ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ምስ ዝሰዓበ ዕግርግር ብዝኣሳሰር ኣብ ልዕሊ 5 ሽሕ ሰባት ክሲ ተመስሪቱ

ምንጪ ስእሊ, Fana
ዋና ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ቅትለት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ምስ ዝተፈጥረ ዕግርግር ብዝተኣሳሰር ኣብ ልዕሊ 5,700 ሰባት ክሲ ከም ዝመስረተ ሓቢሩ።
ዋና ኣኽባር ሕጊ ኣብ ዙርያ ቅትለት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ስዒቦም ዝተፈጸሙ ገበናት ክገብሮ ዝጸንሐ መርመራ ከም ዝዛዘመ'ውን ኣፍሊጡ።
በዚ መሰረት፡ ኣኽባር ሕጊ ኣብ ልዕሊ 5,728 ሰባት፡ ኣብ መንነት ዘተኮረ ጎንጺ ኣለዓዒልኩም ዝብል ክሲ ከም ዝመስረተ፡ ሎሚ ምስ ዋና ኣኽባር ሕጊ ክልል ኦሮምያ ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሩ።
ዋና ኣኽባር ሕጊ ፌደራል፡ ጌዲዎን ጢሞቲዎስ፡ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ምስ ዝተፈጥረ ዕግርግር ብዝተኣሳሰር ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ሰባት መርመራ ተዛዚሙ ካብ ዝቕጽል ሰሙን፡ ክሲ ምምስራት ከም ዝጅምር ብሓሙስ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ብመንጽር እቲ ዝተፈጸመ ገበን፡ ቁጽሪ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው ሰባት ልዑል ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ ዋና ኣኽባር ሕጊ፡ ኣብቲ ገበን ዝተሳተፉ ሰባት ብዙሓት ብምዃኖም፡ ብዙሓት ድማ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተው ኣብሪሁ።
ካብ መንጎ እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ፡ ፖለቲከኛታት ከም ዘለው ዘዘኻኸረ ኣቶ ጌዲዎን፡ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ፖለቲከኛታት ብፖለቲካዊ ተሳትፎኦም ኣይኮነን ኢሉ።
መርመራ እቲ ገበን፥ ዋና ኣኽባር ሕጊ ፌደራል፡ ፖሊስ ፌደራል፡ ዋና ኣኽባር ሕጊ ኦሮምያን ፖሊስ ኦሮምያን ክካየድ ከም ዝጸንሐ ምኽትል ዋና ኣኽባር ሕጊ ፌደለራል ፍቓዱ ጸጋ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተዛሪቡ።
ካብ'ቶም ክሲ ዝተመስረተሎም፡ 3377 ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ፌደራል እቶም 2351 ድማ ብዋና ኣኽባር ሕጊ ኦሮምያ ክሲ ከም እተመስረተሎም ተገሊጹ።
ብመንጽር ብዝሒ ተጠርጠርትን ስፍሓት እቲ ገበንን፡ እቲ ናይ መርመራ ጊዜ ከም ዝተናውሐ ኣቶ ፍቓዱ ጸጋ ሓቢሩ።
ንኡስ ተሳትፎ ገበን ዝነበሮም ሰባት'ውን ጉዳዮም እናተራእየ ካብ ዝቕጽል ሰሙን ጀሚሩ ብዋሕስ ከም ዝፍትሑ ገሊጹ።
ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ፡ ኣብ ኦሮምያ ብዝተኸስተ ዕግርግር፡ ናይ 167 ሰባት ህይወት ምሕላፉ ተገሊጹ እዩ። ብዘይካ'ዚ 360 ሰባታ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከጋጥሞም እንከሎ፡ ልዕሊ 4.67 ቢልዮን ዝግመት ንብረት ከም ዝዓነወ ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ።






















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
