ከተማ መቐለን ወልዋሎን ፀወታአን ባዶ ንባዶ ዛዚመን::

Published

ኣብ ናይ ሎምዘበን መርሃ ግብሪ ፀወታ ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ዝተራኸባ ጋንታታት መቐለን ወልዋሎን፥ ደገፍተን ናብ ጎንፂ ከየምርሑ ተሰጊኢኡ ነይሩ። ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ መቐለ ህንፀቱ ኣብ ዘይተኸምበተ ስታድዮም ትግራይ ዝተኻየደ እቲ ፀወታ፥ ብመፍለዪ ልባስ እተን ጋንታታት ማዕሪጉ ብኣሻሓት ዝቑፀር ህዝቢ ተኸታቲልዎ።

ደገፍቲ ጋንታታት መቐለን ወልዋሎን ኣብ ስታድየም ትግራይ
መግለጺ ስእሊ, እቲ ፀዋታ በኣፍቃርቲ ኩዕሶ እግሪ ነበርቲ መቐለን ብደገፍቲ ክልቲኤን ጋንታታትን ደሚቑ ነይሩ።
ጋንታ መቐለን ወልዋሎን
መግለጺ ስእሊ, ፀዋታ ኹዕሶ እግሪ ጋንታ መቐለን ወልዋሎን ብሃንቀውታ ትፅቢት ዝተገበረሉ ነይሩ።
ሕምባሻ ሒዞም ዝረኣዩ ደገፍቲ ጋንታ መቐለ 'ዮም
መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ስታድዮም ኣብ ኢትዮጵያ ዘይተለመደ ብተሽከርካሪ ሳእኒ ዝንቀሳቐሱ ህፃውንቲ ቅድሚ እቲ ፀወታን ኣብ ሰዓት ዕረፍትን ምርኢት ብምቕራብ ንህዝቢ ኣዛንዮም። ደገፍቲ መቐለ'ውን ቁፅሪ '70' ዝተፅሓፎ ሕምባሻ ሒዞም ናብ ሜዳ ኣትዮም።
ወልዋሎ
መግለጺ ስእሊ, ደገፍቲ ጋንታ ወልዋሎ ኣብ ስታድየም ትግራይ። ብዙሓት ደገፍቲ ካብ ከተማ ዓድግራት ናብ መቐለ ተጓዒዞም።
ኣብ ስታድየም ትግራይ
መግለጺ ስእሊ, ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣብ ስታድየም ትግራይ
ደገፍቲ ኣብ ስታድየም ትግራይ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ህንፀት ዝርከብ ስታድየም ትግራይ ብደገፍቲ ኣዕለቕሊቑ ነይሩ።