ከመይ ቀኒኺ ኣፍሪቃ?

Published

ማህደርፎቶ ኣፍሪቃ እዚ ቅነ!

ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ጋንታት ከተማ መቐለን ወልዋሎን፡ ኣብ ስታድዮም ትግራይ

ኣብ ናይ ሎምዘበን መርሃ ግብሪ ፀወታ ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ዝተራኸባ ጋንታታት መቐለን ወልዋሎን፥ ደገፍተን ናብ ጎንፂ ከየምርሑ ተሰጊኡ ነይሩ።

ብሰንበት ኣብ ከተማ መቐለ ህንፀቱ ኣብ ዘይተኸምበተ ስታድዮም ትግራይ ዝተኻየደ እቲ ፀወታ፡ ብመፍለይ ልባስ እተን ጋንታታት ማዕሪጉ ብኣሻሓት ዝቑፀር ህዝቢ ተኸታቲልዎ።

ደገፍቲ ጋንታታት መቐለን ወልዋሎን ኣብ ስታድየም ትግራይ

እቲ ፀዋታ በኣፍቃርቲ ኩዕሶ እግሪ ነበርቲ ከተማ መቐለን ብደገፍቲ ክልቲኤን ጋንታታትን ደሚቑ ነይሩ።

ሃገሮም ደቡብ ኣፍሪቃ ዕድል ፀወታ ጽዋዕ ዓለም ራግቢ ስለ ዘምለጣ ዘይተሓጎሱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን

ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓውሲ ሓዘን ተራእዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ድማ ሃገሮም ደቡብ ኣፍሪቃ ጽዋዕ ዓለም ራግቢ 2023 ንምስንዳእ፡ ንሕንጢጥ ብፈረንሳይ ተቐዲማ እቲ ዕድል ስለ ዘምለጣ እዩ።

ሞሮኳውያን

ብኣንጻሩ ኣብ ማራካች ሞሮኮ ድማ፡ ፌስታን ሓጎስን ነይሩ። ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ሞሮኮ፡ ንኣይቮሪኮስት ስዒራ ንዓመታ ኣብ ሩስያ ናብ ዝካየድ ፀወታ ጽዋዕ ዓለም ዝህልዋ ዕድል ስለ ዘለምለመት ዜጋታት ሞሮኮ ታሕጓሶም ፎቖዶ ኣደባባያት እናገለጹ።

መረጻ ኢኳቶርያል ጊኒ

ኣፍሪቃ ኣብዚ ሰሙን እውን እንተኾነ ካሊእ መረጻ ኣተኣናጊዳ ቀንያ። እዛ ንእስቲ ኣብ መረጻ መርቀቒ ሕጊ ኢኳቶርያል ጊኒ እናተሳተፈት ዝተወሰደ ቅላዕ'ዩ።

ፖሊስ ኬንያ

ኣብ ሓለዋ ጸጥታ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ዝተዋፈሩ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ኬንያ፡ ማይ እናወቕዐ ኣብ ሓደ ጽላል ኣጽሊሎም። ኣብዚ ሰዓት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጉዳይ ዳግማይ ፕረዚደንታዊ መረፃ እናመርመረ እዩ ነይሩ።

ኣርቴፊሻል ሄሊኮፕተርስ

እዘን ኣብ ርእሰ ከተማ ዚምባብወ ሃራሬ ኣብ መንገዲ ንዕዳጋ ዝቐረባ ኣርቴፊሻል ሄሊኮፕተራት፡ ወተሃደራዊ ክንፊ እታ ሃገር ንፕሬዚደንት ሮበርት ሙጋቤ ኣብ ቀይዲ ምስ ኣውዓለ፡ ንፅባሒቱ እየን ንዕዳጋ ቀሪበን።

ኣዘዝቲ ሰራዊት ዚምባብወ ቀንዲ ዕላምኦም ኣብ ዙርያ ፕሬዚደንት ሙጋቤ ዝዓሰሉ ሰረቕትን ገበነኛታትን እምበር፡ ኣብ ልዕሊ ሙጋቤ ከምዘይኮነ ምግላጾም ዝዝከር እዩ።

ጋናዊት ሞዴል ናና ኣኩዋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ሌጎስ፡ ናይጄርያ፡ ኣብ መድረኽ ሽልማት ሙዚቃ ኣፍሪቃ 12 ሕዳር፡ 2017

ጋናዊት ሞዴል ናና ኣኩዋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ሌጎስ፡ ናይጄርያ፡ ኣብ መድረኽ ሽልማት ሙዚቃ ኣፍሪቃ።

ሙዚየም ዝተዓቐበ ኣስከሬናት ግብጺ

እዚ ድማ ኣብ ግብጺ ካይሮ ዘሎ ሙዚየም ዝተዓቀቡ ኣስከሬናት እዮም። እቲ ሙዚየም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዩ ስርሑ ጀሚሩ።

ዘዋሪ ሳይክል ኣብ ኣይቮሪኮስት

ታሪኽ፣ ስነ ጥበብን ስፖርትን ብሓንሳብ እንትገጣጠሙ። ኣብ ኣይቮሪኮስት ኣቢጃን፡ በዓል ሳይክል፡ ቼ ጉቬራን መራሒ ነበር ሊቢያ መሓመድ ጋዳፊን ኣብ መንደቕ ኣብ ዝተሳእልሉ ጎደና እንትሓልፍ።

ሙዚየም ኣፍ ደገ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርእያ ኣንስቲ

ኣብ ኬፕታውን ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ሙዚየም ንበጻሕቲ ክፍቲ ኮይኑ ኣሎ። እዘን ኣንስቲ ድማ፡ ብስነ-ጥበባዊ ናይጄርያ ታይየ ኢዳሆር ዝተሳእለ ቅብኢ፡ ተመሲጠን ይርእያ ኣለዋ። መእተዊ ዋጋ ናብቲ ሙዚየም ብናፃ እዩ።

ፍልፍል ስእልታት AFP, EPA, PA and Reuters