ቀዳማይ ሚንስትር ኣውስትራልያ ስኮት ማሪሰን፡ ጎስጓስ የካየድ ኣብ ዝነበረሉ ብእንቋቑሖ ተወቒዑ

ስኮት ማሪሰን
መግለጺ ስእሊ, ስኮት ማሪሰን ንመረፃ ኣወስትራልያ ኣመልኪቱ ጎስጓስ እናካየደ'ዩ እንቋቖሖ ተደርብዩሉ
Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ

ቀዳማይ ሚንስትር ኣወስትራልያ ስኮት ማሪሰን፡ ኣብ ቅድሚኡ ንዝፅበዮ ሃገራዊ መረፃ ጎስጓስ የካይድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ካብ ሓንቲ ተቓዋሚት ብዝተደርበየት እንቋቑሖ ተወቒዑ።

ማዕኸናት ዜና ኣወስትራልያ፡ እታ ንርእሲ ቀዳማይ ሚንስትር ስኮት ዝወቐዐት እንቋቖሖ ከም ዘይተሰበረት ሓቢረን።

በቲ ተግባር ዝተጠርጠረት፡ ጓል 25 ዓመት መንእሰይ ከም ዝኾነትን፡ ኣብ ቀይዲ ከም ዝወዓለትን ፖሊስ ኣፍሊጡ።

እቲ ቀዳማይ ሚንስትር ነቲ ተግባር 'ጃጃዊ' ክብል ገሊፅዎ።

ብማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኣወስትራልያ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ'ዩ እቲ ተግባር ተፈፂሙ።

Presentational white space
Skip X post, 1
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 1

Presentational white space

ቀዳማይ ሚንስትር ስኮት ማሪሰን፡ ኣባላት ፀጥታ፡ ነቲ ፍፃመ ንዝሃብዎ ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ንኢዱ።

Skip X post, 2
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 2

ኣብ ኣወስትራልያ፡ ስኮት፡ ፈላማይ ግዳይ ማህረምቲ እንቋቖሖ ኣይኮነን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት'ውን ኣባል ባይቶ ዝኾነ ፍሬዘር ኣኒንግ፡ ነቲ ኣብ ኒውዚላንድ 'ክራይስት ቸርች' ዝተፈፂመ መጥቃዕቲ ኣመልኪቲ ንዝሃቦ ርእይቶ ስዒቡ፡ ግዳይ እንቋቖሖ ኮይኑ'ዩ።

ኣወስትራልያውያን ኣብ ዝመፅእ 18 ግንቦት ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ፡ ከድምፁ እዮም።