ምርጫ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሰልፊ ኤኤንሲ ዝለዓለ ድምፂ ብምርካብ ይመርሕ ከም ዘሎ ተገሊፁ

ኣብ ከተማ ደርባን ድምፂ ዝተወሃበሎም ወረቓቕቲ ክቑፀሩ ጀሚሮም
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከተማ ደርባን ድምፂ ዝተወሃበሎም ወረቓቕቲ ክቑፀሩ ጀሚሮም
Published

ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ደቡብ ኣፍሪቃ ድምፂ ኣድመጽቲ ክቑፀር ጀሚሩ። ሰልፊ 'ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ' (ኤኤንሲ) ድማ ብዝለዓለ ድምፂ ይመርሕ ኣሎ።

ናይ ኣስታት 70% ሚእታዊት ዞባታት ድምፂ ዝተቐፀረ ኮይኑ፡ እቲ ሰልፊ 57% ሚእታዊት ተዓዊቱ። ተቓዋሚ ሰልፊ ዴሞክራቲክ ኣሊያንስ ድማ ብ22% ሚእታዊት ድምፂ ይኽተል።

ኤኤንሲ ብ2014 ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ 62 ሚእታዊት ድምፂ ብምርካብ ተዓዊቱ ነይሩ።

ይኹን ደኣ'ምበር ብሰንኪ ቁጠባዊ ኩነታትን ብልሽውናን፡ ህዝቢ ኣብቲ ሰልፊ እምነት ንኽስእን ከም ዝገበሩ ይግለፅ።

ቃልሲ ንኢኮኖሚያዊ ናፅነት (ኢኤፍኤፍ) ዝተበሃለ ካልእ ተቓዋሚ ሰልፊ 10 ሚእታዊት ድምፂ ረኺቡ'ሎ።

ንውፅኢት ዘርእይ ምስሊ

ክመርፅ ካብ ዝኽእል ህዝቢ፡ እቲ 65 ሚእታዊት ኣድሚፁ። እዚ ድማ ምስቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ድምፁ ዝሃበ 75% ሚእታዊት፡ ብ 10 ሚእታዊት ምንካይ ኣርእዩ።

ኣስታት ሸድሽተ ሚልዮን መንእሰይ ድምፂ ንምሃብ ከይተመዝገቡ ተሪፎም'ዮም።

ምሉእ ውፅኢት መረፃ ፅባሕ ቀዳም ወግዓዊ (ዕላዊ) ከም ዝግበር ተፈሊጡ።