እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማህደር ፎቶ ኣፍሪቃ እዚ ሰሙን
ፌስቲቫል ጣዕሳን ታሕጓስን ኣብ ወደባዊት ከተማ ኣይቮሪኮስት፡ መዘናግዒ ግራንድ ባሳም ብቀዳም ተኻይዱ።
ህዝቢ ንዛማ፡ ኣብ ፌስቲቫል 'ኣቢሳ' ማለት እውን ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ሕቶታት ዝሓተሉ መድረኽ ተሰላሲሉ።
ንጉስ እቲ ከባቢ ኣብ መዘናግዒ ግራንድ ባሳም፡ ምስ 'እትምጥኖ' ቆልዓ ተጸይሩ።
ሓደ ዓይነት ክዳውንቲ ዝተኸደኑ ሰባት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንዘጋገይዎም ሰባት ይቕረ ብምባል ብማእኸል ህዝቢ አቋሪጾም ይሓልፉ። ደሓር ይቕረ ምስተበሃሃሉ ኣብ ድሮ ሓዱሽ ዓመቶም ኮይኖም ታሕጓሶም ይገልጹ።
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ውሩይ ሙዚቀኛ ላሞጅ፡ ኣብ ናይ ንግዳዊት ከተማ ናይጀርያ ሌጎስ ሙዚቃዊ ምርኢት ኣቕሪቡ። ስራሕቲ ቅዲ ሙዚቀኛ ፈላ ኩቲ ሓዊሱ ዝሰርሓ ካሴቱ'ውን ኣብ ቀረባ እዋን ከመርቓ'ዩ።
ዙምባቤውያን፡ ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ብሓንሳብ ኣብ ዘዳለውዎ መድረኽ ይደርፉን ይስዕሱዑን።
መብዛሕትኦም ተሳተፍቲ ሓበራዊ መድረኽ ፖለቲካን ሃይማኖትን ዙምባብዌ፡ ካብ ዝተፈልጡ ኣብያተ ክርስትያናት ዝመጹ'ዮም።
ኣባላት ውድብ ፖለቲካ( ሰልፊ)፡ ዛኑ ንበዓልቲ ቤት ፕሬዚደንት ዙምባብዌ ግሬስ ሙጋቤ ዘለዎም ደገፍ እናገለጹ።
ኣብቲ መድረኽ፡ ግሬስ ሙጋቤ ምስ በዓል ቤታ ወዲ 93 ዓመት ፕሬዚደንት ሮበርት ሙጋቤ ተረኺባ ነይራ። ንሱ ኣብቲ መድረኽ በዓልቲ ቤቱ ግሬስ ከምእትትከኦ ዝዓይነቱ መደረ ኣስሚዑ።
ኣብ ገምገም ባሕሪ ርእሰ ከተማ ሊብያ ትሪፖሊ፡ ገፋፊ ዓሳ ጀልብኡ ደው እናበለ
ኣብ ወደባዊት ከተማ ደቡብ ኣፍሪቃ ኬፕ ታውን፡ ኣብ ሓደ ቤተ-መዘክር፡ ፖሊስ እቲ ከባቢ ንምርኢት ዝቐረበት ኣረጊት መጽሓፊ መሽን።
ኣብ ኡጋንዳ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝርከቡ ህጻውንቲ ደቡብ ሱዳን ምስ ብሽከለትኦም።
ቀንዲ ተነሓናሓቲ ፕሬዚደንታዊ መረጻ ኬንያ፡ እሁሩ ኬንያታን ራይላ ኦዲንጋን ብጳጳስ ተማእኺሎም ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተወስደ ቅላዕ።
ፍልፍል ስእልታት AFP፣ EPA፣ PA ኢሉ'ውን Reuters እዮም።