ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳ ተፈፂሙ

ምንጪ ስእሊ, EBC
Published
ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ሃገረ ጀርመን ህይወቶም ዝሓለፈ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳ፡ ሎሚ መዓልቲ 27/2011 ዓ.ም ስነ-ስርዓት ተፈፂሙ።
ቅድሚ እቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ፡ ህዝቢ ክሳብ ሰዓት 8፡00 (2፡00pm) ናብ ኣዳራሽ ሚሊኒየም ከይዱ ተሰናቢትዎም።
ስነ-ስርዓት ቀብሮም ድማ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስኣበባ ጴጥሮስ ወ ጰውሎስ ተፈፂሙ።
ሬሳ ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳዳ ትማሊ ካብ ጀርመን ተበጊሱ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ (ዶክተር)፡ ሓዊሱ ላዕለዎት ሰብ መዚ ፌደራልን ክልልን፡ ፈተውቶምን ኣዝማዶምን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣቀባብላ ተገይርሎም እዩ።
ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ከተማ ደምቢደሎ እዮም ተወሊዶም። ካብ ዩኒቨርሲቲ ቀዳማዊ ኃይለስላሰ ቀዳማይ ዲግሪ ድሕሪ ምሓዞም ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ ናብ ጀርመን ኣምሪሖም።
ካብ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ጀሚሮም ሙሉእ ዕድመኦም ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ እዮም ኣሕሊፈሞ።
ንብዙሕ ዓመታት ይነብሩላ ካብ ዝነበሩ ጀርመን ምስተመለሱ ድማ፡ ናብ ኦህዴድ ተፀምቢሮም።
ሞት ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ዶክተር ነጋሰ ጊዳዳ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም እዩ ተሰሚዑ።





















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
