ወዲ 98 ዓመት ገዲም ወተሃደር ካብ ኮሮናቫይረስ ሓውዩ

Published
ወዲ 98 ዓመት ብሪጣንያዊ ካብ ሕማም ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝሓወየ ተገሊጹ።
ዳግ ሙዝ፡ ዳግ ሙር፡ ኣብዚ ወርሒ ምልክታት ኮሮናቫይረስ ምስ ኣርኣየ ንሆስፒታል ተወሲዱ።
ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን ኣይእተው 'ምበር፡ ኣብ ሆስፒታል ተዓቑቡ ንሱሙናት ምስ ኮሮናቫይረስ ክቃለስ ቀንዩ እዩ።
ንሱ፡ ነቶም ህይወቱ ክረክብ ዝሓገዝዎ ሓካይምን ነርሳትን በቲ ዝገበሩሉ ክንክን ሓልዮትን ብልቢ ኣመስጊኑ።
ወላ እኳ ምስ ኮሮናቫይረስ ይቃለስ እንተነበረ፡ ኣብ ሆስፒታል ሕጉስ ግዜ ከምዘሕለፈ'ውን ገሊጹ።
ንሱ፡ ካብቲ ሆስፒታል ሓውዩ ክፋኖ እንከሎ፡ ስራሕተኛታት ሆስፒታል ተሰሪዖም ናይ መፋነዊ ጣቒዒትን ገይሮምሉ።
እዚ ገዲም ወተሃደር፡ ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ግብጺ ኣገልግሎቱ ከምዝበረን፡ ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ሽግራት ተጻዊሩ ከምዝሓለፈን ሓቢሩ።
ንኩሉ ሰብ ድማ፡ ኣብዚ እዋን ተስፋ ከይቆረጸ ነዚ ለባዳ ኮሮናቫይረስ ክቃለሶ ኣተባቢዑ።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
