ኣብ ግዳም መስጊድ ሱፊ ብዝተፈፀመ ምፍንጃር ነታጒ ሽዱሽተ ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ከተማ ላሆር ፓኪስታን ኣብ ከባቢ ዓቢይ መስጊድ ሱፊ ብዝተኻየደ ምፍንጃር፡ ብውሑዱ ሽዱሽተ ሰባት ከም ዝተቐተሉ፡ ሰብ መዚ ገሊጾም።
ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ሰባት ከም ዝቖሰሉን፤ እቲ ምፍንጃር ንናይ ፖሊስ መኪና ዕላማ ዝገበረ ምንባሩን እቶም ሰብ መዚ ሓቢሮም።
እቲ ምፍንጃር፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ መላእ ደቡባዊ እስያ፡ ዝነውሐ ዕድመ ከም ዘለዎ ዝግለጽ፡ መስጊድ ሱፊ ዳታ ዳርባር እዩ ተኻይዱ።
ዛጊት ዝኾነ ጉጀለ ነቲ ዝተፈፀመ ምፍንጃር ሓላፍነት ኣይወሰደሉን ኣሎ።
እዚ መጥቃዕቲ፡ እታ ሃገር ንምጅማር ጾም ወርሒ ሮመዳን ኣብ ትጽምበለሉ እዋን'ዩ ተኻይዱ።
እቲ ከባቢ ጌና ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ናይ ፖሊስን፡ ጸጥታዊ ንጥፈታትን እዩ ዘሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢምራን ከሃን ነቲ ብረቡዕ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብጽኑዕ ከም ዝኾነኖን ነቶም ዝቖሰሉ ብሉጽ ህክምናዊ ኣገልግሎት ክወሃቦምን ምእዛዙ ራድዮ ፓኪስታን ጸብጺባ።
መስጊድ ሱፊ ዳታ ዳርባር፡ ኣብ ጥንታዊ ክፋል ከተማ ላሆር ፓኪስታን ዝርከብ ኮይኑ፡ ዓመታዊ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ከም ዝበጽሕዎ ይግለጽ።
ሱፊ፡ ኣብ ክልቲኡ ጨናፍር እምነት እስልምና (ሱኒን ሺዓን) ዝዝውተር እስላማዊ ምስጢር'ዩ።
ኣብ ፓኪስታን ዝርከቡ ተኸተልቲ እዚ እምነት ብዕጡቓት ሓደጋ ክወርዶም ጸኒሑ እዩ።
ድሕሪ እቲ ኣብ 2014 ኣብ ቤት ትምህርቲ ፐሽዋር ዝተኻየደ፡ ህይወት 141 ሰባት ዝቐዘፈ መጥቃዕቲ፡ ፓኪስታን ንጥሩፍነት ክቃለስ ይፍትን ኣሎ።
ኣብ 2016 ኣብ ላሆር ንክርስትያናት ዕላማ ገይሩ ኣብ መዓልቲ በዓል ትንሳኤ ብዝገበረ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 72 ሰባት ምቕታሎም ይዝከር።



















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
