ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ምስ መንግስቲ ክላዘብ ድልው ድዩ?

መግለጺ ቪድዮ, ብሓባር ንምስራሕ ዝተበገሱ ሓሙሽተ ፖለቲካዊ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ
Published

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሃገራዊ ግንባር ኤርትራ፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ውድብ ሓድነት ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ከምኡ ድማ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዝተብሃላ ሓሙሽተ ፖለቲካውያን ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ፡ ብሓባር ንምስራሕ ከም ዘንቀላ ገሊጸን እየን። ብጠቕላላ ኣብዚ ሕብረት ልዕሊ 25 ውድባት ተጠርኒፈን ከም ዘለዋ ሰለስተ ካብ ኣቦመንበራት ናይተን ውድባት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ጻንሖት ተዛሪቦም።