ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ሰለስተ ቆልዑ ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም

ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ዝርከብ ዕዳጋ ታይዋን ብክፋል
Published

ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት፡ 396 ምርመራታት ከምዝተገበረን፤ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ 3 ተወሰኽቲ ሰባት ከምዝተረኸቡን ኣፍሊጡ።

ኩሎም ከኣ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ኮይኖም፡ እቲ ዝነኣሰ ወዲ 11 ዓመት ኮይኑ እቶም ዝተረፉ ድማ ወዲ 15 ከምኡ'ውን ወዲ 18 ዓመት እዮም።

እቶም በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ዝተገልጸ 3 ቆልዑ፡ ነበርቲ ድሬዳዋ ኮይኖም ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ ከምዝኾኑ እቲ ሚኒስትሪ ኣፍሊጡ።

እቶም ክልተ ናብ ጁቡቲ ተጓዒዞም ዝነበሩን ኣብ መወሸቢ ቦታ ዘለዉን ኮይኖም፡ እቲ ሓደ ግን ናብ ወጻኢ ዘይተጉዓዘ፡ ግን ድማ በቲ ቫይረስ ምስ ዝተትሓዘ ሰብ ርክብ ዝነበሮ እዩ።

በዚ መሰረት ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ዛጊድ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ዝተረጋገጸ ሰባት፡ 111 በጺሑ'ሎ።

ኢትዮጵያ፡ ክሳብ ሕዚ ብድምሩ 7953 ናይ ላብራቶሪ ምርመራታት ከምዘካየደት ትገልጽ።

ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ኢትዮጵያ 90 ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ክትትል ሕክምና ዝግበረሎም ዘሎ ኾይኑ፡ ካብኣቶም ሓደ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ይግበረሉ ከምዘሎ ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣፍሊጣ።

ክሳብ ሕዚ ድማ፡ 16 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓወዩ ይግለጽ።

ኣብታ ሃገር፡ 3 ሰባት ብሕማም ኮሮናቫይረስ ህይወቶም ስኢኖም እዮም።

ኮሮና
ኮሮና