ዓዲ እንግሊዝ ኤርትራ ንእትርከበን 47 ሃገራት ካብ ቀይሕ ዝርዝር መገሻ ኣውጺኣ

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ዓዲ እንግሊዝ ኤርትራ ንእትርከበን 47 ሃገራት ካብ ቀይሕ ዝርዝር ዓለምለኻዊ መገሻ ኣውጺኣ። እቲ ሓድሽ መምርሒ ካብ ሰኑይ 11 ጥቅምቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ኮይኑ፡ ኣብቲ ሊስታ ሸውዓተ ሃገራት ጥራይ ተሪፈን ኣለዋ።
ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ኣስመራ ነቲ ሓድሽ መምርሒ ኣመልኪቱ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ "ዓዲ እንግሊዝ ንኤርትራ ካብ ቀይሕ ሊስታ መገሻ ኮቪድ-19 ብምውጽኣ ሓጎሰይ ክገልጽ እፈቱ" ኢሉ።
በዚ መሰረት ዝኾነ ካብ ኤርትራ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝገይሽ ሰብ ካብ ሰኑይ ንደሓር ን10 መዓልታት ኣብ ሆቴል ክውሸብ ኣይከድልዮን እዩ።
ምሉእ ክታበት ኮቪድ 19 ዝወሰደ ምስ ዝኸውን ድማ ነብሰ ምግላል ክገብር'ውን ከም ዘየድልዮ እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ሕጂ ኣብቲ ቀይሕ ሊስታ ዓለምለኻዊ መገሻ ኮቪድ 19 ተሪፈን ዘለዋ ሃገራት፥ ኮሎምብያ፣ ዶሚኒካን ሪፓብሊክ፣ ኤኳዶር፣ ሀይቲ፣ ፓናማ፣ ፔሩን ቬነዝወላን እየን።
ብዘይካ'ዚ ካብ ብራዚል፡ ጋና፡ ሆንግ ኮንግ፡ ህንዲ፡ ኬንያ፡ ፓኪስታን ደቡብ ኣፍሪቃን ቱርክን ዝርከብወን 37 ሃገራት ዝመጽኡ ኣፍልጦ ንዝተዋሃቦ ምሉእ ክታበት ኮቪድ 19 ዝወሰዱ ገያሾ'ውን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምስኣተው ናይ ካልኣይ መዓልቲ መርመራ ጥራይ'ዮም ክገብሩ ክግደዱ።
እቶም ምሉእ ኣፍልጦ ዝተወሃቦ ክታበት ዘይወሰዱ ግና ቅድሚ ምብጋሶም፣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ድሕሪ ምእታዎም ከኣ ኣብ መበል ካልኣይን ሻምናይን መዓልቲ መርመራታት ኮቪድ ክገብሩን ን10 መዓልትታት ኣብ ሆቴል ነብሰ ምግላል ክገብሩን ክግደዱ እዮም።
ብሪጣንያ ኣፍልጦ ሂባቶም ዘላ ክታበታት፥ ኦክስፎርድ/ኣስትራዘኔካ፣ ፒፋይዘር ባዮኤንቴክ፣ ሞደርናን ጃንሰንን እዮም።
ነቲ ክታበት ቅድሚ 14 መዓልቲ ቅድሚ መገሻ ከም ዝወሰድካዮ ዘርኢ ብመንግስታዊ በዓልመዚ ዝተወሃበ ሰነድ ከም መረጋገጺ ክቐርብ ከም ዘድሊ እቲ መምርሒ የረድእ።
ኩነታት ኮቪድ 19 ኣብ ኤርትራ
ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ብዓርቢ 8 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ: 3 ሓደስቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከምዝረኸበ ክገልጽ እንከሎ ኣብዚ እዋን ቁጽሪ ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ክንክን ዝግበረሎም ዜገታት 27 ምዃኑ ገሊጹ።
ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር 6,668 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለው 42 ብሞት ከምዝተፈለዩ እቶም ካልኦት ግና ሓውዮም ካብ መወሸቢ ማእከላት ከም ዝተፋነው ይግለጽ።
ኣብ ዓለም ዛጊት ክታበት ኮቪድ-19 ዘይጀመራ ሃገራት ኤርትራ፡ ብሩንድን ሰሜን ኮርያን እየን።
ቡሩንዲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዘድሊ ቅጥዕታት ድሕሪ ምምልኣ ኣብ ዝቕጽል ሰሙናት ክታበት ንምቕባል ምድላዋት ትገብር ምህላዋ ተገሊጹ ኣሎ።





















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
