ግምታት ፕሪምየር ሊግ፡ ላውሮ ግምታቱ ሂቡ'ሎ

ማርክ ላውረንሰን
መግለጺ ስእሊ, ተንታኒ ስፖርት ቢቢሲ ማርክ፡ ቅድመ ግምታት ፀዋታታት ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ ብምሃብ ይፍለጥ
Published

ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቶተንሃም ብምስዓር፡ ብፅቡቕ ጉዕዞ ዓወት እናገስገሱ እዮም። ሰንበት ምስ ቸልሲ ኣብ ዝህልዎም ግጥም ግን ክሰዓሩ'ዶ ይኾኑ?

ኣብ ቢቢሲ ተንታኒ ስፖርት ማርክ ላውረንሰን "ኣብዚ ሕዚ እዋን ንሲቲ ሰው እተብል ጋንታ ኣይተረኸበትን፡ ንኣርሰናል እውን እትስዕራ ይመስለኒ" ይብል።

"ናብ ቸልሲ እንትጓዝ ዩናይትድ፡ ኣብ ላዕሊ ክትፀንሕ እግምት" ዝብል ላውሮ፡ እቲ ፀዋታ ማዕረ 1-1 ከምዝዛዘም ገሚቱ። ናህታትኩም ግምት ከ?

ቀዳም

ስቶክ - ሌይስተር

ስቶክ - ለይስተር

ስቶክ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ንዋትፎርድ 1-0 ረቲዓታ። ኣብዚ ዓመት ካብ ሜዳኣ ወፃኢ ዝረኸበቶ ፈላማይ ሰሙን እዩ።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝህሉ ፀዋታ፡ ማዕረ እንተወፂኣ ካብ ጋንታ ሌስትር ንላዕሊ ንዓኣ የሕርቕ።

ግምት ላውሮ፡ 1-1

ሃደርስፊልድ - ዌስትብሮም

Huddersfield v West Brom

ንሃደርስፊልድ ወሳናይ ፀዋታ እዩ። ንማንቸስተር ካብ ዝስዕሩ ንደሓር ምስ ሊቨርፑል ኣብ ዝገበርዎ ፀዋታ ፅቡቕ ኣይነበሩን።

ምስ ዌስትብሮም ኣብ ዝፅበዮም ፀዋታ "ክንሰዓር የብልናን" ይብሉ ኣለዉ።

ዌስትብሮም ክዕወቱ እዮም ኢለ እሓስብ።

ግምት ላውሮ፡ 0-2

ኒውካስል - ብርንማውዝ

ኒውካስል - ብርንማውዝ

ኒውካስል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፅቡቕ እንትፃወቱ ተዓዚበ'የ።

በርንማውዝ እውን ዝሓሸ ውፅኢት ንምርካብ ዝተበገስሉ ወርሒ እዩ። ምስ ኒውካስል ብማዕረ ምፍልላይ ድማ ዝሓሸ ውፅኢት ይመስለኒ።

ግምት ላውሮ፡ 1-1

ሳውዝኣምፕተን - በርንለይ

ሳውዝኣምፕተን - በርንለይ

ኣሰልጣኒ ሳውዝኣምፕተን ማውሪሲዮ ፔሌግሪኖ ኣብ ትሕቲ ኣሰልጣኒ ራፋ ቤኒቴዝ ሰልጢኑን ተፃዊቱን እዩ። እታ ጋንታ ብዋሕዲ ሸቶታት ተሃስያ'ላ። ሸቶታት ከመዝግቡ ዝኽእሉ ተፃወቲ ግን ኣለውዋ።

ሓንቲ ካብ መንጎ ብሉፃት 10 ጋንታታት ኮይና ክትዛዝም ትፅቢት ኣለኒ።

ግምት ላውሮ፡ 2-1

ስዋንዚ - ብራይተን

Swansea v Brighton

ስዋንዚ ፍልይ ዝበለት ጋንታ እያ። ምኽንያቱ ሓደ ሰሙን ፅቡቕ ትመፅእ፡ ኣብ ዝቕፅል ድማ ትወርድ።

ብብራይተን እውን እግረም ኣለኹ። ዋላ ፅቡቕ ኣይፃወቱ'ውን ውፅኢት ግና ይረኽቡ ኣለዉ። ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝህሉ ፀዋታ ንተፃወቲ "ስዋንሲ ካባና ብዙሕ ስለዘይረሓቑ ከይትስዓሩ" ዝብል ምኽሪ ክህቦም እዩ።

ግምት ላውሮ፡ 2-1

ዌስትሃም - ሊቨርፑል

ዌስትሃም - ሊቨርፑል

ዌስትሃም ብቑዓት ተፃወቲ እንተሃለውዋ'ውን፡ ኣብ ክፍሊ ምክልኻል ግን ኣብ ፀገም ትርከብ። ተኸላኸልቲ ክትረክብ ኣለዋ።

እታ ጋንታ ሕዚ ዘላትሉ ቦታ ዝጠዓማ ይመስል።

ግምት ላውሮ፡ 0-2

ሰንበት

ቶተንሃም - ክሪስታል ፓላስ

ቶተንሃም - ክሪስታል ፓላስ

ስፐርስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንሪያል ማድሪድ ድሕሪ ምስዓሮም ኣብ ፅቡቕ ዓርሰ ምትእምማን ይርከቡ። ብቕዓቶም ክወርድ'ዩ ዝብል እምነት የብለይን።

ፓላስ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዋላ'ኳ ኣብ ድሕሪት እንተተሰርዑ፡ ኣብ ትሕቲ ኣሰልጣኒ ሮይ ሃድሰን ለውጥታት የርእዩ ኣለው። ንቸልሲ ስዒሮም።

ሕዚ ግን ቶተንሃም ክስዕሩ እዮም።

ግምት ላውሮ፡ 2-0

ማንቸስተር ሲቲ - ኣርሰናል

Manchester City v Arsenal

ንሲቲ ደው እተብል ጋንታ ኣይተረኸበትን፡ ክልወጥ ግን ይኽእል እዩ። ለውጢ ክህልው ዝኽእል፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት እንትኸውን፡ ማህሰይቲ ተፃወቲ ከም ኣብነት ይለዓል። ግን ድማ ክሕዝዎ ካብ ዝግባእ 30 ነጥቢ ነቲ 28 ሒዞምዎ ኣለው።

ኣሰልጣኒ ኣርሰን ዌንገር ኣብ ቅድሚት ናብ ዝርከባ ጋንታታት እንትድይቡ፡ "ሕዚ ኩዕሶ ክንፃወት ኢና" ይብሉ። ሕዚ ግን እንትድይቡ ክርእዮም ኣይከኣልኩን። "ነጥቅዕ" ክብሉ እውን ኣይሰማዕኽዎምን፤ እንተዝብሉ ነይሮም፤ እቲ ማዕፆ ክፉት እዩ።

ሕዚ ግን ሲቲ እትዕወት ይመስለኒ።

ግምት ላውሮ፡ 2-0

ቸልሲ - ማን ዩናይትድ

Chelsea v Manchester United

ሞሪንዮ ጋንትኦም ካብ ሜድኣ ወፃኢ ምስ ዓባይ ጋንታ እንትትራኸብ፡ ነጥቢ ይወስዱ እዮም። እዚ ድማ ዝቕየር ኣይመስለንን።

ኣብዚ ፀዋታ ግን፡ ተፃወትቲ ቸልሲ ኣብ ምክልኻል ኣድሂቦም ክፅበይዎም እዮም።

ግምት ላውሮ፡ 1-1

ኤቨርተን - ዋትፎርድ

Everton v Watford

ግዝያዊ ኣሰልጣኒ ኤቨርተን-ዴቪድ ኣነስወርዝ፡ ብሓቂ ደሓን እዩ። ክንድዝከኣሎ ንለውጢ ይሰርሕ'ሎ።

ዋትፎርድ ዝነኣድ ኣጀማምራ ነይርዎም። ሕዚ ግን ስዕረት ክገጥሞም እዩ።

ግምት ላውሮ፡ 2-0