ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳ ተኻይዱ

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳ
Published

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ሃገረ ጀርመን ህይወቶም ዝሓለፈ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳ፡ ስነ-ስርዓት ቀብሮም ሎሚ መዓልቲ 27/2011 ዓ.ም፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ ተፈፂሙ።

ቅድም ኢሉ ኣብዚ ዕለት ኣብ ኣዳራሽ ሚሊንየም ስነ-ስርዓት ምፍናው ሬሳ ዝተኻየደ እንትኸውን፡ ህዝቢ ድማ ክሳብ ሰዓት 8፡00 (2፡00pm) ናብ ኣዳራሽ ሚሊኒየም እናመፅአ ተሰናቢትዎም እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሮም ድማ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስኣበባ ጴጥሮስ ወ ጰውሎስ ተፈፂሙ።

ሬሳ ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳዳ ትማሊ ካብ ጀርመን ተበጊሱ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ (ዶክተር)፡ ሓዊሱ ላዕለዎት ሰብ መዚ ፌደራልን ክልልን፡ ፈተውቶምን ኣዝማዶምን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣቀባብላ ተገይርሎም እዩ።

ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳ፡ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ከተማ ደምቢደሎ እዮም ተወሊዶም። ካብ ዩኒቨርሲቲ ቀዳማዊ ኃይለስላሰ ቀዳማይ ዲግሪ ድሕሪ ምሓዞም ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ ናብ ጀርመን ኣምሪሖም።

ካብ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ጀሚሮም ሙሉእ ዕድመኦም ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ እዮም ኣሕሊፈሞ።

ንብዙሕ ዓመታት ይነብሩላ ካብ ዝነበሩ ጀርመን ምስተመለሱ ድማ፡ ናብ ኦህዴድ ተፀምቢሮም።

ሞት ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ዶክተር ነጋሰ ጊዳዳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም እዩ ተሰሚዑ።