ሊቨርፑልን ቶተንሃምን ኣብዚ ሰሙን ክራኸባ እየን። ነቲ ፀዋታ መን ብዓወት ትዛዝሞ ትብሉ?

ማርክ ላውረንሰን
Published

ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል የርገን ክሎፕ፡ ብ2015 ናብታ ጋንታ ካብ ዝመፅእ ጀሚሩ፡ ምስ ቶተንሃም ኣብ ዝገበሮም ሓሙሽተ ግጥማት ስዕረት ኣጓኒፍዎ ኣይፈልጥን። እዚ ዓብዪ ክብሩ ግን ናብ ስታድየም ዌምብለይ ከይዱ ክዕቅቦ'ዶ ይኸውን?

እዚ ግጥም'ዚ ኣብ መዛዘሚ እዚ ሰሙን ካብ ሞንጎ ዝግበሩ ፀዋታታት ሓደ እዩ።

ዓርቢ

ዌስትሃም - ብራይተን

ዌስት ሃም - ብራይተን

ዌሰት ሃም ኣብ ፅቡቕ ከይዲ ዘለው ኣይመስሉን። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እውን ንኣንዲ ካሮል ብቀይሕ ካርዲ ምስኣኖም ዋጋ ኣኽፊልዎም'ዩ።

ብራይተን እውን ብተመሳሳሊ ጉዳይ ኣብ ፀገም ይርከቡ። ንዌስት ሃም ከምዝፍትንዎም ድማ እምነት ኣለኒ። ኮይኑ ግን ዌስት ሃም ከም እትዕወት እግምት።

ግምት ላውረንሰን፡ 2-0

ቀዳም

ቸልሲ - ዋትፎርድ

ቸልሲ - ዋትፎርድ

ቸልሲ ኣብ ዝሓለሰ ሰሙን ብክሪስታል ፓላስ ዘጋጠሞም ስዕረት ቁሩብ ኣታሓሳሲቡኒ'ሎ። ስዕረቶም ከም ኣጋጣሚ ዝተፈጠረ እዩ ዝብል እምነት የብለይን።

ዋትፎርድ ድማ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት እትርከብ ጋንታ እያ። ብፍላይ ካብ ሜድኦም ወፃኢ ዝነኣድ ፀዋታ ይፃወቱ። ካብ ኣርባዕተ ግጥማት ሰለስተ እንትዕወቱ ኣብ ሓደ ማዕረ ተፈላልዮም።

ግምት ላውረንሰን፡ 2-0

ሀደርስፊልድ - ማን ዩናይትድ

ሀደርስፊልድ - ማን ዩናይትድ

ሃደርስፊልድ ዓወት ዘይኮነስ ሸቶ ምቑፃር እዩ ዘድልዮም። ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሽድሽተ ፀዋታታት ሓንቲ ሸቶ ጥራሕ'ዮም ኣቑፂሮም።

ብዝሒ ሸቶታት ግን ኣብ ምትእንጋድ ይርከቡ፥

ግምተይ፡ ካብ ሜድኣ ወፃኢ እትፃወት ዩናይትድ ከምእትስዕር እዩ። እቲ ሕቶ ግን ዓወት ንከመዝግቡ ጋንታ ሃደርስፊልድ ክሳብ ክንደይ ፈተና ከምእትኾኖም እዩ።

ግምት ላውረንሰን፡ 0-2

ማን ሲቲ - በርንለይ

ማን ሲቲ - በርንለይ

በርንለይ ኣብዚ ዓመት ፅቡቕ እናኸዱ እዮም። ደገፍቶም እውን ኣብ ዘይፅበይዎ ሻብዓይ ደረጃ ተሰሪዖም ይርከቡ።

ምስ ዓበይቲ ጋንታታት ኣብ ዝገብርዎም ፀዋታታት ድማ ዝሓሸ ከርእዩ ኪኢሎም እዮም።

ኮይኑ ግን ማንቸስተር ሲቲ ይፃወቱሉ ብዘለው ብቕዓት ዝኸብዶም ይመስለኒ።

ግምት ላውረንሰን፡ 3-0

ኒውካስል - ክሪስታል ፓላስ

ኒውካስል - ክሪስታል ፓላስ

ፓላስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቸልሲ ብምስዓሮም ኣብ ደሓን ኩነታት ይርከቡ። ዝረኸብዎ ውፅኢት ፍረ ኣሰልጣኒ ሮይ ሃድሰን ምዃኑ ምግንዛብ ይከኣል።

ሕዚ እውን ናብ ሜዳ ሰይንት ጀምስ ፓርክ ከይዶም ፅቡቕ ውፅኢት ከምዝረኽቡ ትፅቢት ኣሎ። ኮይኑ ግን ዝኸብዶም ፀዋታ ይመስለኒ።

ግምት ላውረንሰን፡ 2-1

ስቶክ - በርንማውዝ

ስቶክ - በርንማውዝ

ብዘለውወን ተፃወቲ እንትግምግመን ክልትኤን ጋንታታት ብዘለውወን ተፃወቲ፡ ኣብዚ ዓመት ፅቡቕ ክፃወታ እየን ዝብል ትፅቢት የብለይን።

ካብ ክልትኤን ግን ብፍላይ በርንማውዝ ተሕስበኒ

ግምት ላውረንሰን፡ 1-1

ስዋንዚ - ሌይስተር

ስዋንዚ - ሌይስተር

ጋንታ ሌይስተር ሲቲ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ፅዋዕ ፕሪምየር-ሊግ ምዕታራ ይዝከር። ሕዚ ድማ ኣብ ታሕቲ ተሰሪዓ ትርከብ። ወነንቲ'ታ ጋንታ ናብ ቅድሚት ኣብ እትድየበሉ ኩነታት ዝሓስቡሉ ይመስለኒ።

ስዋንዚ ንሌስተር ክትገጥም ምኽኣላ ፅቡቕ ዕድል እዩ። ተፃወታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንሃደርስፊልድ ብምስዓሮም ዓብዪ ዓርሰ ምትእምማን ክሓድሮም ኪኢሉ'ሎ።

ኣብዚ ዓመት ብስዋንዚ ምሉእ ምትእምማን እንተዘይሃለወኒ'ኳ...

ግምት ላውረንሰን፡ 2-1

ሳውዝኣምፕተን - ዌስትብሮም

ሳውዝኣምፕተን - ዌስትብሮም

ጋንታ ዌስትብሮም ካብ እትዕወት ሽድሽተ ሰሙን ሓሊፍዋ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ምስ ኒውካስል ዝተጋጠመት ሳውዝ ኣምፕተን ድማ ክልተ ግዜ ተመሪሓ ክልተ ንክልተ ክትወፅእ ኪኢላ።

ሳውዝ ኣምፕተን ከምእትዕወት ይግምት።

ግምት ላውረንሰን፡ 2-1

ሰንበት

ኤቨርተን - ኣርሰናል

ኤቨርተን - ኣርሰናል

ክልትኤን ጋንታታት ተመሳሳሊ ፀገም ኣለወን። ኤቨርተን ግን ብዝበለፀ ዝሰግኡ ይመስለኒ።

ኣርሰናል እተጥቅዕን ብሓይሊ ዝተመልአ ኣፀዋውታ እትፃወትን ጋንታ እንተገጢማቶም ዘይክፃወቱ ይኽእሉ እዮም። ቀዳም ኣብ ዝህሉ ፀዋታ ኤቨርተን ዕድል ዝፈጠረሎም ነገር ዝብሎ ድምፂ ደገፍቶም እዩ። እዚ ድማ ኣንፃር ዓበይቲ ጋንታታት ኣብ ዝገብርዎ ፀወታ ዝለመድዎ እዩ።

ዝተወሰነ ሓገዝ ከምዝገብረሎም ይኣምን።

ግምት ላውረንሰን፡ 1-1

ቶተንሃም - ሊቨርፑል

ቶተንሃም - ሊቨርፑል

ዝሓለፈ ሰሙን ንቶተንሃም ፅቡቕ ሰሙን እዩ ነይሩ። ንበርንማውዝ ስዒሮም እንትስንዩ፡ ኣብ ቻምፒዮንስ ሊግ ድማ ኣንፃር ሪያል ማድሪድ ፅቡቕ ተፃዊቶም።

ሊቨርፑል እውን ብሰሉስ ምስ ማሪቦር ኣብ ዝነበራ ግጥም ፅቡቕ ነይሮም። እዚ ናይ ሕዚ ግጥም ግን ክብድ ዝብል ይመስል።

ዋላ'ኳ ሸቶ ከመዝግቡ እንተኽኣሉ፡ ንቶተንሃም ክስዕሩ እዮም ኣይብልን።

ግምት ላውረንሰን፡ 1-1