ሽዱሽተ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዝ ብምድስካሉ ተቓዊሞም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሽዱሽተ ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ፡ ሃገሮም ንኢትዮጵያ እትገብሮ ሓገዝ ምጉዳሉ ብምቅዋም፡ ናብ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፐዮን ናብ ሚኒስተር ቤት ግምጃ ኣሜሪካ ስቴቨን መንቺንን ደብዳበ ጽሒፎም።
እቶም ኣባላት ኮንግረስ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ "ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ እትገብሮ ሓገዝ ምጉዳሉ ኣዝዩ ኣተሓሳሲቡና ኣሎ" ክብሉ ሻቕሎቶም ገሊጾም።
"እዚ ናይ ደገ ሓገዝ ከም ዝጎድል ምግባሩ፡ እምንቲ ምስ ዝኾነት ሃገርና ዘሎና ርክብ ኪንዮ ምብልሻው፡ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ዓቢይ ግድብ ህዳሴ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ዝግበር ዘተ ዝህልዋ ተሳትፎን ዘይሻራውነትን ኣብ ሕቶ ዘእቱ እዩ" ኢሎም።
ነቲ ደብዳበ ዝጸሓፉ ኣባላት ባይቶ፡ ጄሰን ክሮው፣ ኢልሃን ኦማር፣ ኮኒን አልሬድ፣ ጆህን ግራሜንዲ፣ ጆይስ ቤቲን ጄራልድ ኮንሊይን እዮም።
ኣሜሪካ፡ ብምኽንያት እቲ ኢትዮጵያ ትሃንጾ ዘላን ዛጊት ምስ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ዝተኻየዱ ዝርርባት መዕለቢ ዘይተረኸቦ ጉዳይ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ፡ ንኢትዮጵያ ክትህብ ወጢናቶ ንዝነበረት ከባቢ 130 ሚልዮን ዶላር ደው ከተብሎ ምዃና ብማዕከናት ዜና ዓለም ተቓሊሑ ነይሩ።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ፡ ፍጹም ኣረጋ ኣብቲ ጉዳይ ንሰብ መዚ ኣሜሪካ ተወኪሱ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ንኢትዮጵያ ዝወሃብ ሓገዝ ደው ዝበለ "ንግዚኡ" ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ግድብ ዝህነጽ ዘሎ ካብ "ኢትዮጵያውያን ብዝተዋጽአ" ገንዘብ ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ነቲ ደብዳበ ዝጸሓፉ ሽዱሽተ ኣባላት ኮንግረስ፡ "እዚ ፕሮጀክት ንኢትዮጵያውያን ሃገራዊ ኩርዓት እዩ፤ ኣብቲ ዞባ'ውን ቁጠባዊ ዕብየት ብምቅልጣፍ፡ ብሚልዮናት ንዝቑጸሩ ዜጋታት ቀረብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ክረኽቡ ከሕግዝ'ዩ" ኢሎም።
እቶም ኣባላት ኮንግረስ፡ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ልዕሊ 100 ዓመታት ከም ዘለዎ ብምዝኽኻር፤ ኣብ ኣሜሪካ'ውን ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ኢትዮጵያዊ ትውልዲ ዘለዎም ሰባት ከም ዝርከቡ ኣብሪሆም።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዋና ናይ ጸጥታ መሻርኽቲ ኣሜሪካ እያ ዝበሉ እቶም ኣባላት ኮንግረስ፤ ኣብ ሶማል ንዝተዋፈረ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ትጻወቶ ዘላ ተራ ዓቢ ምዃኑን ከም ኣልሸባብ ዝኣመሰሉ ኣሸበርቲ ጉጅለታት ኣብ ምቅላስ ቀንዲ መሻርኽቲ ምዃና ገሊጾም።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን 'ፎሬይን ፖሊሲ' ዝተባህለ መጽሄት መንግስቲ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ካብ ዝሰልዖ ድጋፍ፡ 130 ሚልዮን ዶላር ክስሕብ ከም ዝወሰነ ናይ ውሽጢ ምንጭታት ብምጥቃስ ምጽብጻቡ ይዝከር።





















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
