ኣብ ግምታት ወፅኢት እዚ ሰሙን፡ ማርክ ላውረንስ ምስ ተፃዋቲ ጊታር ጉጅለ ሙዚቃ ፉ ፋይተር ተነሓኒሑ'ሎ

ማርክ ላውረንሰን
መግለጺ ስእሊ, ማርክ ላውረንሰን ቅድመ ግምታት ፀዋታታት ፕሪምየር ሊግ ብምሃብ ይፍለጥ
Published

ኪኢላ ትንታነ ስፖርት ቢቢሲ ማርክ ላውረንስ ምስ ጋንታ ሊቨርፑል ልዕሊ 200 ፀዋታታት ተሰሊፉ ተፃዊቱ። ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝካየዱ ፀዋታታት ግምት ውፅኢታት ኣሚቱ'ሎ።

ኣብ ቅድሚት ይመርሓ ካብ ዘለዋ ጋንታታት ክልቲኤን ቀዳም ክራኸባ እየን። ቸልሲ ኣብዚ ዓመት ስዕረት ንዘይገጠማ ማን ሲቲ ክተታኣናግድ እያ።

ማርክ ላውረንስ ጋንታ ማን ሲቲ ካብ ስታምፎርድ ብሪጅ (ሜዳ ቸልሲ) ጥራሕ ኢዳ ኣይክትወፅእን ይብል።

"ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፅዋዕ እንትትዓትር ንሲቲ ኣብ ሜድኣን ካብ ሜድኣ ወፃእን አእንጊዳ ስዒራታ እያ። ኮይኑ ግን "ሽዑ ቸልሲ ነተን ሽድሽተ ነጥቢታት እንትረኽቡ ዕድለኛታት ነይሮም ኢለ ይኣምን። ኣብዚ ዓመት ግን ከምኡ ኣይክኸውንን" ይብል።

ብግምታቱ ትሰማምዑ'ዶ?

ኣብ ናይ ሎሚ ሰሙን ብግምት ውፅኢት ምስ ላውሮ ዝነሓናሕ ክሪስ ሺፍሌት ይበሃል። ኣባል ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ጉጅለ ሙዚቃ ሮክ እንትኸውን ንጋንታ ኣርሰናል ይድግፍ።

ግምታት ላውረንስ

ቀዳም

ሃደርስፊልድ - ቶተንሃም

ሃደርስፊልድ - ቶተንሃም

ሃደርስፊልድ ዛጊድ ኣብ ሜድኦም ስዕረት ኣየጋጠሞምን። እዚ ኩነታት ግን ነዊሕ ክቕፅል'ዩ ኣይብልን።

ቶተንሃም ብወገና ካብ ዝሓለፈ ብዝሓሸ ጥንክር ዝበለት ትመስል። ሰለስተ ነጥቢ ሒዛ ትምለስ ኢለ ድማ ይሓስብ።

ግምት ላውረንስ፡ 0-2

ግምት ሺፍሌት፡ 0-2

በርንማውዝ - ሌስተር

በርንማውዝ - ሌችስተር

ቫርዲ ካብ ሌሰተር ብምውፃእ ደሓን ክፃወቱ ይኽእሉ፤ ክፍሊ ምክልኻሎም ድማ ብቐሊሉ ዝድፈር እዩ።

ብርግፅ በረንማውዝ እውን ብተመሳሳሊ'ያ ትግለፅ ኮይኑ ግን ኣብ ሜድኣ ብዓወት ከም እትዛዝም ይሓስብ።

ግምት ላውረንስ፡ 2-1

ግምት ሺፍሌት፡ 3-1

ማንቸስተር ዩናይትድ - ክሪሰታል ፓላስ

ማንቸስተር ዩናይትድ - ክሪሰታል ፓላስ

ክሪስታል ፓላስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ሲቲ ኣብ ዝነበራ ፀዋታ ን44 ደቓይቕ ፅቡቕ ነይራ።

ሽዑ ዝገጠሞም ከቢድ ስዕረት ሕዚ'ውን ክድገም ይኽእል እዩ።

ማንቸስተር ዩናይድት ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ትርከብ፤ ብፋለይ ሩሜሉ ሉካኩ ሃዳኒ ሸቶታት ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ።

ግምት ላውረንስ፡ 3-0

ግምት ሺፍሌት፡ 4-0

ስቶክ - ሳውዝኣምፕተን

ስቶክ - ሳውዝኣምፕተን

ስቶክ ኣብዚ ዓመት'ዚ ክልተ ኣዝዮም ፅቡቓት ዓወታት ረኺባ ነይራ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን ብቸልሲ ከቢድ ስዕረት ከጋጥማ ኪኢሉ።

ተፃወቲ ሳውዝኣምፕተን ድማ ምስ ዩናይትድ ኣብ ዝነበሮም ግጥም ፅቡቕ ተፃዊቶም። ግን ድማ፡ ዝሓሸ ግምተይ ምዕባለታት ተርኢ ናብ ዘላ ስቶክ ይዛዙ።

ግምት ላውረንስ፡ 2-1

ግምት ሺፍሌት፡ ስቶክ ኣብ ሜድኦም ፅቡቕ ዝነጥፉ ይመስለኒ 2-1

ዌስትብሮም - ዋትፎርድ

ዌስትብሮም - ዋትፎርድ

ዌስትብሮም ብዙሕ ሸቶ ኣየቑፀረትን።

ዋትፎርድ ብወገና ካብ ሜድኣ ወፃኢ ሰለስተ ዓወታት ረኺባ'ያ። እዚ ድማ ዘገረመኒ እዩ።

እዚ ፀዋታ ግን ዌስትብሮም ካብ ሜድኣ ወፃኢ ዓወት እተመዝግበሉ ከምዝኸውን እሓስብ።

ግምት ላውረንስ፡ 1-0

ግምት ሺፍሌት፡ 0-0

ዌስትሃም - ስዋንዚ

ዌስትሃም - ሰዋንሲ

ዌስትሃም ካብ ድኹም ኣጀማምርኦም ምምሕያሻት የርእዩ ኣለው።

ብዛዕባ እታ ቁልቁል ትወረድ ዘላ ስዋንዚ እዩ ዘተሓሳስበኒ።

ግምት ላውረንስ፡ 2-0

ግምት ሺፍሌት፡ ዌስትሃም ፅቡቕ የለውን፤ ስዋንዚ'ውን ከምኡ 0-0

ቸልሲ - ማን ሲቲ

ቸልሲ - ማን ሲቲ

ቸልሲ ብብዝሒ ዝተቖፀሩ ሸቶታት ናብ ማንቸስተር ሲቲ ኣይትፅጋዕን። ኣብ ፈላማይ ፀወታ'ዚ ዓመት ንበርንለይ እንትትገጥም ድማ ብስዕረት እያ ጀሚራቶ።

ካብ ብድሕሪኡ እናተፈተነት ትርከብ። ኣጥቃዓይ እታ ጋንታ ኣልቫሮ ሞራታ እንተኾነ'ውን ከም በዓል ሉካኩን ሃሪ ኬንን ክኹላዕ ኣይከኣለን። ሸቶታት ግን እናቑፀረ እዩ።

ክልቲኤን ጋንታታት ፅቡቓት መግለፂታት ስለዘለውወን ተቐራራቢ ውፅኢት ክህሉ ይግምት።

ግምት ላውረንስ፡ 1-1

ግምት ሺፍሌት፡ ማንቸስተር ሲቲ ሒዛቶ ብዘላ መንገዲ እንትግምግማ ብሰፊሕ ኣፈላላይ ትዕወት ይመስለኒ 2-5

ሰንበት

ኣርሰናል - ብራይተን

ኣርሰናል - ብራይተን

ብራይተን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኒውካስል ምስዓሮም ግቡእ ነይሩ። ኣብ ሜዳ ኤመረትስ ነዚ ዓወት ምድጋም ግን ዝኸበደ እዩ ክኸውን።

ጋንታታት ንኣርሰናል ኣብ ሜድኣ እንትገጥማ ነቀይ ነቀይ ምባለን ልሙድ ስለዝኾነ ብራይተን ክትዕወት ይኸብዳ።

ግምት ላውረንስ፡ 2-0

ግምት ሺፍሌት፡ ኣርሰናል ናብ ሚልዮናት ክትሸራርፋ እያ 5-0

ኤቨርተን - በርንለይ

ኤቨርተን - በርንለይ

ኣሰልጣኒ ኤቨርተን ሮናልድ ኮማን ኣብ ቅድሚት ንመን ከምዘምፅኡ ክርኢ ይደሊ። ምኽንያቱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብክልተ ሸቶታት ካብ ስዕረት ዘድሐኖም ኦማር ኒያሰ ምንቅቓሕ ከድልዮ እዮ።

በርንለይ ክሳብ ሕዚ ስዕረት ኣይገጠሞምን፡ ሕዚ ግን ዝኽእሉ ኣይመስለንን።

ግምት ላውረንስ፡ 2-1

ግምት ሺፍሌት፡ ክዕወቱ ስለዝግብኦም ንኤቨርተን ይውግን 2-0

ኒውካስል - ሊቨርፑል

ኒውካስል - ሊቨርፑል

ኒውካስል ኣብ ፕሪሜየርሊግ ንምፅናሕ ብዙሕ ፃዕሪ የድልዮም።

ዝተረኸባ ምችዋት ቅላዓት ኣብ ምጥቃም ብቕዓት እንትህልዎም ሊቨርፑል ድማ ነቶም ቅላዓት ኣብ ምክልኻል ይደኽሙ። ሕዚ ግን ሊቨርፑል ነዚ ተዳልዮም ዝመፁ ይመስለኒ።

ኣሰልጣኒ ኒውካስል ራፋ ቤኒቴዝ ውፅኢት ክረክብ እዩ እንተይልኩም ደሓር ከይትሓፍሩ፥ ሰለስቲኡ ነጥቢ ሊቨርፑል ስለትወስዶ።

ግምት ላውረንስ፡ 0-2

ግምት ሺፍሌት፡ 2-3