ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየዱ ግጥማት ጋረዝ ክሩክስ ዝሓረዮም ተፃወቲ ፕሪምየርሊግ

ብልፅቲ ጋንታ'ዚ ሰሙን
መግለጺ ስእሊ, ጋርዝ ብሩክስ ዝሃነፃ ሰሙናዊት ብልፅቲ ጋንታ
Published

ኣብ ጋንታታት ቶተንሃምን ማንቸስተር ዩናይትድን ከም ኣጥቃዓይ ዝጻወት ዝነበረ ጋርት ክሩክስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንዝተኻየዱ ግጥማት ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ መሰረት ብምግባር ብሉፃት ዝበሎም ተፃወቲ ሓርዩ'ሎ።

ማንቸስተር ሲቲ፡ ብሮይ ሃድሰን ንእትምራሕ ጋንታ ክሪስታል ፓላስ ብሰፊሕ ኣፈላላይ ምስዓራ ስዒቡ ብዝሒ ተፃወቲ እተመረፁላ ጋንታ ኮይናላ።

ዛጊድ ኣብ ዝተኻየዱ ሽድሽተ ፀዋታታት 16 ነጥቢ ክተዋህልል ዝኸኣለት ማንቸስተር ዩናይድት፡ ተፈቲና 1 ን 0 ምዕዋታ ኣብቶም ብሉፃት ተፃወትታ ክተሕርይ ኪኢላ ኣላ።

ቸልሲ ብኣልቫሮ ሞራታ ዝተቖጽራ ሰለስተ ሸቶታት ሓዊሱ፡ ኣብ ልዕሊ ስቶክ ብዘመዝገበቶ ዓወት 4 ን 0፣ ሊቨርፑል ብወገና ኣብ ልዕሊ ሌስተር ሲቲ ብዝረኸበቶ ፀቢብ ዓወት 3 ን 2 ተፃወቲ ኣምሪፀን ኣለዋ።

ኤቨርተን ኣብ ልዕሊ በርንማውዝ 2 ን 1 ዓወት ረኺባ። ዋትፎርድ ንስዋንሲ 2 ን 1 ስዒራ። ንኒውካስል ዘአንገደት ብራይተን 1 ን 0 ሰንያታ።

ብጋርት ክሩክ ናብ ዝተሃነፀት ሕርይቲ ጋንታ'ዚ ሰሙን ክንሰግር።

ሓላዊ ማዕፆ - ሳይመን ሚግኖልት (ሊቨርፑል)

ሳይመን ሚግኖልት
መግለጺ ስእሊ, ናብ ሊቨርፑል ካብ ዝፅምበር ናብዚ ካብ 15 ፍፁም ቅላዓት ነተን ሸውዓተ ኣድሒኑ

ኣብ 2013/14 ናብ ሊቨርፑል ካብ ዝፅምበር ናብዚ ካብ 15 ፍፁም ቅላዓት ነተን 7 ኣድሒኑ እዩ። እዚ ድማ ካልእ ሓላው ማዕፆ ኣይገበሮን።

ኣሰልጣኒ'ታ ጋንታ ጀርገን ክሎፕ ካብ ውፅኢት ብምሓዝ ይዕወቱ ዘለው እውን ከምኡ ዝበሉ ተፃዋቲ ብምሓዞም ከይኮነ ኣይተርፍን።

ሚግኖለት ዘተኣናገደን ክልተ ሸቶታት እንተኾን'ውን ኣብ ክፍሊ ምክልኻል ብዝተፈጠረ ክፍተት እዩ።

ጋንትኡ ተዓዊታ ክትወፀእ ዘኽኣለት ፍፁም ቅላዕ ድማ ከድሕን ኪኢሉ። ብሓቂ ግን ሊቨርፑል ኣብቲ ፀወታ ተዓዊታ ክትወፅእ'ዶ ምተገብኣ? ምናልባት ኣይምተገብኣን - ጉዳይ ፍትሒ'ሞ ኣብዚ እንታይ ክዓብስ?

ተኸላኻሊ - ሴዛር ኣዝፕሊክየታ (ቸልሲ)

ኣዝፕሊክየታ ኣብዚ ዓመት ኣብ ፕሪምየርሊግ፤ ንካልኦት ተፃወቲ ብሉፃት ኩዓሳሱ ብምቅባል ኣብ ምምራሕ ዝርከብ ተኸላኻሊ እዩ።

ዕውታት ኩዓሳሱ ኣስጊሩ ንኣባላት ጋንትኡ ምሃቡ ቀፂሉ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝነበረ ፀዋታ ንኣቫሮ ሞራታ ዘቐበሎ ኩዕሶ እታ ብልፅቲ ኢለያ ኣለኹ።

ንምክላኻል ስቶክ ሲቲ ናብ ክልተ ገሚዑ ንሞራታ ኣሕሊፉ ዝሃቦ ኩዕሶ ሸቶ ኮይና እያ። ካልአይቲ ንፅርቲ ኩዕሶ'ውን ንሞራታ ደጊሙ ሂብዎ።

ተኸላኻሊ - ፊል ጆንስ (ማንቸስተር ዩናይትድ)

ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጥማት ፕሪምየርሊግ ሓላፍነቱ ብብቕዓት ይፍጽም ኣሎ። ክፍሊ ምክልኻል ጋንታ ዩናይትድ ብኡኡ ዝተመርሐ እዩ። እታ ጋንታ ነዚ ፅዋዕ ክትዓትር እንተኾይና ንብቑዕ ቅዋም ጆንስ ክትስእኖ የብላን።

ተኸላኻሊ- ኣድሪያን ማሪያፓ (ዋትፎርድ)

ኣድሪያን ማሪያፓ
መግለጺ ስእሊ, ኣብዚ ዓመት ካብ ዝተሰለፈሎም ሰለስተ ፀዋታታት ፕሪምየርሊግ ኣብ ክልተ ዓወት ረኺቡ

እዚ ተፃዋቲ'ዚ፡ ኣብዚ ዓመት ምስ ጋንትኡ ካብ ዝተሰለፈሎም ሰለስተ ፀዋታታት ኣብ ክልትኤን ዓወት ተጎናጺፉ። ዝሓለፈ ዓመት ግን ካብ ሸውዓተ ፀዋታታት እዩ ክልተ ዓወታት ረኺቡ። ሓደ ንሓደ ማዕረ ብዝኾነ ውፅኢት ይቅፅል ኣብ ዘሎ ፀዋታ፡ ብወገን ስዋንዚ ተሰራዕ ብወገን ዋርፎርድ ብዘየገድስ ብስግኣት ምሽማም ኣይተርፍን።

ኣድሪያን ግን ነዚ ዝተፃወረ ተፃዋታይ እዩ ነይሩ። ንቶሚ ኣብርሃም ምዕፃዉ ምኽንያት ዓወት ጋንትኡ ኮይኑ።

ማእከል - ሊሮይ ሳኔ (ማንቸስተር ሲቲ)

ሊሮይ ሳኔ ኣብዚ ዓመት ንጋንትኡ ኣብ ዝተሰለፈሎም ግጥማት ካብ ሸውዓተ ቅላዓት ነተን ሓሙሸተ ናብ ሸቶ ቀይሩ።

ንጋንትኡ ኣቐዲሙ ሸቶ ዘመዝገበ ንሱ እዩ። ክልተ ዕውታት ኩዓሳሱ እውን ኣሕሊፉ ሂቡ።

ማእከል - ክሪስቲያን ኤሪክሰን (ቶተንሃም)

ኤሪክሰን ኣብ ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ ካብ ዝፃወቱ ደቂ ሃገሩ፡ ዛጊድ ዝለዓለ ሸቶ ዘመዝገበ ዴንማርካዊ እዩ። 33 ሸቶታት ኣቁፂሩሎ። ንጋንትኡ ወሳናይ ተፃዋቲ እዩ። ምስ ተፃዋትቲ ሊቨርፑል - ፊሊፕ ኮቲንዮ ይመሳሰሉ። ንጋንትኦም ወሰንቲ ተፃወቲ እዮም። ካብ ርሑቕ ኮነ ቀረባ ዝሰገራሎም ኩዓሳሱ ብጥንቃቐ የስተብህሉ፡ ናብ ሸቶ ድማ ይቕይሩወን። ኣብ ልዕሊ ዌስትሃም ዘመዝገባ ሸቶ ኣዝያ ከባድ ነይራ።

ማእከል - ፊሊፕ ኮቲንዮ (ሊቨርፑል)

ፊሊፕ ኮቲንዮ
መግለጺ ስእሊ, ፊሊፕ ኮቲንዮ ካብ መስመር ሓላዊ ማዕፆ ዝረሓቃ ኩዓሳሱ ወቂዑ ናብ ሸቶ ብምቅያር ኣፍልጦ እናረከበ እዩ

ፊሊፕ ኮቲንዮ፡ ኣብ ግጥማት ፕሪምየርሊግ ካብ ስግር መስመር ሓለዊ ማዕፆ ኩዕሶ ወቒዑ ክንድኡ ዝኣክል ሸቶ ዘመዝገበ ተፃዋቲ የለን። 16 ሸቶታት ድማ በዚ መንገዲ ኣቁፂሩ።

መሓመድ ሳላ ንጋንትኡ ዘመዝገባ ፈላመይቲ ሸቶ ኣዝዩ ዕውት ብዝኾነ መንገዲ ክትሰግረሉ ብምኸኣላ ነይሩ። ሌስተር ብዝሓሸ ናብ ፀዋታ ክትምለስ እንተፈተነት'ኳ ክሰምረላ ግን ኣይከኣለን፡ እቲ ብራዚላዊ ተፃዋቲ ንሊቨርፑል ዘሕበነት ሸቶ ደጊሙ።

ማእከል - ኬቪን ዴ ብረየን (ማንቸስተር ሲቲ)

ኣብ 2015 ናብታ ጋንታ ካብ ዝፅምበር ናብዚ ክንደኡ ዝኣክል ንተፃወቲ ውፅኢታዊ ሓገዝ (ኣሲስት) ዝገበረ ተፃዋቲ የለን። 30 ናብ ሸቶ ዝተቐየራ ኩዓሳሱ ሓገዝ ገይሩ።

ኣብ ፀዋታታት ስሙ ከየልዓልካ ምሕላፍ ከቢድ እዩ። ንሸቶታትን ሓገዛትን ያያ ቱሬ ዝትክእ ተፃዋቲ ምርካብ ንጋንታ ሲቲ ፈተና ነይሩ። ኮይኑ ግን ዴ ብረየን ነቲ ክፍተት ዝመልእ ተፃዋቲ ኮይኑ።

እዚ ቤልጄማዊ ተፃዋቲ ንሰርጂዮ ኣጉየሮ ኣሕሊፉ ዝሃቦ ኩዕሶ ኣዝያ እትስሕብ ነይራ

ኣጥቃዒ - ኦማር ኒያሴ (ኤቨርተን)

ኦማር ኒያሴ
መግለጺ ስእሊ, ኦማር ኒያሴ ኣብ ተከታተልቲ ፀዋታታት ፕሪምየር ሊግ ተከታተልቲ ሸቶታት የመዝግብ ኣሎ።

ኦማር ኒያሴ ኣብ ዝተሰለፈሎም ፀዋታታት ብተኸታታሊ ሸቶታት የመዝግብ። በዚ ውፅኢታውነቱ ይልለ።

ኤቨርተን፡ ንሮሜሉ ሉካኩ ዝትክእ ተፃዋቲ ንምርካብ ኣብ ተፀገመትሉ እዋን ንዕኡ ረኺባ። ንሃል ሲቲ እንትፃወት ይፈልጦ ነይረ፡ ሕዚ ግን ብሓቂ ዝተፈለየ ተፃዋቲ እዩ። ብቑዕን ኣብ መይዳ ከም ልቡ ዝነቀሳቀስን እዩ።

ኣጥቃዒ - ኣልቫሮ ሞራታ (ቸልሲ)

ንጋንታ ቸልሲ ኣብ ፈለማ ሽዱሽተ ፀዋታታት ክንዲ ኣልቫሮ ሞራታ ዝኣክል ሸቶታት ዘመዝገበላ ተፃዋቲ የለን። (ሸሞንተ፡ ሽዱሽተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ፥ ክልተ ድማ ንሸቶ ዝኾና ኮዓሳሱ ኣቐቢሉ)

ዲያጎ ኮስታ ካብ ቸልሲ ወፂኡ ኣብ ኣትሊኮ ማድሪድ ይርከብ። ኣብ ከክንድኡ ድማ ካልእ ብሉፅ ኣጥቃዓይ ረኺባላ።

ቸልሲ ኣንፃር ስቶክ ኣብ ዝነበራ ግጥም፡ ኣልቫሮ ዝገበሮ ምንቅስቃስ ፍሉይ ቅድን ሰሓባይን ነይሩ።

ኣጥቃዒ - ሃሪ ኬን (ቶተንሃም)

ኣብ ግጥማት ደርቢ ለንደን (ኣብ ሞንጎ ኣብ ሓንቲ ከተማ ዝርከባ ጋንታታት ይኹን ክልተ ታሪኻዊ መወዳድርቲ ጋንታታት ዝካየድ ፀዋታ 'ደርቢ' ይበሃል) ክንድ ኬን ዝኣክል ሽቶ ዘመዝገበ የለን። ልዕሊ 10 ሸቶታት እንትህልዎ፡ ኣብ 29 ፀዋታታት ድማ 21 ሸቶታት ኣመዝጊቡ።

ካብ ዴሊ ኣሊ ፅብቕቲ ኩዕሶ መፅያቶ ብርእሱ ወቒዑ ፅብቕቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ። ኣብቲ ፀዋታ ከኣ ዝነኣድ ቅዋም ነይርዎ።