ኢዜማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መግለጺ ከይህብ ብፖሊስ ተኸልኪለ ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Citizens for Social Justice
ፓርቲ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ)፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ ዝበሎ ‘‘ውራ መሬትን ፍትሓውነት ዝጎደሎ ዕደላ ሓበራዊ መንበሪ ኣባይትን’’ ኣመልኪቱ ሎሚ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክህቦ ተሊሙ ዝነበረ መግለጺ ብፖሊስ ከምዝተኸልከለ ገሊጹ፡፡
እቲ ውድብ ሎሚ ረፋድ ኣብ ራስ ሆቴል ክህቦ ተዳልዩ ዝነበረ መግለጺ ፖሊስ ከፍለ ከተማ ቂርቆስ ስለዝኸልከሎ ከምዝተዓናቐፈ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ውድብ ኣቶ ናትናኤል ፈለቀ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
‘‘ውራ መሬትን ፍትሓውነት ዝጎደሎ ዕደላ ሓበራዊ መንበሪ ኣባይትን’’ ብዝምልከት ካብ ህዝቢ ዝበጸሖ ጥቆማ መሰረት ብኣባላት ፈጻሚት ስራሕ እቲ ውድብ ዝምራሕ ሓደ ኮሚተ ተጣይሹ ጽንዓት ከምዘካየደ ዝገልጽ ኣቶ ናትናኤል፡ እቲ ሎሚ ብፖሊስ ዝተኸልከለ መግለጺ ውጽኢት እቲ ጽንዓት ንህዝብን ጋዜጠኛታትን ንምግላጽ ዝዓለመ ከምዝነበረ ሓቢሩ፡፡
ብተወሳኺ ከምቲ ኩሉሻብ ዝገብርዎ ነቲ ሆቴል ኣቐዲሞም ከምዘፍለጡን ናብ ሚኒስትሪ ሰላም ድብዳቤ ከምዘእተዉን ተዛሪቡ፡፡
ኮይኑ ግና ኩሉ ተዳልዩ ጋዜጠኛታት ኣብቲ ቦታ ተረኺቦምን መግለጺ ክህቡ ምስበሉ ‘‘ መግለጺ ክትህቡ ከምትኽእሉ ዝገልጽ ትእዛዝ ካብ ላዕለዋይ ኣካል ይምጸእና’’ ዝብሉ ፖሊስ ከምዝኸልከሉዎም ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኢዜማ ኣቶ ናትናኤል ፈለቀ ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡
ቅድም ክብል ኢዜማ ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ካብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ መብርሂ ሓቲቱ ከምዝነበረን እንተኾነ መልሲ ከምዘይረኸበን እቲ ሓላፊ ወሲኹ ገሊጹ፡፡
ምኽልካል እቲ መግለጺ ብዝምልከት፡ ቢቢሲ ካብ ፖሊስ መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ንግዚኡ ኣይሰመረን፡፡











![ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ኣቶ መለስ ዜናዊ [ጸጋም] ከምኡ'ውን ኣቶ ልደቱ ኣያሌው](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/879D/production/_113871743_1dd72b6c-7821-4bca-8314-9645bf4fd460.jpg.webp)







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
