ምስጢር ዕውት ዝርርብ እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እንግሊዛዊ ጸሓፋይ ማይክል ሮሰን ንብዙሓት ዓመታት ብኸመይ ዝምድናና ምስ ደቂ ሰባት ከም ነመሓይሽን ኣዘራርባና ከም ነመዓራርይን መጽናዕቲ ኣካይዱ ነይሩ።
ምምዕባል ክእለት ኣዘራርባ ብኸመይ ኣብ ኣኸባታት ንዝጋጥሙ ጸገማት ከም እንፈትሕን፤ ብዓለም ደረጃ ንዝፈጠሩ ዘይምርድዳእ ከም ንብድህን ከምኡ'ውን ኣብ ገዛና ንዝፈጠሩ ግድላት ከም እንፈትሕን ይሕግዘና።
ማይክል ሮሰን ምስ መሳርሕቱ ኮይኑ ብኸመይ ኣዘራርባና ከም እንመሓየሽ 6ተ ኣገደስቲ ነጥብታት ዝበሎም ሓቢሩና ኣሎ።
1.ቅድሚ ክርድኡኻ ምድላይ ክትርድኦም ምፍታን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መብዛሕትና መልእኽትና ከነመሓላልፍ 'ምበር፡ ናይ ካልኦት መልእኽቲ ኣብ ምቕባል ኣይንርከብን። እዚ ከኣ ንብዙሓት ጸገማት ኣብ ውልቃዊ ህይወተና ይኹን ኣብ ሞያዊ ዝምድናና ጸገም ይፈጥረልና።
ስቲቨን ከቨይ ኣብ መጽሓፉ 'ሰባት ቅድሚ ንክርድኡኻ ምፍታን፤ ክትርድኦም ፈትን' ይብል። እዚ ከኣ ዝርርብ ክካየድ እንከሎ ጽን ኢልና ክንስመዕ ኣለና ማለት ኢዩ።
ኣብ ዝኾነ እዋን ቅድሚ ርእይቶና ነካፍል፡ ሓሳብ ናይ ካልኦት ሰባት ክንሰምዕን ክንርዳእን ምፍታን ኣገዳሲ እዩ።
2.ከም ዝተረዳእካ ምሕባር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ነጥቢ ናይ ካልኦት ምስ ሰማዕካ፤ ከም ዝሰማዕካዮምን ከም ዝተረደኣካን ግብረመልሲ ክትህብ ፈትን።
ሓሳብ ካልኦት ሰባት ምስ ተረደኣካ፡ ነቲ ናትካ ሓሳብን ርእይቶን ከናካፍል ትኽእል። ቅድሚ ዘረባ ምውድኦም ኣብ ማእኸል ጠብሎቕ ምባል ግን ከነውግድ ኣለና።
እንድሕር ነቲ ዝዛረብ ዘሎ ሰብ ጠለባቱ እንተሰሚዕና፣ ናይ ምስማዕ ድሌቶም እንተ ኣማሊእና፣ ዝድለ ክበረት እንተሂብናዮም፣ ሽዑ እዚ ዝድለ ዝምድናን ትሕዝቶ ዘለዎ ርክብን ክንፈጥር ንኽእል።
3.ሃናጺ ፍታሕ ንምርካብ ምትሕብባር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓናጺ ዝርርብ ሓዲሽ ኣተሓሳስባ ክንሃንጽን ኣረዳድኣና ከነማዕብልን ይሕግዘና።
እንድሕሪ ነቲ ዝራረብ ዘሎ ብጽቡቕ መንፈስ እንተተኸታቲልናዮ፡ እሞ ዝድለ ግብረ መልሲ እንተሂብና፡ እቲ ዝርርብ ዕሙቑ ዝበለ ዘይሓብኹሞ ኣንፈት ክመርሓኩም ይኽእል።
ብተወሳኺ፡ ካልእ ሰብ ክዛረብ እንከሎ ኣድህቦ መግባር፡ እቲ ዝዛረብ ሰብ ሓሳባቱ ክድህስስን ካብ ልቡ ክዛረብን የተባብዖ። እዚ ዓይነት መንገዲ ድማ ንክልተኹም ዝሕግዝ ሓዲሽ መንፈስ ይፈጥረልኩም።
4.ሕማቕ ልምዲ ምእላይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኩልና ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዘጥረናዮ ዘይነስተውዕሎ ናይ ኣዘራርባ ልምዲ ኣለና። እዞም ልምድታት ሓደ ሰብ ክዛረብ እንከሎ ክቕልቀሉ ይፍትኑ።
ነዛም ልምድታት ከነወግዶም ወይ ክንኣልዮም እንተኾይና፡ መጀመርታ ክንወስዶ ዘለና ስጉምቲ እዞም ልምድታት መዓስ ከም ዝቕልቀሉን፡ እንታይ ምዃኖምን ከነለልዮም ኣለና።
ድሕሪኡ ኣብ ምስማዕን ምስትውዓልን ነድህብ ማለት ኢዩ።
5. ኣበር ጥራሕ ኣይትስማዕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ገሊኦም ሰባት ኣብ ዘረባኹም ኣበር ንምርካብ ይሰምዑ። ምስ ረኸብዋ ከኣ ተዳሊዮም ጸኒሖም ሓዊ ይተፍኡልካ።
እዚ ከኣ ኣብ ፖለቲካ ዓለም በብእዋኑ ንዕዘቦ ዘለና ተርእዮ እዩ። ብሰንኪ እዚ ሰባት ኣብ ክልተ ተመቃቂሎም ኣብ ዘይሰማምዑሉ ደረጃ ይወርዱ።
ጽልኢ ክትነዝሑ ኢልኩም ንዘረባ ኣይትስምዑ። ነቲ ዝዝረብ ዘሎ ኣካታዒ ዘረባ ንኽትርድኡ ስምዑ።
6.ምድግጋም ብቑዕ ይገብረካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ነቲ ዘለና ናይ ኣዘራርባ ክእለት ምስ ብጾትና ኮይንና ብተደጋጋሚ ክንለማመዶ ኣለና።
"ምድግጋም ክኢላ ይገብረካ" ከም ዝበሃል፡ ኣብ ሓደ ነገር ብብርቱዕ ትዅረትን ጻዕርን ምስ እትሰርሕ ብቑዕ ክትከውን ትኽእል ኢኻ ማለቱ እዩ።



















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
