ኣብ ኣምቦ ኣብ ዝተወለዐ ሓዲሸ ጎንፂ ሰባት ተቐቲሎም

ብስልኪ ዝረኸብናዮም ተቐማጦ ከተማ ኣምቦ ከምዝነገሩና፡ ሽኰር ፅዒነን ይመጽኣ ኣለዋ ዝሰምዑ ነበርቲ እቲ ኸተማ፡ ካብ ትማሊ ኣትሒዞም ማካይን ንምዕጋት መንገዲ ዓፅዮም።
እዚ ድማ እቲ ኣብታ ሃገር ኣጓኒፉ ዘሎ ሕፅረት ሽኰር ኣብታ ከተማ እውን ምህላዉ ዝሕብር እዩ።
ኣብታ ከተማ ሽኮር ንኺሎ ክሳብ 70 ብር ይሽየጥ'ሎ በሃልቲ እዮም።
ስለ'ዚ፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነት፡ ሽኰር ናብ ካልእ ቦታ ተፃዒኑ ይውሰድ ምህላዉ ብምቅዋም እዮም መንገዲ ዓጽዮም።
"ኣውራን ኣቋራፂን መንገድታት ስለዝተዓፀወ ድማ ነታ ከተማ ኣቋሪፀን ዝሓልፋ መካይን፡ ምስ ክልላዊ ፖሊስ ብምዃን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክሓልፍ ዝነበሮ ሽኰር ሕልው ሓዲርናዮ" በሉ ሓደ ስሞም ክፅራሕ ዘይደለዩ ተቐማጢ ኣምቦ።
" እንተ ሎሚ መዓልቲ፡ ወተሃደራዊ ክዳን ዝለበሱ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ እቶም ተቓወምቲ ጠያይቲ ተኲሶም፤ ብሰንኪ እዚ ድማ 11 ሰባት ተቐቲሎም" ይብሉ።
"ኣነ፡ ሓሙሽተ ሰባት ክቕተሉ ብዓይነይ ርእየ። ዝሞቱ ግን ብዙሓት እዮም።" ዝበለና ነባሪ ካልእ ከተማ እዩ።
"ክልተ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ብዳርባ እምኒ ሞይቶም ርእየ" ኢሉና።

ቢቢሲ ግን ቁፅሪ መወትቲ ከረጋግፅ ኣይከኣለን፡ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ደዊሉ ከረጋግጽ እኳ እንተፈተን ስልኪ ምስራሕ ስለዝኣበየ ክረኽቦም ኣይከኣለን።
ምስቲ ጎንፂ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ልዕሊ ንብረት እውን ጉድኣት በፂሑ እዩ። ዋንነተን ናይ ፋብሪካ ስሚንቶ ዳንጎቱ ዝኾና ክልተ ዓበይቲ ናይ ፅዕነት መኪና እውን ተቓፂለን እየን።
ወሃቢ ቃል ክልል ኦሮምያ ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ፡ ኣብ ፌስቡኮም፡ ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱን ካልኦት ከምዝተጎድኡን ዝገልፅ ሓበሬታ ኣስፊሮም ኣለዉ።
"ምስ ተፍትሽ ፅዕነት ሽኮር ብዝተሓሓዘ ሰልፊ፡ መናእሰይ ብምልዕዓልን ሕጊ ኣልቦነት ንምስፍሕፋሕን ምኽንያት ዝኾኑ ኣካላት ንኹንን" ኢሎም።
ኣብዚ ሕጂ ሰዓት፡ እታ ከተማ ዝተረጋግአት ትመስል ኣላ፤ ይኹን እምበር መንገድታት ተዓፅዮም፡ ሰልፈኛታት እውን ገና ናብ ገዝኦም ኣይተመልሱን።
ካብዚ ብምብጋስ ድማ፡ ብዙሓት፡ ሕጂ እውን እንተኾነ፡ ተወሳኺ ሓደጋ ከይስዕብ ስግኣት ከምዘለዎም ንቢቢሲ ሓቢሮም።



















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
