ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ኣብዓላ፡ ሰለስተ መናእሰይ ብፖሊስ ተቐቲሎም

ዓይደር ሆስፒታል
Published

ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ኣብዓላ (ሽኸት) ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ናይቲ ክልል ምስ መናእሰይ ተጓኒጾም ንሰለስተ መናእሰይ ከም ዝተቐተሉን ንትሸዓተ ካልኦት ድማ ከም ዘቑሰሉን መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

እታ ከተማ፡ ምስ ትግራይ ኣብ ዝዳወብ ከባቢ እትርከብን ንከተማ መቐለ’ውን ዝቐረበትን እያ።

ምስ’ዚ ጎንጺ ብዝተኣሳሰር፤ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ክፍሊ ሃንደበታዊ ሕክምና፡ 6 ሰባት ሕክምናዊ ረድኤት ይወሃቦም ከም ዘሎ ሓላፊ ናይቲ ክፍሊ ሕክምና ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ዓይኒ “ዓመታዊ ንዝኽበር በዓለ መስቀል: ንዳሜራ ዝኸውን ኦም ቆሪፆም ኣብ ልዕሊ ዘዳልዉ ዝነበሩ መናእሰይ: ፍሉይ ሓይሊ ዓፋር ጠያይቲ ተኩሱ” ይብሉ።

ከንቲባ ከተማ ኣብዓላ (ሽኸት) ኣይተ ጣሂር ሓሰን ግን ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ንዝተኣወጀ ናይ ዘይምእካብ እገዳ ዝጠሓሱ መናእሰይ እዮም ምስ ፖሊስ ተጋጭዮም ይብል።

ወሲኹ ድማ “ካብ ካልእ ከባቢ ዝመፅኡ መናእሰይ ንህዝብታት ትግራይን ዓፋርን ንምልታም ሓሲቦም ዘንቀልዎ እዩ” ዝብል ግምት ከምዘለዎ’ኳ እንተገለጸ፡ እቶም ካብ ካልእ መጺኦም ዝበሎም መን ምዃኖም ግን ኣይጠቐሰን።

ኣካላት ፀጥታ ክልል ትግራይ ድማ፡ ናብ ክልል ዓፋር ክኣትዉ ከምዘይኽእሉን ይኹን እምበር ብቐረባ ይከታተልዎ ከምዘለዉን ንቢቢሲ ገሊጾም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፡ ናብታ ከተማ ብምእታው ነቲ ጎንፂ ከረጋግእ ከምዝጀመረ ሓበሬታ ኣሎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ከተማ ኣብዓላ (ሽኸት) ብተነፃፃሪ ርግኣት እንተሃለወ'ውን ሬሳ እቶም መናእሰይ ክሳብ ሕዚ ኣብ ሆስፒታል ኣብዓላ ከም ዝርከብ ነበርቲ ገሊፆም። በቲ ጎንፂ ኣብታ ከተማ ማዕፆን መሳኹትን ካልኦት ንብረትን ከም ዝዓነወ እውን መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብ ከተማ ኣብዓላ (ሽኸት) ዝነብሩ ተጋሩ ንዓመታት ዝፀነሐ: ሕቶ ርእሰ ምሕደራ ከምዝሓቱ ይፍለጥ። ብፍላይ ደቆም ብቋንቋ ትግርኛ ክመሃሩ: ባህሎምን ታሪኾምን ብቋንቆኦም ክዕቅቡ ሕቶ ቅድሚ ሎሚ ብተደጋጋሚ ከምዘቕረቡ ይዝከር።