ህዝባዊ ቅቡልነት ሓደ መራሒ ብኸመይ ምፍላጥ ይከኣል?

ግራፍ ምስ ፎቶ
Published

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ህዝቢ ርኢቶ ዝዕቀነሉ ዘመናዊ መሳርሒ ብዘይ ምህላዉ፡ ዝወሃቡ ድምዳመታት ግምታዊ ወይ ድማ ኣብ ሓደ ሓደ ኣጋጣሚታት ዝምስረቱ እዮም።

ንኣብነት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንዝለዓሉ ሕቶታት ዝወሃቡ መልስታት፥ መራሕቲ ዝህቡዎም ዕዉታት ቃለ መሕተታት ወይ ዝገብሩዎም መደረታት ክኾኑ ይኽእሉ።

ዋላ'ኳ መራሕቲ ኣብ ህዝቢ ዘለዎም ተቐባልነት ክንደይ ዝኣክል ምዃኑ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ እንተኾነ፡'' ህዝቢ እኮ ከምዚ እዩ ዝብለና ዘሎ....'' እንትብሉ ምስማዕ ዝተለመደ እዩ። ብምንታይ እዮም ዝሰምዕዎ?

ቅድም እንትብል ኣብ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ፥ እድርን እንዳ ሓዘንን እቲ ህዝቢ እንታይ ብዛዕባ መራሕቱ እንታይ ከምዝሓስብ ንምርዳእ ዝሕግዙ ባህላዊ መሳርሕታት እዮም ነይሮም።

ካብዚኦም ኣቐዲሙ ድማ መራሕቲ፡ስምዒታት ህዝቢ ካብ ጓሶት ይሰምዑ ነይሮም።

ሎሚ ኸ መራሕቲ ኣብ ህዝቢ ዘለዎም ተቐባልነት እንምዝነሉ መሳርሒ ኣሎዶ?

ፖሊንግ

ፖሊንግ፡ ህዝቢ ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ እንታይ ይሓስብ ንዝብል ሕቶ ምላሽ ንረኽበሉ መገዲ እዩ።

ኣብ ሃገራት ምዕራብ ቢልዮናት ዝሕፈሰሉ ቢዝነስ ዝኾነ ፖሊንግ፡ ወጽኢቱ ብቐሊል ዝረአ ኣይኮነን።

ወጽኢት እቲ ዳህሰሳ፡ ሓያል ናይ ፖሊሲ ለውጢ፥ ምስሕሓብ መረጻታት፥ ምንጋዕ ቁጠባዊ ሃፍትን ፖለቲካዊ ለውጢታትን ከምጽእ ዝኽእል እዩ።

ፖሊንግ፡ ተቐባልነት መራሕቲ ጥራሕ እንተይኮነስ ስምዒት ህዝቢ 'ውን ዝልከዐሉ ወሳኒ መሳርሒ እዩ።

እዚኦም ዓይነታት መሳርሒ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይምህላዎም፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ዝመሓለለፉ መልኽቲታት ኣብቲ ህዝቢ ሓያል ፍርሕን ድንጋጸን ዝፈጥሩ ክኾኑ ይገብሮም።

ን 26 ዓመታት ማሕበራዊ ጽንዓት ዳህሳስ ብምክያድ ዝፍለጥ ዋስ ኢንተናሽናል ዝመርሑ ኣይተ ኡፌራ ጎሳ '' ኢትዮጵያ፡ ናብ ባይታ እንተዘይወሪድና ኣይንረኽባን'' ይብሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ንቑሕ ኢንተርኔት ተጠቃሚ፡ ክልተ ምኢታዊ ከምዘይኸውንን እታ ኣብ ፌስቡክ ዘላ ኢትዮጵያ ኣብ ባይታ ከምዘየላን ይገልጹ።

እኩብ ህዝቢ

ኣይተ ኡፌራ ብተወሳኺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ህዝቢ ስምኢት ንምፍላጥ ዝሕግዝ ዳህሳስ ወይ ፖሊንግ ምክያድ ክልኩል ኮይኑ ከምዝጸንሐን ከም ገበን ከምዝረኣይን ይገልጹ።

ኮይኑ ግና ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጹ፡ ዋስ ኢንተርናሽናል ተቐባልነት ኣብዪ ኣሕመድ ብዝምልከት ፈላማይ ፖሊንግ ምክያድ ክኢሉ እዩ።

እዚ ኣብ 12 ከተማታት ዝተኻየደ ዳህሳስ፡ ወጽኢቱ ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ እዩ።

ፖሊንግ ዋላ'ኳ ሙሉእ ብሙሉእ ስምዒት ህዝቢ ይገልጽ እዩ እንተዘይተብሃለ፡ ሳይንሳዊ መገዲ ተኸቲሉ እንተተሰሪሑ ግን ናብ ሓቂ ዝቐረበ እዩ።

መግለጺ ቪድዮ, ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ 100 መዓልቲ እንታይ ሰሪሖም? ናበይ ናበይ ከይዶም?