ኣብ ክልል ትግራይ ሓደ ሓኪም ብሕማም ኮሮናቫይረስ ዓሪፉ

ምንጪ ስእሊ, ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ
ኣብ ክልል ትግራይ ሎሚ መዓልቲ ሓደ ሓኪም ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ህይወቱ ከምዝሓለፈት ተሓቢሩ።
ብኮሮናቫይረስ ተታሒዙ ዝሞተ ወዲ 42 ዶክተር ፍስሃዬ ኣለምሰገድ፡ ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዝለዓለ ሞያዊ ዓቕምን ኣበርክቶን ዝነበሮ ምሁር ምንባሩ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እቲ ክልል ገሊፁ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሎሚ ኣብ ትግራይ 59 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም'ሎ። ኣብቲ ክልል ዛጊድ 1015 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም ኣሎ።
ካብዚኦም 581 ካብቲ ቫይርስ ነፃ ኢኹም ተባሂሎም ነናብ ቤቶም ከምዝተፋነዉ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዝዘርገሖ ፀብፃብ የረድእ።
ዶ/ር ፍስሃየ ኣለምሰገድ መን እዩ
ዶ/ር ፍስሃየ ኣለምሰገድ ብ1970 (ግእዝ) ኣብ ወረዳ ዓድዋ ጣብያ ይሓ ተወሊዱ።
ቀዳማየዕ ብርኪ ትምህርቱ ኣብ ዓዲዃላ፣ 2ይ ብርኪ ድማ ኣብ ባህርዳር ተኸታቲሉ። መበል 12 ክፍሊ ብዝለዓለ ውፅኢት ምስወደአ ናብ ዩኒቨርስቲ ጅማ፡ ክፍሊ ትምህርቲ ሕክምና ኣትዩ፡ ብ1994 ከኣ ብሞያ ሕክምና ተመሪቑ። ካልኣይ ዲግሪ ድማ ብኢፕዶሞሎጂ (ምቁፅፃር ተላበድቲ ሕማማት) ብ1998 ወዲኡ።
ዶ/ር ፍስሃዬ፡ ካብ 1995 ጀሚሩ ኣብ ዩኒቨርስቲ ጅማ ብመምህርነትን ተመራማራይነትን ክሳብ ብደረጃ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር የገልግል ነይሩ።
ካብ መስከረም 2012 ጀሚሩ ድማ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም፡ ኣብ ምምሃርን ምርምርን ሰሪሑ። ዶ/ር ፍስሃዬ ብስሙን ምስ መሳርሕቱን ብምዃን ልዕሊ 50 መፅናዕታዊ ፅሑፋት ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ብምድላው ንሕትመት ዘብቀዐ ምሁር ነይሩ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምእታዉ፡ ብፍሉይ ንቢሮ ጥዕና ኣብ ምክልኻል ናይቲ ለበዳ ዕዙዝ ኣበርክቶ እንዳገበረ ዝፀንሐ ሓኪም'ዩ ነይሩ።
ዶ/ር ፍስሃዬ ኣለምሰገድ ብሕማም ኮረናቫይረስ ተታሒዙ ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክትትል ክግበረሉ ድሕሪ ምፅናሕ ባሕቲ ነሓሰ 2012 (07 ነሓሰ 2020) ሂወቱ ከምዝሓለፈ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ገሊፁ'ሎ።
























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
