ድምጺ ወያነ ብኻልእ ሳተላይት ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚራ

ኣርማ ድምጺ ወያነ
Published

ንሓደ መዓልቲ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይኑ ዝጸንሓ መደብር ቴሌቪዥን ደምጺ ወያነ፡ ሎሚ ብመገዲ ካልእ ናይ ሳተላይት መስመር ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ድምጺ ወያነን ቴሌቭዢን ትግራይን ካብ ትማሊ ኣጋ ምሸት ጀሚረን ካብ ሳተላይት ምእላየን ዝዝደከር እዩ።

እቲ መደበር፡ ናይ መስመር ('ፍሪኴንሲ') ለውጢ ከምዝገበረን፡ Frequency 11595፡ Polarization Vertical 09 ብዝብል እዩ መደባቱ ምፍናዉ ጀሚሩ ዘሎ።

ድምጺ ወያነ፡ ኣገልግሎት ራድዩ፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ስርዓት ደርጊ ቃልሲ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ በረኻ ዝተመስረተ ኾይኑ፡ ኣገልግሎት ምሃብ ካብ ዝጅምር ልዕሊ 45 ዓመት ኮይንዎ ኣሎ።

ኣገልግሎት ቴሌቪዥን ካብ ዝጅምር ድማ ልዕሊ ክልተ ዓመት ኮይኑዎ'ሎ።

መን እዩ ዓጽዩዎም?

እቶም ሚድያታት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ በቲ ልሙድ ሳተላይት ኣገልግሎት ምሃብ ዘቋረጹ እንትኾኑ፡ ነቲ ምቁራጽ ኣመልኪቱ ዛጊድ ካብ መንግስቲ ፌዴራል ኮነ ካብ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝተውሃበ መግለጺ የለን።

ብፍላይ መንግስታዊ ቴሌቪዥን ትግራይ ዛጊድ ኣገልግሎት ምሃብ ኣይጀመረን።

እቲ ስጉምቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝጸንሐ ዘይምቅዳው ናብ ዝኸፍአ ብርኪ ከምዝበጽሐ ዘርኢ'ዩ።

ብፍላይ ድማ፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተቓውሞታት ዝተወልዑ ኾይኖም፡ በዓልመዚ ብሮድካስቲን ኢትዮጵያ፡ ንኣስራት ቲቪን ኦኤምኤን ሓዊሱ መጠንቀቕታ ከምዝሃበ ዝዝከር እዩ።

እንተኾነ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ኩነታት ሚድያ ዝከታተል መንግስታዊ ትለል፡ ነቶም ሚድያታት መጠንቀቕታ ካብ ምሃብ ሓሊፉ ንክዕጸው ዝወሰኖ ነገር ከምዘየለ ትማሊ ንቢቢሲ ገሊጹ እዩ።

ሓለፍቲ መንግስታዊ ሚድያ ትግራይ ግን፡ ነቲ ኣገልግሎት ዝህብ ምቕማጡ ኣብ ፈረንሳይ ዝኾነ ትካል ሳተላይት፡ "ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ክዕጸው ከምዝተኣዘዘ ገሊጹልና" ክብሉ ምዝራቢም ጠቒስና ምጽብጻብና ዝዝከር እዩ።

ኣብዚ ጉዳይ ኣድሂብና፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ጸዕሪ ኣይሰመረን።