እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
ዜናታት
መንግስቲ ፌደራል ብዛዕባ ውግእ ትግራይ ስለምንታይ ስቕታ መሪጹ? ፖለቲካዊ ውድባት እንታይ ይብሉ?
መንግስቲ ብዛዕባ ውግእ ትግራይ ስለምንታይ ስቕታ መሪጹ? ፖለቲካዊ ውድባት እንታይ ይብሉ?
ኢትዮጵያ፡ ኣመሪካን ብሪጣንያን ዘውጽኣኦ መጠንቀቕታ መጥቃዕቲ 'ሚሳይል ነዊሕ ርሕቀት'
እዞም ካብ ዋሽንግተንን ሎንደንን ዝወጹ ሓደስቲ መጠንቀቕታታት፡ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት፡ ጸጥታዊ ጸገማትን ዞባዊ ወጥሪታትን ዘሎ ቀጻሊ ስግኣታት ዘጕልሑ እዮም።
ቀጥታ, ንክልተ ኣውቶቡሳት ዝሃረመ መጥቃዕቲ ሩስያ 30 ሰባት ቀቲሉ
ተርእዮ ናይቲ ሕማም ዘስግኦም ሰብመዚ ጥዕና ኣብ ኣፍደገታትን ዶባትን እታ ሃገር ልዑል ጥንቃቐን መርመራታትን ክግበር ኣዚዞም ኣለዉ። ሬሳ ናይቲ ኣብ ኬንያ ፈላሚ ግዳይ ናይቲ ሕማም ኮይኑ ዘሎ ሰብ ብደገፍ ቀይሕ መስቀል ኣብ ናይሮቢ ከምዝተቐበረ ተፈሊጡ'ሎ። ቫይረስ ኢቦላ፡ ብመገዲ ከም ደም፡ ተምላስን ቀልቀልን ዝበሉ ነገራት ብምትንካፍ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝሓልፍ ቀታሊ ሕማም እዩ።
ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራ ብወረራ ብምኽሳስ ሰራዊታ ክትስሕብ ሓቲታ
ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጸንሐ ውጥሪ እናኸረረ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፡ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ወተሃደራት ናብ ግዝኣታ ብምእታው ብምኻሳስ፡ እቶም ዶብ ሰጊሮም ኣትዮም ዘለዉ ሓይልታት ብህጹጽ ግዝኣታ ለቒቖም ክወጹ ጸዊዓ ኣላ።
ሓይልታት ኤርትራ ናብ ከተማታት ትግራይ ክኣትዉ ከምዝተዓዘቡ ነበርቲ ሓቢሮም
ምኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብቲ ሎሚ ኣማስያኡ ብመንገዲ ኤክስ ዝሃቦ ሓፈሻዊ ምላሽ፡ ነቲ ዝቐረበ ክስታት "ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ" ብፍሉይ ኣየረጋገጾን ኣይነጸጎን፤ ኣብ ክንድኡ፡ ነቲ ክስታት ንሓደ ክኽሰት ዝኽእል ግጭት ምስምስ ንምፍጣር ዝዓለመ ዝተፈብረኸ ሓሶት ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
ማኦ ዜዶንግ፡ 'ጀነረሽን ዜድ' ንምንታይ በቲ ቅድሚ 50 ዓመት ዝዓረፈ 'መምህር' ክሳዕ ክንድዚ ይምሰጡ ኣለዉ?
ብኣረኣእያ ገሊኦም ሰብ-ሞያ፡ ገለ መንእሰያት ንማኦ ዝህብዎ ዘለዉ ሓድሽ ተገዳስነት፡ ምስ ከም ዘይምዕሩይነት ሃብትን ምንካይ ማሕበራዊ ዕድላትን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ጸገማት ዘለዎም ኣረኣእያ ዝተኣሳሰረ እዩ።
ኢትዮጵያ፡ ፕረዚደንት ሓሰን ዝፈጠሮ ቅሬታ - ድሒሩ ካብ ዝተኣልየ ሓተታ
ሶማልያ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኻየደ ዞባዊ ዋዕላ ንኣዋጅ ኣል-ዓለሜን ምድጋፍ ዝወሰነቶ ውሳነ፡ ካብ ገለ ኢትዮጵያውያን ተንተንትን ሰበ-ስልጣንን ነቐፌታ ኣስዒቡ ኣሎ።
ኣብ ከተማ ዓድዋ ብዙሓት ሰባት ብመጥቃዕቲ ድሮን ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ሓቢሮም
ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብወገኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ 9 ሰባት ከምዝተቐትሉ ፀብፂቡ ኣሎ። እቲ መራኸቢ ብዙሓን ወሲኹ፡ ኣብ ከባቢ ሸራሮ ኣብ መዕቈቢ ተመዛበልቲ ብዝተፈፀመ ካልእ መጥዕቲ ድማ፡ ካልኦት ሸሞንተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ንሰራሕተኛታት ግብረሰናይ ብምጥቃስ ሓቢሩ።
ሊዮነል መሲ፡ ናይ መወዳእታ ጸወታኡ - 'ዓለም ብምልእታ እያ ተመስግነካ'
እቲ ብጸወታኡ ንኣርጀንቲናውያን ሓሊፉ ንመላእ ዓለም ዘሰራሰረ ሊዮነል መሲ ሎሚ ወጋሕታ ምስ ሃገራዊት ጋንታኡ ናይ መወዳእታ ጸወታኡ ብምክያድ ምስ ደገፍቱ ተፋንዩ።
ሓይልታት ትግራይ ኣበይ እዮም ዘለዉ? ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ ተኽእሎ ዳግማይ ውግእ
መቐለ፡ ምዕራይ መራኸቢታት ብመጠኑ ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ምምላሱን፡ ነበርቲ ዝተወሰነ ዕረፍቲ ፈጢሩሎም ኣሎ፤ እንተዀነ ካልእ ሻቕሎት ዝፈጥር ነገር ግን ኣሎ።
ኣብ ሓንጎል ሃመማ ዝተገብረ መጽናዕቲ ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ደቂ ሰባት እንታይ ይነግር?
ተመራመርቲ ኣብ ሓንጎል ተባዕታይ ሃመማ ዝርከቡ ኩሎም 124 ሚልዮን ምትእስሳር ዋህዮታት መትኒ ብመልክዕ ካርታ ድሕሪ ምንዳፎም፡ ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ዝሓሸ ርድኢት ክረኽቡ ተስፋ ይገብሩ ኣለዉ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ካብ ዘልዓሎም ነጥቢታት
ኣብ ሻብዓይ ሃገራዊ መረጻ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበ ሰልፊ ብልጽግና ዝመርሕ ኣብይ ኣሕመድ፡ ብኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዳግማይ ቀዳማይ ምኒስተር ኰይኑ ክምዝዝ እንከሎ ካብ ዘልዓሎም ነጥብታት እንታይ እዮም?
ቢቢሲ ትግርኛ ናብ ቲክቶክ መጺኡ'ሎ፣ ተኸታተሉ።
ኣብ ካልእ ዘይትረኽብዎ፡ መሳጥን ኣገዳስን ሓበሬታ ንምርካብ ቀዳሞት ኵኑ።
ከይሓልፈኩም
ኣስመራ፡ እታ ብጽምኢ ማይ ትሳቐ ዘላ ከተማ
ኣስመራ፡ እታ ብጽሬታን ብስሩዕ ውጥን ዘመናዊ ከተማውነትን ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ዝነበረት "ንእሽቶ ሮማ"፡ ሎሚ መልክዓ ብሕሱም ኵነታት ተቐይሩ፡ ነበርታ ኣብ ከቢድ ጸገም ጽምኢ ማይ ይርከቡ። ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ሞያውያን፡ ነበርትን ሰነዳትን ተወኪሱ'ሎ፤
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ እቲ ተወሊዑ ዝቐሃመ ዕርቀ ሰላም 2018
ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ልክዕ ከምቲ ብ11 መስከረም 2018 ኣብ ዛላምበሳ ሰርሓን ኣኣብ ቤቱን ቅርዓቱን ዘርኣዮ ጽምብል ናይ ብሓቂ ደላይ ሰላምን ፍቕርን ምዃኑ እዩ። ስለዚ እቲ ድሌት ናይ ህዝቢ ኣይፈሸለን እቲ መሪሕነት ክልቲኤን ሃገራት ግን እቲ ህዝባዊ ተቐባልነት ነናብ ፖለቲካዊ ረብሓኡ ስለዝቐየሮ ንግዚኡ ተኾሊፉ ኣሎ።
ዶ/ር ኣቢጋይል ብርሃነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ፈላሚ ታሪኽ ዘመዝገበት ኤርትራዊት
ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንላዕሊ ብምቊማት ሰማይ ደረት ከምዘይብሉ ዘስተውዓለት'ያ ትመስል። ቈልዓ እንከላ ጀሚራ ልዑል ርእሰ-ምትእምማንን ጥሙሕን ክትውንን ኣመና ኣይጸገማን።ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ዝተፈላለየ ሽልማት ክትረክብን ምስ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቦም ኣገደስቲ ውልቀሰባት ክትራኸብን ዝበቕዐት ኣቓልቦ ዝሰሓበት በላሕ መንእሰይ እያ
ኣብ ሸላታት ሞት ስዑዲ ዓረብ ተስፋ ዝቘረጹ ኢትዮጵያውያን ናብ ቢቢሲ ደዊሎም
ዓሰርተታት ኢትዮጵያውያን ፍርዲ ሞት ይጽበዩ ኣለዉ - ገለ ካብኣቶም ዛንታኦም ንምንጋር ናብ ቢቢሲ ትግርኛ ደዊሎም ዛንታኦም ነጊሮም ኣለዉ። እቲ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ ካብታ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ፍርዲ ሞቱ ዝጽበየላ ጸባብ ክፍሊ ማእሰርቲ ብተሌፎን ናብ ቢቢሲ ክድውል ዕድል ምስረኸበ፡ ኣብ ድምጹ ጭንቀትን ተስፋ ምቝራጽን ይስማዕ ነይሩ።
ኤርትራ፡ ንመምርሒ ባጤራ ዝሰዓበ ሻቕሎትን ቅልውላውን ዕዳጋታት
ድሕሪ'ቲ ዝወጸ መምርሒ፡ ቍጠባዊ ኵነታት ይዅን ነቲ መምርሒ ዝሰዓበ ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ዕድጋታት እንታይ ይመስል? ህዝቢኸ ብኸመይ ይቃለሶ ኣሎ? ኣብ ዝብል ኣተኵርና ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝተፈላለዩ ሰባት ኣዘራሪብና ኣለና።
ኣብ ዘይኲናቶም ተኸርዲኖም ምሩኻት ኲናት ዝዀኑ ኣፍሪቃውያን
ሓደ ካብ ሸሞንተ ብዩክረይን ዝተትሓዙ ምሩኻት ኲናት፡ ኣፍሪቃዊ እዩ። እዚኦም ቀጻሊ እንታይ'ዩ ከጋጥሞም ዝፍለጥ ኣይኰነን።
"ምስ ሞትኩ መርድእ ምንጋር ይሓይሽ"፡ ዘሰቅቕ ዛንታታት ሞት ዝተፈረዶም ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድያ
ሂዩማን ራይትስ ዎች ንምንጪታት ጠቒሱ ከም ዝሕብሮ ብኣማኢት ዝቝፀሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ይርከቡ። "መቕፃዕቲ ሞት ዝተፈረዶም ልዕሊ 200 ኢትዮጵያውያን ኣብ ኸሚስ ሙሻይት ተዳጒኖም ኣብ ልዕሊኦም ንዝፍፀም ይፅበዩ ኣለዉ" ክብል'ውን ኣመልኪቱ። ኣብ መስርዕ ሞት ካብ መንጎ ዝርከቡ ናይ ገሊኦም ዛንታ፡ 31 ዓመት ዘድመኡ ካብ ዞባ ምብራቕ ዝተሰደደ ደስታ እዩ።
ብዛዕባ እታ 'ሕብሪ ወርሒ' እትሰምየት ኤርትራዊት ዘውዲ ኣርኣያ እንታይ ንፈልጥ?
ኤርትራውያን ኣብ ናይ መንግስቲ ይዅን ብሕቲ ስራሓት ዝወፍረሉ፣ ሰብ-ሓዳር ቪላታት ዘስርሕሉ፣ ብዙሓት ደቀ'ባት ካብ ጣልያን ዝተረከብዎ ፋብሪካታት ዘመሓድርሉ፣ ብብዝሒ ዲታታት (ኩባንያታት) ዝነበርሉ፣ ቍጠባ እታ ሃገር ዝደንፍዓሉ፡ ደቂ ከባቢ ኣብታ ብጽሬታ እትነኣድ ኣስመራ ኣትዮም እቶት ዝምእርርሉ ግዝያት ነበረ።
ንሕንሕ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ንቐርኒ-ኣፍሪቃ ናብ ዓውደ-ውግእ ይቕይሮዶ?
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ጂኦፖለቲካዊ መናሕንሕቲ ዝርኣኣዩ ሓይልታት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ለውጢ ኣሰላልፋታት ኣስዒቦም ኣለዉ። ሃገራት እዚ ዞባ፡ ነቲ ግጭትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ለውጢታትን ንምግጣም ብኸመይ ከም ዝሕዝኦ ከሰላስላ ደሪኹወን ይርከብ።
ዝጐሃሃር ዘሎ ዳርባ ቃላት ኢትዮጵያን ኤርትራ ናበይ ከምርሕ'ዩ?
ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ንኣስታት ክልተ ዓመታት ክባላሕ ዝጸንሐ ናይ ቃላት ኲናትን ምትኹታኽን እናገደደ ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ እዋናዊ ኵነታት ዝደረኸ ምዕባለታት እንታይ እዩ? ናበይ ከ ክመርሕ ይኽእል ንዝብል ዛዕባታት ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ምሁራትን ተንተንትን ኣዘራሪቡ'ሎ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ጐረባብቲን እንታይ ይመስል?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ዓ.ም. [ግ] ናብ ሓምሻይ ወለዶ ክሰጋገር መደብ ከምዘሎ ተዛሪቡ።እዚ ንኤርትራ ዘመላኽት ከምዝዀነ ብዙሓት ይግምቱ፣ ትሕዝቶአን ክነጻጸር እንከሎ ኸኣ...፤
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ትንታነ
'ዘይተፈትሑ ዓበይቲ ምስጢራት ስነ-ፍልጠት'፡ መደንዘዚ ብዛዕባ ኣእምሮና እንታይ ይገልጽ?
ሎሚ ኣብ ኵሉ ዓለም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ልዕሊ 350 ሚልዮን መብጣሕትታት ብሓፈሻዊ መደንዘዚ ይካየድ። እንተዀነ፡ እዞም ምስጢራውያን መድሓኒታት ብኸመይ ከም ዘደቅሱና ክሳዕ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ዝተፈልጠ ነገር የሎን።
ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአንን ዝሓለፎ መድረኻትን
ኤርትራ፡ ኣብ ፈለማ ናጽነታ 1991 ኣትሒዛ፡ ብሳላ'ቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ዓወቶም ዘረጋገጹ ውድባት ዝነበሮም ጥቡቕ ዝምድና፡ ብዘይሓርጐጽጐጽ ናብ ዝምድና ክልተ ሃገራት እዩ ቀጺሉን ማዕቢሉን።
ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ስለምንታይ ኣብ ቅድሚ ህዝባ ዘይትጻወት?
ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ድሕሪ ናይ 18 ዓመታት ብኵራት ናብ ኣህጉራዊ መድረኽ ተመሊሳ እኳ እንተላ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ደጋፊኣ ግን ንጋንታኡ ብኣካል ናይ ምዕዛብ ዕድል ኣይረኸበን። ‘ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ’ ነቶም ኣብ ሜዳኣ ከተአንግዶም ዝግብኣ ጸወታታት ኣብ ሳልሰይቲ ሃገር ከተካይድ ዘገደዳ ምኽንያት እንታይ እዩ?
ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምድናኦም ብኸመይ የዕብዩ ኣለዉ?
ምንቅስቓስ ሑቲ የመን ኣንሳር ኣላህ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ጥቓ መጻብቦ ባብ ኤል መንዳብ ዝርከቡ ስትራተጂካዊ ከባቢታት ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ዝያዳ ዝሓየለ ጽልዋ ዘለዎም ይመስል። እዚ ፍጻመታት እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኣብ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ሑቲ ዝተራእየ ርኡይ ምዕባለ ዘንጸባርቕ እዩ።
ኢትዮጵያ፡ ዳግም ናብ ካልእ ሙሉእ-ኲናት ትህንደድ ኣላ ድያ?
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ መንጎ ክልላዊ ሓይልታትን መንግስቲ እታ ሃገርን ዳግማይ ውግእ ይጓሓሓር ኣሎ። ኣብ 2022 ደው ካብ ዝበለ ደማዊ ኲናት ገና ዕረፍቲ ዘይተሰምዖም ነበርቲ ትግራይ ምሉእ ኲናት ከይለዓል ኣብ ፍርሒ ይርከቡ።
ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥሩ ሓሙሽተ ፍሉጣት ፖለቲካዊ ጥምረታት መዕለቢኦም እንታይ ኮነ?
ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ኢትዮጵያ ሓያሎ ሓይልታት ሓባራዊ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ጥምረታት ብምፍጣር ክንቀሳቐሱ ጸኒሖም እዮም። ካብዚኣቶም ድማ ነታ ሃገር ብሓድሽ መልክዕ ዘዋቐራን ንነዊሕ ግዜ ዘመሓደረን ኢህወዴግ፡ ከምኡ’ውን ካብ ተቓወምቲ ሓይልታት ደገፍ ብዙሓት ረኺቡ ዝነበረ ቅንጅት ብቐንዱ ዝጥቀሱ እዮም። እዞምን ካልኦት ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተራእዩ ጥምረታትን ስለምንታይ ተመስሪቶም? እንታይከ ኣፍርዮም? መፈጸምትኦምከ እንታይ ኰይኑ?
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣበሽገ ዝተፈጸመ ቕትለትን ጭውያን ብመን ተኻይዱ?
እዚ ዕጡቓት ኣብታ ዋልጋ እትበሃል ንእሽቶ ከተማ ናይቲ ወረዳ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ፡ ሓያል ፍርሕን ጃምላዊ ምምዝባልን ፈጢሩ ኣሎ።
ምቍጽጻር ባብ ኣል-መንደብ ብሑቲ፡ ንቝጠባዊ መትኒ ስዑዲ ዓረብ ክሳብ ክንደይ ሓደጋ እዩ?
ዕጡቓት ሑቲ ነቲ ንሰደድ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ወሳኒ ዝዀነ መጻብቦ ባብ ኣል-መንደብ ተቘጻጺሮሞ ኣለዉ፤ እዚ ድማ ንሪያድ ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ስትራተጅያውን ቍጠባውን ፈተና ኣእትይዋ ይርከብ።
ኤርትራ፡ ቅድሚ 25 ዓመት ዝተኣሰሩ ጕጅለ 15 ብዓል መን'ዮም፡ ሕቶኦምከ?
እቲ ድሕሪ 25 ዓመት ገና ዘይተመለሰ ቀንዲ ሕቶ፡ "እዞም ሰባት ኣበይ ኣለዉ፣ እንታይ ኰይኖም፣ ስለምንታይከ ኣብ ፍርዲ ኣይቀረቡን?" ዝብል እዩ። ቢቢሲ እውን ብዛዕባ ሃለዋቶም ሓበሬታ ንምርካብ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ሕቶ ኣቕሪቡ፣ መልሲ ይጽበ ኣሎ።
11 መስከረም፡ ድሕሪ 25 ዓመታት ትካላት ስለላ እንታይ ተማሂሮም እንታይከ ኣምሊጥዎም?
ቀዳማይ ሓላፍነት ሓደ መንግስቲ፡ ንህዝቡ ካብ ሓደጋ ምዕቃብ እዩ። ቅድሚ 25 ዓመት፡ ብ11 መስከረም 2001 ግን ኣመሪካ ነዚ ሓላፍነት'ዚ ኣብ ምውጻእ ብግሁዶ ፈሺላ። እቲ ሓበሬታ ኣብ ኢድ ትካላት ስለላ እኳ እንተ ነበረ፡ ብዘሕዝን ኣገባብ፡ ነቲ ዝነበረ ዝተፈላለየ ሓበሬታታት ኣወሃሂዱ ብግዜኡ ዘንበቦ በሊሕ ኣእምሮ ኣይነበረን።
ብድሕሪ ምንዳድ ቦጣት ነዳዲ ምዕራብ ወለጋ መን ኣሎ? መርመራ ቢቢሲን ስቕታ መንግስትን
እቲ ሓዊ ነዳዲ ንዝጸዓና ቦጣት ጥራይ ኣይኰነን ኣዕንዩ - ድሕሪኡ ዝሰዓበ ናይ መራሕቲ መኻይን ምጭዋይ’ውን ንመላእ’ቲ ከባቢ ኣብ ስግኣት ኣውዲቕዎ።
ሩስያ ብኣውሮጳ ትኽሰሰሉ ዘላ ሓድሽን ዝተራቐቕን ኣገባብ መጥቃዕታ እንታይ እዩ?
ጀርመን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሌፕዜክ ዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ሩስያ'ያ ፈጺማቶ ድሕሪ ምባላ፡ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ምዕራባውያን ሃገራትን ዘሎ ወጥሪ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ዓሪጉ'ሎ።
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ኤርትራ ነቲ ኢትዮጵያ 'ዓጸፋ ክምልሰሉ'የ' ዝበለቶ ምትእትታው 'ሕጋዊ ምስምስ' ኢላቶ
ኢትዮጵያ ኣብ ግጭት እታ ሃገር ኢዱ ዘእቱ ዝዀነ ይዅን ግዳማዊ ኣካል ተሪር ግብረ-መልሲ ከም ዝወርዶ ከተጠንቅቕ እንከላ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ነቲ ዝቐረበ ክሲ ብትሪ ብምንጻግ፡ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኤርትራ ንምግጫው "ሕጋዊ ምስምስ" ትፈጥር ኣላ ክብል መሊሱ።
ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ከምዝበተኸት ኣፍሊጣ
ኤርትራ ነቲ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ዲፕሎማሰኛታት ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ምሉእ ብምሉእ ክትበትኮ ከምዝወሰነት ኣፍሊጣ።
ሓይሊ ሰላም ትግራይ ንኤርትራ ይኸስስ፡ ኤርትራ'ውን ምላሽ ሂባ
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ መዳውብቲ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ዳግም ዝተወልዐ ውግእ ቀዳማይ ሰሙኑ ኣብ ዘቝጸረሉ እዋን፡ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተሰሊፉ ንሓይልታት ትግራይ ዝዋጋእ ዘሎ 'ሓይሊ ሰላም ትግራይ'፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ብቐጥታ ይሳተፍ ኣሎ ክብል ከሲሱ።
ኢማራት ንህወሓት ብምዅናን ንኢትዮጵያ ዘለዋ ደገፍ ኣረጋጊጻ
ኤምባሲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓርቢ ምሸት ኣብ ወግዓዊ ማሕበራዊ ገጹ ብዘውጽኦ መግለጺ፡ ህወሓትን መሓዙት ሓይልታት ጥምረትን ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ምቍጽጻሮምን ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዘካይድዎ ዘለዉ ወተሃደራዊ ግጭትን ብትሪ ኰኒኑ።
'ንሓዘንና ኣመና ኣኽቢዱዎ' - ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብሞት ንዝተቐጽዑ ደቆም ክቐብሩ ሬሳ ዝሰኣኑ ወለዲ
ብዘይ ቅድመ-መጠንቀቕታ ዝፍጸም መቕጻዕቲ ሞት፡ ብምስጢር ሓመድ-ኣዳም ዝለበሰ ኣስከሬን፡ ከምኡ’ውን ሬሳ ደቆም ከይረኣዩ ባዶ ሳንዱቕ ዝቐብሩ ዘለዉ ወለዲ። ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብሃንደበት ዝተቐትሉ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ንስድራቤቶም ቅባጸት ዘይረኸበ መሪር ሓዘንን ጣዕሳን ይሓድገሎም ኣሎ።
ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ የመንን ቀይሕ ባሕሪን እንታይ ትብል?
ሓይሊታት ሑቲ የመን ኣብዚ እዋን፡ ሓድሽ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ብምክያድ ሓያለ ከባቢታት ቀይሕባሕሪ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ከም ዘእተዉ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ "ጉዳይ የመን ወተሃደራዊ መፍትሒ የብሉን፡" ብምባል ርእይቶኡ ሂቡ።
ትግራይ፡ 'እቲ ዝኸፍአ ግዜ ካብ ጥሪ ንደሓር'ዩ'
ኣብዚ ዓመት ብሰንኪ ተርእዮ ኤል ኒኖ፡ ማእከላይ ክፋል ኢትዮጵያ፡ ሰሜን፡ ሰሜናዊ ምብራቕን ምብራቕን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ከባቢታት ዝናብ ክረምቲ ከም ዝሓጸሮም ጸብጻባት ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።
ትግራይ፡ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪታት ሰላም እንታይ ይመስል?
ኤምባሲታት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኖርወይን ካናዳን፡ ከምኡ'ውን 22 ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ዘተ ንምክያድ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ከም ዝድግፋ ኣፍሊጠን ኣለዋ።
ኤርትራ ምስታ ኣብ ገማግም የመን ብቀርሰንቲ ዝተጨውየት መርከብ ምትእስሳር ከምዘይብላ ገሊጻ
ሶማላውያን ሸፋቱ ባሕሪ ወይ ቀርሰንቲ ኣብ ጥቓ ገምገም ባሕሪ የመን ሓንቲ ፍርያት ነዳዲ እትጽዕን መርከብ ከም ዝጨወዩ ትካል ንግዳዊ ስርሒታት ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኤ-ኤፍ-ፒን ሮይተርስን ጸብጺቦም ነይሮም።
ትግራይ፡ ኣመሪካ ብዛዕባ ምብጻሕ ኦባሳንጆ ናብ መቐለ ዝሃበቶ መግለጺ
ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነ ኦሊሰንጉን ኦባሳንጆ፡ ብሰኑይ 24 ነሓሰ 2026 (ኣ.ኤ)፡ ናብ ትግራይ 'ወግዓዊ ዘይኰነ' ምብጻሕ ከም ዝገበረን ምስ ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ከም ዝተዘራረበን ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።
ትግራይ፡ 'ኵሉ ነገር ስለ ዝተሓጽረ፡ ወስወስ ኢልና'ውን ንረኽቦ ነገር የለን'
ኣብዚ እዋን፡ ሰለስተ ኣገደስቲ ዞባታት ትግራይ ብኸቢድ ሕጽረት ዝናብ ተጠቒዐን ምህላወን ይግለጽ፤ ከም ሳዕቤኑ፡ ሓረስቶት ኣብ ልዑል ጭንቅን ሻቕሎት ቀለብ ሰብን እንስሳን ወዲቘም ይርከቡ።
ኢንፋንቲኖ ይቕረታ ሓቲቱ - ስልጣኑ ግን ክለቅቕ ድዩ ክጸንሕ?
ነቲ ኣካታዒ ዝዀነ ውጥን ስዒቡ ብርቱዕ ነቐፌታ ድሕሪ ምልዓሉ፡ ኢንፋንቲኖ ብረቡዕ ኣብ ራባት (ሞሮኮ) ምስ ላዕለዎት ኣባላት ቦርድ ኣመራርሓ ፊፋ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ።
ሳይንስን ጥዕናን
ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።
ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።