጂ ኸኣ 3891 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ክህልዉዋ እንከለዉ ካብዚኦም 366 ሞይቶም

      ግብጺ ስዓታት እቶ እቶ ኣሕጺራቶ
    • ተመራመርቲ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንምርካብ ክሳብ ክንደይ ተቓሪቦም ኣለዉ??

      ተመራመርቲ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንምርካብ ክሳብ ክንደይ ተቓሪቦም ኣለዉ?

      ኮሮናቫይረስ ኣብ መላእ ዓለም ኣስፋሕፊሑ ይርከብ፡ ክሳብ ሕጂ ከኣ ክታበት እዚ ንዓለም ዘናውጽ ዘሎን ሕማም ኮቪድ-19 ዘኸትልን ኮሮናቫይረስ ኣይተረኸበን።

      እንተኾነ ክታበት ይኹን ፈውሲ እዚ ቫይረስ ንምርካብ ለይትን ቀትርን ይስራሕ ኣሎ።ንምንታይ'ዩ ክታበት ኮሮናቫይረስ ክሳብ ክንድዚ ኣገዳሲ ኮይኑ?እዚ ቫይረስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብቀሊሉ'ዩ ዝመሓላላፍ፡ ዝበዝሕ ህዝቢ ዓለም ከኣ ንሓደጋ እዚ ሕማም ዝተቃልዐ'ዩ።

      ክታበት ከኣ ስርዓት ምክልኻል ሰባት ብምድላብ በቲ ቫይረስ ከይጥቅዑ ክከላኸልን ዝተጠቅዑ'ውን በቲ ቫይረስ ከይሰዓሩን ስለዝሕግዝ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ'ዩ።

      ብዓቢኡ እዚ ካብ ገዛ ከይወጽእ ተሓቢርዎ ዘሎ ሰብ ናብ ስርሑ ክምለስን፡ ኩሉ ስግኣታቱ ተወጊዱ ብዛዕባ ኣካላዊ ምፍንታት ከይሓሰበ ክወፍርን ክኣቱን ስለዝኽእል ኩሉ ሃረር ዝብሎ'ዩ።

    • ድቡብ ኣፍሪቃ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ገድብ ምንቅስቓስ ከተፍክሶ'ያ

      ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ፡ ሃገሩ ነቲ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ገደብ ምንቅስቓስ ካብ ዝመጽእ ሰሙን ጀሚራ በብቁሩብ ከምእተፍኩሶ ገሊጹ።

      እቲ ፕረዚደንት ነዚ ክውስን ዘገደዶ፥ እቲ ደሮ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ቁጠባዊ ጸገማት ከምዝኾነ ገሊጹ።

      እንተኾነ ሰባት ኣበ ገዛ ክጸንሑ ብምምሕጻን፡ ድሕሪ ምልሕላሕ እቲ እገዳ'ውን ህዝባዊ ኣኬባታት ከምዘይፍቀድን፡ ዶባት እታ ሃገር ብዕጽዎም ከምዝጸንሑን እቲ ፕረዚደንት ገሊጹ'ሎ።

      ኣብታ ሃገር ካብ ዝመጽእ ሰሙን ጀሚሮም ገለ ኣብያት ሸቀጥ ከምዝኽፈቱን፡ ካብ ሰራሕተኛታቶም ሓደ መሰለስ ናብ ስራሕ ክምለሱ ምዃኖም'ውን እቲ ፕረዚደንት ገሊጹ።

      ዝተወሰና ኣብያተ ትምህርቲ ክኽፈታን እንተኾነ ኣብ ሓደ ክፍሊ ክህልዉ ዘለዎም ብዝሒ ተማሃሮ ክውሰንን፡ ዝያዳ ተማሃሮ ከይህልዉ ጥቡቕ ምክትታትል ክገብርን፡ ዝያዳ ቁጽሪ ተማሃሮ ሒዘን ዝተረኸባ ኸኣ ብኸቢድ ክቅጽዓ እየን።

      ደቡብ ኣፍሪቃ ክሳብ እዛ ስዓት እዚኣ 3953 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ክህልዉዋ እንከለዉ ካብዞኦም 75 ሞይቶም።

      ድቡብ ኣፍሪቃ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ገድብ ምንቅስቃስ ከተፍክሶ'ያ
    • ካብ ኮሮናቫይረስ ንክትሓዊ ክሳብ ክንደይ ግዜ ክወስደልካ ይኽእል?

      ኮሮናቫይረስ፡ ንክትሓዊ ክሳብ ክንደይ ክወስደልካ ይኽእል?

      ኮቪድ-19 ኣብ መወዳእታ ናይ 2019 ካብ ዝላባዕ ጀሚሩ፡ ንገለ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት፡ ንኽሓውዩ ነዊሕ ክወስደሎም ከም ዝኽእል ድሮ ምልክታት ተራእዩ ኣሎ።

      ናይ ምሕዋይ ግዜ ኣብቲ ፈለማ ዝተሰመዓካ ደረጃ ናይቲ ሕማም'ዩ ዝምርኮስ። ንገሊኦም ሰባት ቀልጢፉ ይገድፎም ንኻልኦት ግን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ጸገማት ከስዕበሎም ይኽእል።

      ዕድመ፡ ጾታን ካልኦት ናይ ጥዕና ጸገማትን ንሕማም ኮቪድ-19 ከጋድዶ ይኽእል።

      ብተወሳኺ፡ ዝግበረልካ ሕክምናዊ ክንክን ብዙሕ እንተኾይኑን፡ ንነዊሕ ግዜ እንተጸኒሑን፡ ክትሓዊ ዝወስደልካ ግዜ ብእኡ መጠን ይናዋሕ።

    • ኣብ ኣሜሪካ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት 50 ሽሕ በጺሑ

      ኣብታ ብኮሮናቫይርስ ብኸቢድ ተሃስያ ዘላ ሃገረ ኣሜሪካ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት 50 ሽሕ በጺሑ።

      ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ'ውን 866 ሽሕ ክበጽሕ እንከሎ ካብዚኦም ትሕቲ 10 ሚእታዊት ጥራይ እዮም ሓውዮም ናብ ገዝኦም ተፋንዮም።።

      ኣብ ዝበዝሓ ክፍለ ግዝኣታት ኣሜሪካ ህዝቢ ካብ ገዛ ከይወጽእ ተነጊርዎ ይርከብ፡ እንተኾነ ብዙሓት ካብዘን ክፍለ ግዝኣታት ቀስ ብቀሰ ንግዳዊ ምንቅስቃሳት ይጅምራ ከምዘለዋ'ዩ ዝግለጽ።

      ኣሜሪካ ብኮሮናቫይረስ ንዝተሃስዩ ውልቀ ትካላትን መርመሪ እዚ ሕማምን ዝውዕል 484 ቢልዮን ዶላር ሰሊዓ ትርከብ፡።

      ኣብታ ሃገር ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ጉዳያት 26.4 ሚልዮን ዜጋታታ ስራሕ ኣልቦ ኮይኖም ከምዘለወ'ዩ ዝግለጽ፥ እዚ ኣሃዝ እዚ ኸኣ 15 ሚእታዊት ናይቲ ክሰርሕ ዝኽእል ኣካል ሕብረትሰብ እታ ሃገር ከምዝውክል ይግመት።

      ኣብ ኣሜሪካ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት 50 ሽሕ በጺሑ
    • መንግስቲ ኣሜሪካ 29 ዜጋታቱ ካብ ኤርትራ ከም ዘውጽአ ገሊጹ

      ኣስመራ

      ኤምባሲ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፡ 29 ዜጋታቱ ናብ ሃገሮም ከምዝመለሶም ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

      እቲ ኤምባሲ፡ ምስ ኤምባሲታት ካልኦት ሃገራት ብምትሕብባር ከምዘካየድዎን ኣብታ ኣየር ዜጋታት ካልኦት ሃገራት'ውን ከምዝነበሩ እኳ እንተገለጸ፡ ክንደይ ሰባትን ደቂ ኣበይ ሃገር ምዃኖም ግን ኣየነጸረን።

      እቲ ኢምባሲ ኣብቲ ኣጋጣሚ ንመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ንመንግስቲ ኤርትራ ንዘርኣይዎ ምትሕብባር ኣመስጊኑ።

      ኣብ ኤርትራ 39 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ክህልዉ እንከለዉ፡ ካብዚኢም እቶም 11 ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም ካብ ሕክምና ከምዝተፋነዉ ይፍለጥ።