ሆላንድ፡ ብዘይድሕን ሕማም ዝሳቐዩ ህጻናት ብሕክምና ክሞቱ ፈቒዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ሆላንድ፡ ብዘይድሕን ሕማም ንዝሳቐዩ ካብ 1 ክሳብ 12 ዚዕድመኦም ህጻናት ብሕክምና ክሞቱ ዝፈቅድ ሕጊ ኣጽዲቑ፡፡
ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ሁጎ ዲ ጆንጌ፡ ነቲ ሓድሽ ሕጊ ንገለ ህጻናት ‘‘ካብ ተስፋ ዘይብሉን ከቢድን ስቓይን’’ ዘገላግል እዩ ክብል ገሊጹዎ፡፡
ብሕጊ ኔዘርላንድስ፡ ካብ ወለድን እቲ ሕሙምን ብዝርከብ ፍቓድ፡ ካብ 12 ዓመት ንላዕሊ ዝኾነ ብዘይድሕን ሕማም ዝሳቐ ሰብ ብመድሓኒት ክመውት ምግባር ፍቑድ እዩ፡፡
ትሕቲ ሓደ ዓመት ዕድመ ዝኾኑ ተመሳሳሊ ጸገም ዘለዎም ህጻናት እውን ብፍቓድ ወለዶም ብሕክምና ክዓርፉ ምግባር ይከኣል እዩ፡፡
እዚ ኣካታዒ ሓድሽ ሕጊ፡ ኣብ ኣባላት እቲ ብኣርባዕተ ሰልፊታት ዝቖመ መንግስቲ እውን ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ሓያል ክትዕ ኣልዒሉ እዩ፡፡
ካብ ዓቃባውያን ክርስትያናዊ ሰልፊታት እውን ብርቱዕ ተቓውሞ ኣጋጢምዎ ነይሩ፡፡
ኮይኑ ግና: ካብ ሓካይምን ወለድን፡ ክድሕን ዘይክእል ከቢድ ሕማም ዘለዎም ህጻናት ብመድሓኒት ህይወቶም ክቋረጽ ዘሎ ድልየት ልዑል ብምዃኑ እቲ ሓድሽ ሕጊ ከምዘድለየ ሚኒስተር ጥዕና ዲ ጆንጌ ሓቢሩ፡፡
ብተወሳኺ፡ በቲ ሓድሽ ሕጊ ዓመታዊ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 10 ህጻናት ብሕክምና ክዓርፉ ከምዝኽእሉ ብምግላጽ፡ ነቲ ሕክምና ዝፍጽሙ ሓካይም ብሓላፍነት ከምዘይሕተቱ ተዛሪቡ፡፡
ኣብ ዝቕጽሉ ውሑዳት ኣዋርሕ ተግባራዊ ከምዝግበር ዝተገለጸ እቲ ሕጊ፡ ኣብ ሓደ ህጻን ተፈጻሚ ክኸውን ብውሑድ ክልተሓካይም ክሰማምዕሉ ይግባእ፡፡
ኣብ ሆላንድ፡ ካብ 2002 (ኣውሮጳ) ብዘይድሕን ሕማም ዝሳቐዩ ሰባት ብሕክምና ክሞቱ ምግባርን (Euthanasia)፡ ብሰብ ሞያ ተሓጊዙ ዝግበር ዓርሰ ቕትለትን (Assisted suicide) ብሕጊ ከምዝፍቀድ ይፍለጥ፡፡
ጎረቤታ ዝኾነት ቤልጅየም እውን ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ተመሳሳሊ ሕጊ ኣውጺኣ እያ፡፡





















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
