ህንዲ፡ ታጅ መሃል ድሕሪ ነዊሕ እዋን ንበጻሕቲ ክፉት ኮይኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ህንዲ ሓደ ካብ ቀንዲ መስሕብ በጻሕቲ ዝኾነ ህንጻ ታጅ መሃል ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ተዓጽዩ ድሕሪ ምጽናሕ ንበጻሕቲ ርሑው ኮይኑ።
ታጅ መሃል፡ ህንዲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ምሉእ ዕጽዋ ምስ ኣወጀት’ዩ ተዓጽዩ።
ህንጻ ታጅ መሃል ኣብ መዓልቲ ትሕቲ 5000 ሰባት ጥራይ ክቕበልን እቶም ናብ ታጅ መሃል ምብጻሕ ዘካይዱ ሰባት ኩሉ ዓይነታት ጥንቃቐታት ብምግባር ምብጽሖም ከካይዱ ክግደዱ እዮም።
ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ህንጻ ታጅ መሃል ኣብ መዓልቲ 70 ሽሕ በጻሕቲ ዝቕበል ዝነበረ ሓደ ካብ መስሕብ በጻሕቲ ዓለም እዩ።
ታጅ መሃል ኣብ 17 ክፍለ ዘመን ብገዛኢ ስሃን ጃሃን ንዝኽሪ ብዓልቲ ቤቱ ንግስቲ ሙምታዝ መሃል ብእምነ በረድ ዝተሰርሕ ዓቢ ህንጻ እዩ።
እዚ ህንጻ ኣብቲ ተዶኵኑሉ ዘሎ ከተማ ኣግራ ኣብ 1978 ዕልቅልቕ ኣብ ዘጋጠመሉን ኣብ 1971 ኣብ ሞንጎ ህንድን ፓኪስታንን ኵናት ምስ ተወለዐ ንውሑዳት መዓልታት ተዓጽዩ ምንባሩ ይዝከር።
እንተኾነ፡ እዚ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተዓጸዎ ግን እቲ ዝነወሐ ግዜ እዩ።
ናብዚ ህንጻ ምብጻሕ ዘካይዱ በጻሕቲ ንብሕቶም እምበር ተኣኪቦም ክስኣሉ ኣይክፍቀደሎሙን እዩ።
ህንዲ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ከተመዝግብ እንከለላ፡ ታጅመሃል ዝርከበሉ ኡታር ፕራዲሽ ዝተብሃለ ዞባ ድማ ካብ ህንዲ ብመልከፍቲ ኣብ ሓሙሻይ ደረጃ ተሰሪዑ ዝርከብ ዞባ እዩ።























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
