ማህደር ፎቶ ኣፍሪቃ እዚ ሰሙን

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፌስቲቫል ጣዕሳን ታሕጓስን ኣብ ወደባዊት ከተማ ኣይቮሪኮስት፡ መዘናግዒ ግራንድ ባሳም ብቀዳም ተኻይዱ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ህዝቢ ንዛማ፡ ኣብ ፌስቲቫል 'ኣቢሳ' ማለት እውን ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ሕቶታት ዝሓተሉ መድረኽ ተሰላሲሉ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ንጉስ እቲ ከባቢ ኣብ መዘናግዒ ግራንድ ባሳም፡ ምስ 'እትምጥኖ' ቆልዓ ተጸይሩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሓደ ዓይነት ክዳውንቲ ዝተኸደኑ ሰባት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንዘጋገይዎም ሰባት ይቕረ ብምባል ብማእኸል ህዝቢ አቋሪጾም ይሓልፉ። ደሓር ይቕረ ምስተበሃሃሉ ኣብ ድሮ ሓዱሽ ዓመቶም ኮይኖም ታሕጓሶም ይገልጹ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ውሩይ ሙዚቀኛ ላሞጅ፡ ኣብ ናይ ንግዳዊት ከተማ ናይጀርያ ሌጎስ ሙዚቃዊ ምርኢት ኣቕሪቡ። ስራሕቲ ቅዲ ሙዚቀኛ ፈላ ኩቲ ሓዊሱ ዝሰርሓ ካሴቱ'ውን ኣብ ቀረባ እዋን ከመርቓ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ዙምባቤውያን፡ ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ብሓንሳብ ኣብ ዘዳለውዎ መድረኽ ይደርፉን ይስዕሱዑን።

ምንጪ ስእሊ, AFP
መብዛሕትኦም ተሳተፍቲ ሓበራዊ መድረኽ ፖለቲካን ሃይማኖትን ዙምባብዌ፡ ካብ ዝተፈልጡ ኣብያተ ክርስትያናት ዝመጹ'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣባላት ውድብ ፖለቲካ( ሰልፊ)፡ ዛኑ ንበዓልቲ ቤት ፕሬዚደንት ዙምባብዌ ግሬስ ሙጋቤ ዘለዎም ደገፍ እናገለጹ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብቲ መድረኽ፡ ግሬስ ሙጋቤ ምስ በዓል ቤታ ወዲ 93 ዓመት ፕሬዚደንት ሮበርት ሙጋቤ ተረኺባ ነይራ። ንሱ ኣብቲ መድረኽ በዓልቲ ቤቱ ግሬስ ከምእትትከኦ ዝዓይነቱ መደረ ኣስሚዑ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ገምገም ባሕሪ ርእሰ ከተማ ሊብያ ትሪፖሊ፡ ገፋፊ ዓሳ ጀልብኡ ደው እናበለ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ወደባዊት ከተማ ደቡብ ኣፍሪቃ ኬፕ ታውን፡ ኣብ ሓደ ቤተ-መዘክር፡ ፖሊስ እቲ ከባቢ ንምርኢት ዝቐረበት ኣረጊት መጽሓፊ መሽን።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ኡጋንዳ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝርከቡ ህጻውንቲ ደቡብ ሱዳን ምስ ብሽከለትኦም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቀንዲ ተነሓናሓቲ ፕሬዚደንታዊ መረጻ ኬንያ፡ እሁሩ ኬንያታን ራይላ ኦዲንጋን ብጳጳስ ተማእኺሎም ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተወስደ ቅላዕ።
ፍልፍል ስእልታት AFP፣ EPA፣ PA ኢሉ'ውን Reuters እዮም።



















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
