ፐረዚደንት ኬንያታ ንዝረኸብዎ ዓወት መረፃ ውድቂ ዝገበረ ቤት ፍርዲ ሃገሮም ቅልጡፍ ፅገና ከምዝገብሩሉ ገሊፆም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ቤት ፍርዲ ሃገሮም ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻደ መረፃ ንዝረኸብዎ ዓወት ውድቂ ብምግባሩ፡ ሃገሮም ኣብ ጉዳይ ዳይነት ኣብ ፀገም ምህላዋ ተዛሪቦም።
ኣብ ቴሌቪዥን ሃገሮም ብቐጥታ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ዳግም እንተተመሪፆም ኣብ ቤት ፍርዲ ሃገሮም ምምሕያሽ ከምዝገብሩ ሓቢሮም።
ነዚ ዝበሉ ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ዳግማይ መረፃ ክካየድ ምውሳኑ ስዒቡ እዩ።
ንሕጊ ከምዘኽብሩ ብምሕባር ጎንፂ ከይፍጠር ንዘሎ ስግኣት ኣብ ግምት ብምእታው ህዝቢ ክሃድእ ፀዊዖም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
8 ነሓሰ ዝተኻደ መረፃ ከምቲ ቅድሚኡ ኣብ 2007 ዝተኻድን ቅልውላው ዘስዓበን መረፃ ከይኸውን ተሰጊኡ ኔይሩ እዩ።
ኮሚሽን መረፃ ነቲ ዳግማይ መረፃ መዓልቲ ከነፅር ዘዘኻኸሩ ምኽትል ፕረዚደንት ዊልያም ሮቶ ውድቦም ድልው ምዃኑ ኣፍሊጦም።
መራሒ ተቓዋውድብ ናሳ ራይላ ኦዲንጋ ብወገኖም እቲ እምነት ዘጉደለ ኮምሸን ክትካእ ከምዘለዎ ድልቶም እናገለፁ እዮም።
ሎምዘበን ዝተኻደ መረፃ ከምቲ ናይ 2007 ስግኣት ዘንፀላለዎ ኣይነበረን። ተቓውሞ ኣብ ዝተኻደሎም መዓልታት ብውሑድ 28 ሰባት እዮም ህይወቶም ስኢኖም።
ኮሚሽን መረፃ ኬንያ ዓወት ኡሁሩ ኬንያታ ብ1.4 ሚልዮን ድምፂ ዓብላልነት ዝተረጋገፀ ምንባሩ ብምግላፅ እዩ ውፅኢት ዕላዊ ገይሩ። ኮይኑ ግን ብራይላ ኦዲንጋ ልዑል ተቓውሞ ዘጋጠሞ ውፅኢት ናብ ቤት ፍርዲ እዩ ኣምሪሑ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ነቲ ክሲታት ከድምፁ ዝቐነዩ ዳያኑ ድማ ዝሓለፈ ዓርቢ ንመረፃ ውፅኢት ውድቂ ዝገበረ ብይኖም ኣስሚዖም።
እቲ ውሳነ ንውድብ ፕረዚደንት ኬንያታ ኮነ ነዝነበረ ወፍሪ ተሓታቲ ዝገበረሉ ውሳነ ኣይገለፀን።
72 ዓመት ዝዕድሚኦም ኦዲንጋ "ታሪኻዊ መዓልቲ፡ ንኬንያውያን ስዒቡ ድማ ንህዝቢታት ኣፍሪካ" ክብሉ ንውሳነ ቤት ፍርዲ ገሊፆምዎ።
ኣብ ዝተኻደ መረፃ ዝተርኣየ ከቢድ ምትላል ኣይነበረን ዝበሉ ልኡኻት ሕብረት ኣውሮፓ፥ ሕብረት ኣፍሪካን ኣሜሪካን መራሒ ውድብ ናሳ ኦዲንጋ ነቲ ውፅኢት ክቕበሉ ሓቲቶም ነይሮም እዮም።






















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
