ኣብ ኦሮምያን ሶማሊን መጠንቀቕታ ጉዕዞ ዕላዊ ተገይሩ

መንግስታት እንግሊዝን ካናዳን ኣብ ዶብ ኦሮምያን ሶማሊን ክልላላት ብዘሎ ናይ ድንበር ጎንፂ ምኽንያት፥ሓድሽ ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ዕላዊ ገይሮም።
ክልቲኦም ሃገራት ኣብ ናይ ቪዛን ኢሚግራሽንን መረባ ገፆም ዕላዊ ከምዝገበሩዎ፥ ዜጋታቶም ናብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ናብ ክልተአን ክልላት ጉዕዞ ከይገበሩን ንድሕንነቶም ኣድላይ ዝበሃል ኩሉ ጥንቃቔ ክገብሩን ኣታሓሳሲቦም።
ብፍላይ መንግስቲ ካናዳ ከምዝበሎ፥ ኣባላት ፀጥታ ሓይልታት ኢትዮጵኣያ ኣብ ከባቢታት ኦጋዴን ኣብ ልዕሊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ዘካይዱዎ ዘለዉ ወታደራዊ ስጉምቲታትን ኣብ ዶብ ክልቲኦም ክልላት ብዘሎ ጎንፅን ተተሓሒዙ ሓደሓደ ናይ ምጭዋይን ምኸታርን ሓደጋታት ስለዘጋጠመ፥ ዜጋታቱ ናብዚ ኣካባቢ ከይንቀሳቐሱ ኣጠንቂቑ።
ብተመሳሳሊ መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ዘውፀኦ መጠንቀቕታ ጉዕዞ፥ ብፍላይ ኣብ ዙርያታት ሃረርን ባሌን ዘሎ ናይ ፀጥታ ፀገም በምጥቃስ እዩ ዜጋገታቱ ናብዚ ካባቢ ካብ ምንቅስቓስ ከቑጠቡ ዘተሓሳሰበ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብኻሊእ ገፅ ናይ ሃላፊ ቢሮ ኮምኒኬሽን መንግሰቲ ኦሮምያ ኣቶ ኣዲሱ ኣረጋ ኣብ ፌስ ቡክ ገፆም ከምዘስፈሩዎ፥ ኣብ ዶብ ኢትዮጵየዓ ሶማኢን ኦሮምያን ብዝተከሰተ ጎንፂ ካብ 10 ሰባት ንላዕሊ እንትሞቱ ካብ 12 ሰባት ንላዕሊ ጉድኣት በፂሑ።
ብሓፈሻ ብፍላይ መንግስታት ኣሜሪካን፥ እንግሊዝን ካናዳን ኣብ ዶባት ኤርትራ፥ ሰሜን ጎነደር፥ ኣብ ክልል ሲማሊ ኢትዮጵያ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ዶባት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣከባብታት ዝገብሩዎ ምንቅስቓስ ዝለዓለ ጥንቃቔ ንኽገብሩ ይመኽሩ።
ብዙሕ ግዜ መንግስታት መጠንቀቕታ ጉዕዞ ዘውፅኡ ንሃደጋ ዘቃልዕ ብዝተፍላለየ ምኽንያት እንተኻውን ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ከባቢ ጎንፂ እንተሎ፥ ናይ ተፈጥሮ ኮነ ሰበስራሕ ሓደጋን ከምኡ ድማ ናይ ሽበራ ተግባራትን ስጋኣት እንተሎ ምዃኑ ሰብ ሞያታት ይገልፁ።















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
