ሩስያ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኪም ጆንግ-ኡን ንዘቕረበቶ ውንጀላ ከሲሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ፡ ኣሜሪካ ንጥፈታት ፈተነ ኒኩሌር ሚሳይል ሰሜን ኮርያ ደው ንክብል ንትገብሮ ዘላ ቶኽቷኺ (ወፍሪ) ከሲሶም።
ሰሜን ኮርያ ፈተነ ባላስቲክ ሚሳይል ድሕሪ ምክያዳ፡ ኣሜሪካ ንዝፀወዐቶ ምቁራጽ ዲፕሎማሲያዎ ርክብ ምስ ሰሜን ኮርያ ነፂጎሞ።
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ዝግበር ማዕቐብ፡ ለውጢ ከምዘየምጽኡን ኣብ ከንድኡ ምርድዳእን ዘተን ምግባር ክህሉ ይበለጽ ብምባል ክትካታዕ ጸኒሓ እያ።
ኣሜሪካ፡ እንተድኣ ሰሜን ኮርያ ብዘለዋ መርግፅ ቀፂላ፡ "ጠቕሊላ ከምእተወግዳ" ኣጠንቂቓ ኣላ።
ኣብ ሞንጎ ሰሜን ኮርያን ኣሜሪካን ዘሎ ውጥረት ኣብ ዝጓሃሃረሉ ዘሎ ኩነታት፡ ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣዝዩ ዝነወሐን ንኣሜሪካ ብርሕቐት ከጥቅዕ ዝኽእልን ባላስቲክ ሚሳይል ወንጪፋ።
ይኹን እምበር፡ ሰብ ሞያ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ሰሜን ኮርያ ነዊሕ ርሕቅት ክጓዓዝ ዝኽእል ቴክኖሎጂ ከይህልዋ ይኽእል'ዩ ብምባል፡ ብቕዓት እዚ ሓድሽ ሚሳይል ተጠራጢሮሞ ኣለዉ።
ሰርጌ ላቭሮቭ እንታይ እዮም ኢሎም?
ኣብ ዋና ከተማ ቤላሩስያ ሚንስክ ኣብ ዝገበሩዎ ዑደት፡ ሰርጌ ላቭሮቭ፡ ብሓቂ ኣሜሪካ ንሰሜን ኮርያ ካብ ምድረ ገፅ ከተወግዳ ትደሊ ድያ ብምባል ይሓቱ።
"ሓደ ሰብ ኪም ጆንግ-ኡን ንክነቅሕ ተባሂሉ ዝተሃቀነ ዕላማ እዩ፡ ዘየድሊ ስጉምቲ ምውሳድ ኣይከድልን'ዩ" ኢሎም።
ኣሜሪካውያን፡ "ቀፂሉ እንታይ ክስዕብ ከምዝኽእል ክነግሩና ይግባእ" ክብሉ ድማ ተዛሪቦም።

ምንጪ ስእሊ, EPA
" ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከምዝገለፅዎ፡ እንተድኣ ኣሜሪካ ንሰሜን ኮርያ ብምኽኒት ካብ ገፀ- ምድሪ-ክተጥፍኣ ደልያ፡ ምሕደራ ኣሜሪካ ክትግበር ዝፈቐዶ'ዩ ኢሎም። "
ኣሜሪካ ናብ ማዕቐብ ንምንባርን ስጉምትታት ንምውሳድ ካብ ምህንዳድ ብዝያዳ ምስ ሰሜን ኮርያ ምርድዳእ ክትገብር ድማ ፀዊዖም።
"ብተደጋጋሚ ማዕቐብ ተነቢሩልና እዩ፤ ውፅኢቱ እውን ሪእናዮ ኢና፡ ፖለቲካዊ ውጥረታት እንትህሉ ናብ መኣዲ ዘተ ክምፀአሉ ዝኽእል መስርሕ ክህሉ ይግባእ" ኢሎም።
"ኣሜሪካውያን ግና ነዚ ነፂጎሞ እዮም፤ እዚ ድማ ዓብይ ጌጋ እዩ። " ብምባል ንኣሜሪካ ወቒሶም።
ድሕሪ ቻይና፡ ምስ ሰሜን ኮርያ ፅቡቅ ርክብ ዘለዋ ሃገር ሩስያ እያ። ክልቲአን ሃገራት ድማ ኣብ ቤት ምኽሪ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ድምፂ ኣለወን።
ፃውዒት ኣሜሪካ እንታይ እዩ?
ልእኽቲ ኣሜሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ወይዘሮ ኒኪ ሃለይ፡ ኩለን ሃገራት ምስ ሰሜን ኮርያ ዘለወን ዲፕሎማሲያውን ንግዳውን ርክብ ከቋርፃ ፀዊዐን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ንቻይናዊ መዘንኦም ዢ- ጂንፒንግ፡ ቻይና ናብ ሰሜን ኮርያ እተቕርቦ ነዳዲ ክተቋርፅ ሓቲቶም።
"ሰሜን ኮርያ ኣፅዋር ኒኩሌር ንክትሰርሕ ነዳዲ ከምዘድልያ ንፈልጥ ኢና፡ ቀንዲ ቀረብ ነዳዲ እትረክብ ድማ ካብ ቻይና እያ" ብምባል ቻይና ሰደዳ ንክተቋርፅ ተላብዮም።
ቻይና፡ ንነዊሕ ዓመታት ታሪኻዊት መሻርኽቲ ንግዲ ሰሜን ኮርያ ኮይና ቀፂላ እያ። ሰሜን ኮርያ እውን እንተኾነት ኣብ ቻይና ፅግዕተኛ ኮይና እያ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ነዳዲ።
ሚንስትር ጉዳይ ወፃኢ ቻይና ግና፡ "ሃገሮም፡ ኩሉ ግዜ ምሉእ፣ ንኹሉ ዘጣመረን ጥቡቓት ውሳነታትን" ከምዝወሰደት ብምግላፅ ንለበዋ ዶናልድ ትራምፕ ግብረ መልሲ ሂቦም።
ትራምፕ፡ ንመራሒ ሰሜን ኮርያ ብምንሻው ብመርገፂ ቻይና ኣብ ሕቶ ከምዝኣተዉ፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ትዊተር ገሊፆም።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
