ኣብቲ ዝዛዘም ዘሎ 2013 ዓመተ ምህረት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተርኣዩ ቁጠባዊ ክስተታት

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES/BBC
ኢትዮጵያ 2013 ዓ/ም ኣቆጻጽራ ግእዝ ሰንያ ሓድሽ ዓመት ክትቅበል ቁሩብ መዓልቲታት እዩ ተሪፍዋ ዘሎ። እቲ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት ምልስ ኢልና እንተርእይናዮ እታ ሃገር ብሰንኪ ኲናት ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዝሰኣነትሉ፣ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ተፈናቒሎም ኣብ ጸገም ዝወደቑሉን ከቢድ ናህሪ ዋጋ፡ ህይወት ብዙሓት ዜጋታት ኣብ ዝፈታተነሉ ኩነታት ኮይኑ ጉዕዝኡ ጠቕሊሉ ይኸይድ ኣሎ፡፡
ኣብ ፈታኒ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ እትርከብ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ዝውዳእ ዘሎ ዓመት ቀንዲ ርእሰ ጉዳይ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ናይ ሓያላት ሃገራት መዘራረቢ ኣርእስቲ፣ ኣብ መራሕታ ናይ ጉዕዞ እገዳ ተነቢሩን ቀንዲ ዛዕባ መራኸቢ ብዙሓን ዓለም ኮይናን እያ።
እታ ሃገር ምስ ኲናት ትግራይ ተተሓሒዙ ብጥምየትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ሽማ ተደጋጊሙ ዝለዓል ኮይና ኣላ፡፡ ብተወሳኺ ኮሮናቫይረስ ኣብታ ሃገር ጸቕጢ ዝፈጥር ዘሎ ኮይኑ ኣብታ ሃገር ብዙሕ ጸገማት ዝተርኣየሉ ዓመት ምንባሩ ዝከሓድ ኣይኮነን፡፡
እዚ ዓመት ከቢድ ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ዝተርኣየሉ፣ ብሰንኪ ቁጠባዊ ቅልውላው ብዙሐት ኤምባሲታት ዝተዓጸዉሉ፣ መተዓዳደጊ ገንዘብ ዝተቐየረሉ፣ ሓድሽ ናይ ቴሌኮም ፍቓድ ዝተውሃበሉ፣ ንግዲ ሕጊ ዝተመሓየሸሉን እውን ነይሩ፡፡
ንምዃኑ እቶም ቀንዲ ቁጠባዊ ክስተታት እንታይ ነይሮም? ከምዝስዕብ ዳህሲስናዮም ኣለና።
ኵናት ትግራይ ዘስዓቦ ቁጠባዊ ቅልውላው
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ህይወት ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብምብልዑ ብተወሳኺ ከቢድ ሰብኣውን ቁጠባውን ቅልውላው ኣስዒቡ እዩ፡፡
እታ ሃገር ነቲ ኲናት ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ወጻኢ ከምዝገበረት ዝገልጽ ዕላዊ መረዳእታኳ እንተዘይሃለወ፡ ትሬዲንግ ኢኮኖሚክስ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዝሃቦ ትንበያ፡ ወታሃደራዊ ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ መወዳእታ ዝመጽእ ወርሒ ታሕሳስ 502 ሚልዮን ዶላር ክበጽሕ እዩ ኢሉ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወጻኢኣ 460 ሚልዮን ዶላር ነይሩ፡፡
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ እውን፡ እቲ ኲናት ነታ ሃገር ካብ ግምጃኣ ሓደ ቢልዮን ዶላር ክተውጽእ ገይሩዋ ኢሉ እዩ፡፡ ሃብታ ኣብቲ ኲናት ካብ ምፍሳሳ ብተወሳኺ ካብ ትግራይ እትረኽቦ ዝነበረት ኣታዊ እውን ስኢና፡፡
እቲ ኲናት ምስተጀመረ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ክእክቦ ዝነበረ 2 ቢልዮን ብር ከምዝሰኣነ ሚኒስተር ኣታዊ ኢትዮጵያ ምግላጹ ይዝከር፡፡
እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ወርሒ ጥሪ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣብቲ በጀት ዓመት ካብ ትግራይ 7.8 ቢልዮን ብር ንምእካብ ትልሚ ከምዝነበሮ ኣፍሊጡ ነይሩ፡፡ ቅድሚ እቲ ኲናት ኣብ ዝነበሩ ሰለስተ ኣዋርሕ 1.8 ቢልዮን ብር ካብቲ ክልል ተኣኪቡ እዩ፡፡
ክልል ትግራይ ካብቶም ብዙሕ ግብሪ ዝኸፍሉ ክልላት እትጥቀስ ኮይና እታ ሃገር ናብ ወጻኢ ካብ እትልእኾ ምህርቲ እቲ ትሸዓተ ምኢታዊት ኣብ ትግራይ ዝፈርይ እዩ፡፡
ሓፈሻዊ ቁጠባዊ ዕብየት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2020 ኣኣ ካብ ዝነበሮ 6 ምኢታዊት ኣብ 2020 ብኽልተ ምኢታዊት ጥራሕ ከምዝዓቢ እዩ ዝግመት፡፡ እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ካብ ዝተርኣየ እቲ ዝተሓተ ከምዝኾነ ጸብጻብ ኣይኤምኤፍ የመልክት፡፡
ምቕያር መተዓዳደጊ ገንዘብ
ኢትዮጵያ ንልዕሊ 20 ዓመታት ክትጥቀመሎን ዝጸንሑ ናይ 10፣ 50ን 100ን መተዓዳደጊ ቅርሺታት ብምቕያር እያ ቁጠባዊ ምምሕያሽ እዚ ዓመት ዝጀመረት፡፡
ኣብ ታሪኻ ንፈለማ እዋን ናይ 200 ብር መተዓዳደጊ ቅርሺ ኣሐቲማ፡፡ እታ ሃገር ነቲ መተዓዳደጊ ገንዘብ ኣብ እትቕይረሉ ካልኦት ወጻኢታት እንከይሓወሰ ንሕትመት ጥራይ 3.7 ቢልዮን ብር ወጻኢ ከምዝበረት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብቲ ቕንያት ገሊጹ ነይሩ፡፡
ቁጠባ ንምዕባይ፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ምትራፍ፣ ምርግጋእ ናህሪ ዕዳጋን ኣታዊ መንግስቲ ንምዕባይን ዝብሉ ድማ እቶም ገንዘብ ንምቕያር ዝተጠቐሱ ምኽንያታት ነይሮም፡፡
ሓደ ሰብ ከቐምጦ ዝኽእል መጠን ገንዘብ 1.5 ሚልዮን ብር ምዃኑ፣ ውልቀ ሰባት ኣብ መዓልቲ ከውጽእዎ ዝኽእሉ መጠን 200 ሽሕ ብር፣ ከምኡ እውን ትካላት መዓልታዊ ወጻኢ ክገብርዎ ዝኽእሉ መጠን 300 ሽሕ ብር ምዃኑ ዝገልጹ ናይ ገደብ መምርሒታት ሕቶ ዘልዓሉ ነይሮም፡፡
ከቢድ ናህሪ ዋጋ
ኣብ ኢትዮጵያ እናተጋደደ ዝመጸ ዝቕባበ ናይ ብዙሕ ነባራይ ከተማ ህይወት እናተፈታተነን ዘይውጻእ ዓቐብ እናኾነን መጺኡ እዩ፡፡ ምኽባር ዕዳጋ ዘመልክት መጠን ዝቕባበ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናብ 30.4 ምኢታዊት ደይቡ፡፡
ሓበሬታ ኤጀንሲ ስታቲስቲክስ ኢትዮጵያ ከምዘመልክቶ ኣብ ወርሒ ነሓሰ መጠን ዝቕባበ ዋጋ ምግቢ ካብ 32 ምኢታዊት፡ እታ ሃገር ርእያቶ ናብ ዘይትፈልጥ 37.6 ምኢታዊት ዓብዩ፡፡
ምግቢ ናይዘይኮኑ ሸቐጣት ዋጋ ድማ ካብ 19 ናብ 20.8 ምኢታዊት ደይቡ፡፡
ኣብቶም ኲናት ዝካየደሎምን መሰረታዊ ኣገልግሎት ዘይብሎምን ቦታታት ናህሪ ዋጋ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኮይኑ መሰረታዊ ሸቐጣት ከምዝተስኣነ እውን ካብቶም ከባቢታት ዝወጹ ሓበሬታታት የረድኡ፡፡
ኣብታ ሃገር ንዓመታት ዝጸንሐ ዝተዛበዐ ናይ ንግዲ ስርዓት ብፍላይ ዘይተጣጠነ ንግዲ ኣታውን ወጻእን፣ ኲናትን ዘይምርግጋእን፣ ናይ ብር ምድኻም ዝፈጥሮ ዝቕባበ፣ ምዝሕሓል ንግዲ ወጻኢ፣ ሕጽረት ሸርፊ ወጻእን ተደራሪቦም ንናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ኣበርክቶ ይገብሩ ኣለዉ፡፡
ምኽባር ሸርፊ ወጻኢ
ንዓመታት ከቢድ ጸገም ኮይኑ ዝቐጸለ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ኣብዚ ዓመት እውን ኣዐርዩ ተጋዲዱ እዩ፡፡
ሓደ ዶላር ኣመሪካ ኣብ ባንኪታት 45.6 ብር ዝሽየጥ ዘሎ ኮይኑ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ድማ ኣስታት 70 ብር ይበጽሕ፡፡ እዚ ኣፈላላይ ድማ ንሰብ ሞያ ቁጠባ ኣሻቒልዎም ኣሎ፡፡
ምኽንያት ምድኻም ዋጋ ብር ካብቲ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ኣምሓራን ዓፋርን ዝተጋፈሐ ኲናት ብተወሳኺ ብር ግቡእ ተመን ክህልዎ ናይ ዘይምግባር ጸገምን ናይ ንግዲ ሚዛን ጉድለትን ከምዝኾኑ ሰብ ሞያ ይሕብሩ፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ኣስታት 14 ቢልየን ዶላር ዝግመት ዋጋ ዘለዎም ሸቐጣት ካብ ወጻእ እተምጽእ ኮይና 3.4 ቢልዮን ዶላር ጥራይ ዘውጽኡ ኣቑሑት ሰደድ ትገብር፡፡
ሓድሽ ፍቓድ ቴሌኮም
ኢትዮጵያ ነቲ ን 126 ዓመታት ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ክመሓደር ዝጸንሐ ዓውዲ ቴሌኮም ብምኽፋት ንናይ ውልቀ ትካላት ፍቓድ ዝሃበት ኣብዚ ዓመት እዩ፡፡
ኣብቲ ናይ ዕዳጋ ብጽሒት ንምሃብ ዝወጸ ዓለም ለኻዊ ጨረታ ብኬንያዊ ሳፋሪኮም ዝምራሕ ልፍንቲ ብ 850 ሚልዮን ዶላር ስዒሩ፡፡
እቲ ዓለም ለኻዊ ትሕብብር ንኢትዮጵያ ዝተባህለ ልፍንቲ ኣብቲ ዓውዲ ናይ ዝተዋፈሩ ፍሉጣት ኩባንያታት ጥምረት ኮይኑ ሳፋሪኮም፣ ቮዳኮም ግሩፕን ሲዲሲ ግሩፕን ይርከቡዎም፡፡
እቲ ልፍንቲ ካብ መጻኢ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ምሃብ ክጅምር እዩ፡፡
ኢትዮቴሌኮም እውን 40 ምኢታዊት ንሰብ ሃፍቲ ወጻእን 5 ምኢታዊት ንኢትዮጵያውያንን ብምሻጥ 55 ምኢታዊት ሒዙ ክቕጽል እዩ ተባሂሉ ኣሎ፡፡
ኣለቃሕቲ ወጻኢ ልቓሕ ንምሃብ ምስገኦም
ቀንዲ ኣለቃሕቲ ኢትጵያ ዝኾኑ ትካላት ገንዘብ 11 ቢልዮን ዶላር ዝኸውን ልቓሕ ንምሃብ ፍቓደኛታት ከምዘይኮኑ እዩ ዝግለጽ፡፡
ቀንዲ ስግኣት እቶም ትካላት ነታ ሃገር ተወሳኺ ልቓሕ ምሃብ ዝገደደ ጸቕጢ ዝፈጥረላን ናይ ምኽፋል ዓቕማ ዝበኣሰ ዘጋድድን ክኸውን ይኽእል እዩ ካብ ዝብል ይብገስ፡፡
ቻይናዊ ኤክዚም ባንክ 339 ሚልዮን ዶላር፣ ኢንተርናሽናል ደቨሎፕመንት ኣሶሴሽን 3.3 ቢልዮን ዶላር፣ ኣይኤምኤፍ 2.7 ቢልዮን ዶላር፣ ቻይና 1.4 ቢልዮን ዶላርን ካልኦትን ክህብዋ ተባሂሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ልቓሕ ኣብዚ ዓመት ክለቁ ከምዘይከኣሉ እዩ ተገሊጹ፡፡
ምስዚ ብዝተሓሓዝ ህንጸት ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ልምዓት ክተኣጓጎል ከምዝኽእል ስግኣት ኣሎ፡፡
ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውዝፍ ዕዳ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ 2.4 ትሪልዮን ብር ከምዝበጸሐ ንሚኒስትሪ ገንዘብ ብምጥቃስ ሪፖርተር ኣብዚ ሰሙን ገሊጹ፡፡
ብሄራዊ ባንክ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝገበሮ ለውጢ ሸርፊ ብር ምኽንያት ናይ ብር ናይ ምግዛእ ዓቕሚ ኣዐርዩ ብምድኻሙ ሓፈሻዊ ዕዳ እታ ሃገር ብ 22.5 ቢልዮን ብር ከምዝዓበየ እውን እቲ ጸብጻብ የመልክት፡፡
ዕዳ እታ ሃገር ኣብዚ ዓመት 60 ቢልዮን ዶላር ወይ ድማ ካብ ጠቕላላ ምህርቲ ውሽጢ ዓዲ 70 ምኢታዊት ከምዝበጸሐ እውን ተገሊጹ፡፡






















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
