መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ቅልውላው ካታላን ጣልቃ ከምዘይኣቱዎ ገሊጾም

ምንጪ ስእሊ, EPA
Published
ፕረዚደንት ቤት-ምኽሪ ሕብረት ኣውሮጳ ዶናልድ ቱስክ፡ ኣብ ካታሎንያ ዘሎ ቆላሕታ ዘድልዮ ቅልውላው ንምፍታሕ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ዝወሰዶ ስጉምቲ ከምዘየለ ኣፍሊጦም።
"ኣብ ሞንጎ ኣቲና እነደራድረሉን ናብ ተግባር እንኣትወሉን ዕድል የለን" ኢሎም።
ዶናልድ ቱስክ ነዚ ዝገለፁ፡ ምስ ፕረዚደንት ሕብረት ኣውሮጳ ጂያን-ክላውድ ጃንከር ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ 21 መስከረም ዝተኻየደ ህዝበ ውሳነ፡ ካታላናውያን ካብ ስፐይን ክግንፀሉ ድምፆም ዋላ እኳ እንተሃቡ፡ መንግስቲ ስፐይን ግን፡ ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝተኻየደ ህዝበ ውሳነ ብምባል ውድቂ ድሕሪ ምግባሩ ብርክት ዝበሉ ሰልፍታት ተቓውሞ ተኻይዶም እዮም።
እዚ መደረ ቱስክ ዝተገለፀ፡ መንግስቲ ስፐይን፡ ህዝበ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ዘካየዱ ግዝኣታት ካታሎንያ፡ ቀጥታዊ ምሕደራ ከምዘተግብር ድህሪ ምግላፁ እዩ።
"ብርግፀኝነት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ስፐይን ማሪያኖ ራጆይ ብቐፃልነት እናተዘራረብና ኢና። ኣብ ስፐይን ዘሎ ቅልውላው ዝሕባእ እኳ እንተዘይኮነ፡ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብዚ ጉዳይ ዘለዎ መርገፂ ግን ግልፂ እዩ" ኢሎም።















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
