ስእልታት ኣፍሪቃ ኣብዚ ሰሙን፡ 8 - 14 መስከረም 2017

Published

ዝንቕ ሕሩያት ምስልታት ኣፍሪቃን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣፍሪቃውያንን፡ ኣብዚ ሰሙን።

ቀሺ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቅድስቲ ማርያም ዉቕሮ (ትግራይ) ነጋሪት ዝወቕዑ ቀሺ፥
ሸያጢ ከዳን፥
መግለጺ ስእሊ, ረቡዕ፥ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይጀርያ (ላጎስ) ኣብ ርእሱ ተሸኪሙ እናዘወረ ክዳን ዝሸይጥ መንእሰይ።
ታክሲ ውሽጢ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ኮንጎ ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ (ኪንሻባ) ኣብ ውሽጢ ታክሲ ጠጠው ኢሉ ካብ ስርሑ ናብ ገዝኡ ዝመላለስ መንእሰይ።
ተመሃሪት
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሃደ ገጠር ሰሜን ምብራቕ ናይጀርያ ካብ ቤት ትመህርታ ብብሽክለታ እትመላለስ ተመሃሪት
ሮብርት ሙጋቤ
መግለጺ ስእሊ, ፕሬዚደንት ዙምባብወ ሮበርት ሙጋቤ፡ ፓርላማ ሃገሮም ብዕሊ ንምኽፋት ዘይተለምደ ዓይነት መጓዓዝያ ተጠቒሞም ንርእሰ ከተመኦም ንሃረሬ እንተምርሑ።
ሮብርት ሙጋቤ
መግለጺ ስእሊ, ዓጀብቲ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋቤ ብኸምዚ ተፀቢዮምዎም።
ተፃዋታይ ኩዕሶ እግሪ ጀርመን
መግለጺ ስእሊ, ዓርቢ፥ ክለብ ኩዕሲ እግሪ ጀርመን (RB Leipzig) ተኸላካሊ ማእከል ተወላዲ ጊኒ ናቢ ከይታ፥ ኣብ ፀዋታ ቀዳማይ ዲቪዠን ጀርመን ምስ ሃምበርግ ጎል ምስ አእተወ ታሕጓሱ እንትገልፅ።
ጆርዳን ኢኮኮ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ተኸላኻላይ ኩዕሶ እግሪ ፈረንሳይ ጆርዳን ኢኮኮ ካብ ተናሓናሒኡ ኔዘርላንድ ኬኒ ቴተ እንተምልጥ።
ተነሓናሒ ውድብ ሞኖሮቭያ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳመ ሰንበት፥ ኣባላት ተናሓናሒ ውድብ ኣብ ርእሰ ከተማ ላይበርያ (ሞኖሮቭያ) ፖሊቲካዊ ጎስጓስ ብዕሊ እንትጅምሩ ብሓምለዋይን ብፃዕዳን ደሚቆም ውዒሎም።
ማላዊ ካርኒቫል
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዓለምለኸ ፈስቲቫል ማላዊ ብባህላዊ ሳዕሳዒት ዚምባብወ ኣዚዩ ዝተደነቐ ቆልዓ።
ማላዊ ካርኒቫል
መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ተመሳሳሊ መድረኽ ፌስቲቫል፡ ሓደ ምስ ጉጅለ ባህሊ ሃረሬ ዝመጽአ ኣብ ተዓደምቲ ድሙቕ ኣቀባብላ ኪግበረሉ።
በዓል ሞያ መግቢ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ መወዳእታ፥ በዓል ሞያ ምግቢ ጉጅለ ኣቢጃን ንተኻፈልቲ እቲ ፌስቲቫል ስጋ ጠቢሱ ክዕንግል ተዳልዩ እንትፅበ።