ቢቢሲ፡ ካብ ኮርያ ሓድሽ ኣገልግሎት ዜና ጀሚሩ

ገለ መንበሪ ህንፃታት ዘርኢ ምስሊን ብሰማይ ዝተስኣለ ምስሊ ፒዮንግያንግን - 22 መስከረም 2017
መግለጺ ስእሊ, ከተማ ፒዮንግያንግ - እቲ ሓድሽ ግልጋሎት ዜና ብቕንዱ ንሰሜን ኮርያ ዝዓለመ እዩ።
Published

ቢቢሲ መቐፀልታ ናይቲ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝኸፍቶ ዘሎ ፈነወ ኣገልግሎት ዜና፡ ኣብ ኮርያ'ውን ሎሚ ብዕሊ ኣገልግሎት ጀሚሩ።

ሎሚ ሰሉስ ፈነውኡ ዝጀመረ ሓድሽ ኣገልግሎት ቢቢሲ፥ ዜናታት፣ ስፖርት፣ ቢዝነስን ባህልን ዝድህስሱ ትሕዝቶታት ከቕርብ እዩ።

ቀንዲ ትኹረት እቲ ፈነወ ከኣ ብሰንኪ'ቲ መንግስቲ ዘካይዶ ጽኑዕ ምምያ፡ ውልቀ ምንጪታት ዜና ክረክብ ዘይከኣለ ህዝቢ ሰሜን ኮርያ፡

ኮርያ ሓንቲ ካብ ሞንጎ መንግስቲ እንግሊዝ ብዝሰልዖ 400 ሚልዮን ዶላር ካብ ሞንጎ ይጣየሹ ዘለው 12 ሓደሽቲ ቋንቋታት ፈነወ ክትኸውን ኪኢላ ኣላ።

ዳይሬክትር ቢቢሲ ወርልድ ሰርቪስ ፍራንሴንሳ ኣንስወርዝ ከምዝበልኦ "ቢቢሲ ብብርኪ ዓለም ዝግለፀሉ ፍትሓውነትን ዘይወገናውነትን ከቐፅል እዩ" ኢለን።

ጋዜጠኛታት እቲ ኣገልግሎት ንከተማታት ሶል፣ ለንደንን ዋሽንግተንን ማእከሎም ዝገብሩ እንትኾኑ፡ ብብርኪ ዓለም እውን ወኪላት ክህልዉ እዮም።

ቢቢሲ ዝኸፈቶም 12 ሓደሽቲ ቋንቋታት፡ ንትግርኛ፣ ኣፋን ኦሮሞን ኣምሓርኛን ይሓውሱ።

ዋሕዚ ትራፊክ ኣብ ከተማ ሰኦል
መግለጺ ስእሊ, ... ገለ ካብ ኣባላት ቢቢሲማእከሎም ሰኦል ሰሜን ኮርያ ክገብሩ እዮም