ሓለቓ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ቪንሰንት ኮምፓኒ ድሕሪ 11 ዓመት ካብታ ጋንታ ክለቅቕ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
Published
ሓለቓ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ቪንሰንት ኮምፓኒ፡ ምስ ጋንትኡ ከም ዝፈላለ ብድሕሪ እቲ ትማሊ ዝረኸብዎ ዓወት ኤፍ ኤ ካፕ ኣፍሊጡ።
እቲ ወዲ 33 ዓመት ተጸዋቲ ክፍሊ ምኽልኻል፡ ምስ ጋንትኡ ኣርባዕተ ዋንጫታት ፕሪምየርሊግ፣ ክልተ ኤፍ ኤ ካፕን ኣርባዕተ ሊግ ካፕን ተዓዊቱ።
ኣብታ ጋንታ ኣብ ዝጸንሓሎም 11 ዓመታት ድማ ኣብ 360 ግጥማት ብምስላፍ 20 ሸቶታት ኣቑጺሩ።
ትማሊ ኣብ ዋንጫ ኤፍ ኤ ካፕ ምስ ዋትፎርድ ዝተራኸበት ጋንትኡ፡ 6 ብ 0 ክትዕወት ብምኽኣላ፡ ኣብ እንግሊዝ ኩሎም ናይ ውሽጢ ዓዲ ዋንጫታት ብምውሳድ ብጋንታ ደቂ ተባዕትዮ ቀዳማይ ኮይና'ላ።
ኮምፓኒ "ማን ሲቲ ኩሉ ነገር ሂባትኒ። ኣነ'ውን ብዝከኣለኒ ኩሉ ክኽሕሳ ፈቲነ እየ" ኢሉ።
"ሕዚ ግን ዝኸደሉ እዋን ኣኺሉ'ሎ። ኣብታ ፍልይቲ ጋንታ ኣብ ዝሕለፍክዎ ግዜ ካብ ጎነይ ንዘይተፈለዩ ከመስግን እፈቱ" ክብል ሓቢሩ።
ደገፍቲ ኣብ ጽቡቕን ሕማቕን እዋን ንዝገበሩሉ ኩሉ ነገር ኣመስጊኑ።
ኣቦ መንበር እታ ጋንታ ካልዱን ኣል-ሙባረክ "ንህዳሰ ሲቲ ኣበርክቶ ዝገበሩ ብዙሓት'ኳ እንተኾኑ፡ ክንዲ ኮምፓኒ ዝመጽእ ግን የለን" ኢሉ።
ኮምፓኒ ብዛዕባ መፃኢ ውሳንኡ "ኣብ ቀረባ እዋን" ወግዓዊ ከም ዝገብር ሓቢሩ።



















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
