ኦስትርያ፡ ሰባስቲያን ካርዝ ምስ ሰልፊ ፍሪደም ንምዝታይ ድልው ምዃኑ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, EPA
መራሒ ዓቃባዊ ሰልፊ ኦስትሪያ፡ ልፍንታዊ መንግስቲ ንምጥያስ ዘኽእል ዘተ ንምክያድ ንተናሓናሒ ውድብ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ሰባስቲያን ካርዝ ከምዝብሎ፡ ንሱ ዝመርሖ ሰልፍን ሰልፊ ፍሪደምን፡ ኣብ ጉዳይ ምንካይ ግብርን ቁፅፅር ዘይሕጋዊ ስደትን ተመሳሳሊ ኣቕዋም'ዩ ዘለዎም።
እዚ ሓሳብ፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ተቓውሞ ዝፀንሐ ሰልፊ ፍሪደም ኣብ መንግስትነት ብፅሒት ክህልዎ ዕድል ይፈጥር።
መንግስቶም ግን፡ ካብቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ብዝተፈለየ መርገፂ፡ ኣብ ጎኒ ኣውሮፓ ዝስለፍ ኣቕዋም ዘለዎ ኮይኑ ከምዝቕፅል ብኣጋ ኣነፂሮም።
ብካርዝ ዝምራሕ ሰልፊ ህዝቢ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፓርላሜንታዊ መረፃ እንንተተዓወተ'ውን፡ ደገፍ ብዙሓን ኣይረኸበን። ነዚ ድማ እዩ ልፍንታዊ መንግስቲ ምጥያሽ ዘድለዮም።
ወዲ 31 ዓመት ካርዝ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል "እቲ ንፁር ሸቶ፡ ኣብ ፓርላመንት ብዙሃነት ዘደልደሎ መንግስቲ ምጥያሽ እዩ። ዘይከኣል እንተኾይኑ፡ መንግስቲ ውሑዳን እንኮ ኣማራፂ ክኸውን እዩ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰልፊ ፍሪደም ኣንፃር ዘይሕጋዊ ስደት ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ መርገፂ እንተነበሮ'ውን፡ ድሕሪ ግዜ ግን እዚ ኣቕዋም እናፎኾሰ እዩ መጺኡ።
ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ መረፃ፡ ጉዳይ ስደት ሰፊሕ ኣጀንዳ ነይሩ።
ሰልፊ ፍሪደም ፖሊሲታቱ ብካርዝ ክመዝተሰረቑ ብምግላፅ ከሲሱ ከምዝነበረ ይዝከር።
ሓሰብ ካርዝ ሰሚሩ ልፍንታዊ መንግስቲ እንተተጣይሹ፡ እታ ሃገር ምስ ኣውሮፓውያን መሓዙታ ዘለዋ ርክብ ኣብ ሕቶ ዘእቱ ከምዝኸውን ተንተንቲ ይዛረቡ።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
