ኣብ ትግራይ: ብዝሒ ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ልዕሊ 5000 በጺሑ

Published

ኣብ ትግራይ: ብዝሒ ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 5000 ከምዝሓለፈ ጸብጻብ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ገሊጹ፡፡

ብመሰረት ኣብቲ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ዝተኻየደ መርመራ 162 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም ኣሎ፡፡

ክሳብ ሎሚ ኣብቲ ክልል 27 ሰባት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ምሟቶም እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ሓቢሩ፡፡

ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ትግራይ 5,265 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም፡፡

ካብዚኦም እቶም 4,429 ሰባት ካብቲ ቫይረስ ነፃ ኢኹም ተባሂሎም ነናብ ቤቶም ከምዝተፋነዉ ካብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዝረኸብናዮ ፀብፃብ የረድእ::

ኣብ ኢትጵያ ድማ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 64786 ከምዝበጸሐ ትማሊ ዝወጸ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ሓቢሩ፡፡

ቁጽሪ ዝሞቱ ድማ 1022 ከምዝበጸሐ እቲ ጸብጻብ የመልክት፡፡