ባይቶ ክልል ትግራይ፡ ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብዘይድምፂ ንምስታፍ ኣዋጅ ኣፅዲቑ

Published
ባይቶ መንግስቲ ትግራይ: ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብ ቤት ምኽሪ ብዘይድምፂ ንምስታፍ ዘኽእሎም ሓድሽ ኣዋጅ ኣፅዲቑ።
ብመሰረት እቲ ኣዋጅ: ካብቲ ስሩዕ ብድምፂ ህዝቢ ዝተረኸበ 190 መናብር ወፃኢ: ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብዘይድምፂ ዝሳተፍሉ ተወሰኽቲ 15 መናብር ፈቒዱ ኣሎ።
ብመሰረት እቲ ኣዋጅ: ካብቲ ስሩዕ ብድምፂ ህዝቢ ዝተረኸበ 190 መናብር ወፃኢ: ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብዘይድምፂ ዝሳተፍሉ ተወሰኽቲ 15 መናብር ፈቒዱ ኣሎ።
እቲ ኣፈፃፅማ ሽንሸና መናብር: ነቲ ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብድማር ዝረኸብዎ ልዕሊ 183 ሽሕ ድምፂ ን15 መናብር ይመቅል።
ብመሰረት እዚ : ውድብ ባይቶና 7: ውድብ ናፅነት ትግራይ 5: ውድብ ሳልሳይ ወያነ 2 ከምኡ እውን ዴሞክራስያዊ ውድብ ዓሲምባ 1 መናብር ክረኽቡ ኣፅዲቑ።
ናብ ባይቶ መንግስቲ ትግራይ ንምእታው ኣብ ዝተግበረ ፃውዒት ውድባት ናፅነት ትግራይ ዴሞክራስያዊ ውድብ ዓሲምባን ከምዝተቐበልዎ ትማሊ ብዕሊ ኣፍሊጦም እዮም።
ውድብ ሳልሳይ ወያነ ዘይተቐበልዎ እንትኾን: ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ገና ኣየፍለጡን።
እቲ ዕድል ነቶም ኣብ መረፃ ትግራይ 2012 ዝተሳተፉ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ጥራይ ከምዝምልከት ኣብቲ ኣዋጅ ተሓቢሩ ኣሎ።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
