ሳናዱቕ ፅዕነት ኣብ ለውጢ ንግዲ ዓለምና

Published

ኣብ ፈለማ 1960ታት ኣብ ዓለምና ዝነበረ ንግዲ ኣቑሑ ነቲ 20% ካብ ሓፈሻዊ ሃፍቲ ዓለምና ጥራሕ ይሕዝ ነይሩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ፡ 50% በፂሑ'ሎ። በዚ ምዕጋብ ግን ኣይተኽኣለን።

ኣብ ዛዕባ ንግዲ ኣድሂቦም ዝወሃቡ ሓሳባት፡ ንፖሊሲ ዓውለማውነት (ግሎባላይዜሽን) ከወዓውዕ ዝኸኣለ፡ ብንግዳዊ ስምምዓት ኣቢሉ ከምዝኾነ የረድኡ።

ኮይኑ ግን ንዓውለማውነት ከጠናኽር ዝኸኣለ ቀንዲ ምስጢር፡ ስምምዓት ንግዲ ዘይኮነስ፡ ምፍጣር ኮንተይነራት ፅዕነት እዩ።

እቲ ካብ ሓፂን ዝተሰርሐ በዓል 2.4 ሜትሮ ስፍሓት፣ 2.6 ሜትሮ ቁመትን 12 ሜትሮ ንውሓትን ገዚፍ ሳንዱቕ ንቑጠባ ዓለምና ፀልዩዎ እዩ።

ዝፀንሐ ኣማራፂ

ብ1954፡ ሓንቲ ፍልይ ዝበለት መርከብ ፅዕነት (ናይ ውግእ መርከብ) ዝተፈላለዩ ሸቐጣት ፅዒና ካብ ኒውዮርክ ኣሜሪካ፡ ናብ ብሬመርሃቨን ጀርመን በፂሓ።

ንመግቢ ሓዊሱ፡ ኣቑሑት ውሽጢ ገዛ፣ ደብዳበታትን ተሽከርክርትን ብኣሽሓት ቶናት ክብደት ዘለዎም ፅዕነታት ተንቀሳቒሶም።

ክንድኡ ዝኣክል ፅዕነት ኣብ ሓደ መዐሸጊ ጠሚርካ ከተጓዓዕዝም ምፍታን ዳርጋ ከምሕልሚ'ዩ ነይሩ ግን፡ ከመይ ገይርካ ፅዕነት ናብ መራኽብ ምፅዓን ይከኣል ዝብል'ውን ካልእ ፈተና ነይሩ።

ካብ ዕንፀይቲ ዝዳለው መናጽፍ ሓደ ኣብ ርእሲ ካልእ እናፀፍፀፍካ እቶም ገዘፍቲ ሳናዱቕ ፅዕነት ናብ መራኽብ ከምዝጸዓኑ ይግበር።

እዚ ድማ ሚዛን ፅዕነት ዛዝዩ ናብ ባሕሪ ከይጥሕል ይሕግዝ። ነቶም ኮንተይነራት ዘውርዳን ዘደይባን ማሽናት (ክሬናት) እንተነበራ'ኳ፡ ዝበዝሕ ስራሕ ግን ብጉልበት ሰባት ይዕመም።

በዚ ምኽንያት እቲ ስራሕ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ይኸውን። ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ወደባት ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ሰባት ይሞቱ ነይሮም።

ኣብ ጉዕዞ እታ መርከብ መፅናዕቲ ዘካየዱ ኣካላት ከምዝሕብርዎ፡ ፅዕነታ ከተደይብን ከተውርድን 10 መዓልታት ወሲዱላ'ዩ። እዚ ድማ ንኣትላንቲክ ኣቋሪፃ ክትሰግር ምስ ዝወሰደላ ግዜ ማዕረ ነይሩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ ዘሎ ዋጋ እንትነፃፀር፡ ንሓደ ቶን (10 ኩንታል) ክብደት ብ420 ዶላር ኣሜሪካ ተኽፍል። እቲ ምጓዓዓዝ ሸቐጣት ብመሬት እተዝግበር ነይሩ፡ ክሳብ ሰለስተ ኣዋርሕ ምወሰደ።

ነዚ ድማ'ዩ ዝሓሸ ኣማራፂ ምውሳድ ዘድለየ።

ምምሕያሽን ተቓውሞን

ኣብቶም ገዘፍቲ ኮንተይነራት ፅዕነት፡ ምምሕያሻት ንምግባር ፃዕሪ ተገይሩ'ዩ።

ኮይኑ ግን ካብ ዝግበር ምምሕያሽ ንላዕሊ፡ ምምሃዝ እቶም ኮንተይነራት ፅዕነት ዝቐለለ ነይሩ።

ብፍላይ ወነንቲ መኻይን ፅዕነት፣ መጓዝያ መራኽብን ወደባትን፡ በቲ ዝወፅእ መስፈር (ስታንዳርድ) መጠን ግዝፊ ኮንተይነራት ከይሰማምዑ ይኽእሉ።

ማሕበራት ሰራሕተኛታትን ተቑፃፀርቲ ኣካላትን እውን ይቃወሙ ነይሮም።

ዕድል ምጥቃም

ነቲ ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ከም ዕድል ዝተጠቐመ ሓደ ሰብ ነይሩ። እዚ ሰብ'ዚ ንዘመናዊ መስርሕ ኮንተይነራት መራኽብ ከምዝመሃዘ ዝቑፀር እንትኸውን፡ ማልኮም ማክሊን ይበሃል።

ማክሊን ብዛዕባ መጓዝያ መራኽብ ብዙሕ ግንዛበ ኣይነበሮን።

ምስ ወነንቲ መጓዓዝያ መራኽብን መኻይንን ሕጋዊ ርክብ ንክህልዎ ዘኽእል መገዲ ከናዲ ጀሚሩ።

በቲ ሽዑ እዋን ንዝተወለዐ ዓመፅ ተጠቒሙ ከኣ ነተን ዝፅንሓ መራኽብ ፅዕነት ብዘመናውንት ኮንተይነራት ፅዕነት ክትክኣ ክሰርሕ ኪኢሉ።

እቲ ዝኸበደ ምህዞን ምንቅስቓስን ግን ኣብ መዛዘሚ 1960ታት'ዩ ተወሊዑ። ማክሊን፡ ኣብቲ እዋን ኮንተይነር ፅዕነት ናይ ምምዕባለ ሓሳቡ ንሰራዊት ኣሜሪካ ሸይጡ።

ለውጥታት

ሰራዊት ኣሜሪካ ናብ ቬትናም ክበፅሑ ዝደልዮም ኣቑሑ ኩሎም ብናይ ማክሊን ምህዞ ከም ዝጓዓዓዙ ገይሩ።

እቶም ኮንተይነራት ካብቲ ቅድም ክብል ዝነበረ ኣማራፂ ብዝሓሸ ክሰርሑ ጀሚሮም። ብፍላይ ሰራዊት ኣሜሪካ ብኣገባቡ ቀንዲ ተጠቃማይ ኮይኑ።

ማክሊን፡ እቶም ፅዕነት ሒዞም ናብ ቬትናም ዝበፅሑ ኮንተይነራት ጥርሖም ንከይምለሱ ሓደ ሓሳብ ኣምፂኡ። ኣብ ማልሳይ ካብ ጃፓን ዝተፈላለዩ ነገራት ክፀዓኑ ከምዝኽእሉ ተገንዚቡ።

ፅኑዕ ዝኾነ ንግዳዊ ምትእስሳራት ድማ ተጀሚሩ።

ሓድሽ ኣማራፂ

ማእኸላይ እትበሃል መርከብ ኮንተይነር እውን ካብታ መርከብ ፅዕነት (ካብ ኣሜሪካ ናብ ጀርመን ዝተጓዐዕዘት) ብ20 ዕፅፊ ዝዛይድ ፅዕነት ክትስከም ትኽእል። ዝፀዓነቶ'ውን ኣብ መዓልታት ዘይኮነስ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ይራገፍ።

ክሳብ 1,000 ቶን ዝምዘና ክሬናት (ማሽናት ምድያብን ምውራድን ፅዕነት) ነቶም ብነብሲ-ወከፎም ክሳብ 30 ቶን ዝምዘኑ ኮንተይነራት የውርዳን ይፅዓናን። ካብ መራኽብ እናውረዳ'ውን ናብ ከበድቲ መኻይን ፅዕነት ይፅዕና።

ኩሉ ስራሕቲ ብኮምፒተራት'ዩ ቁፅፅር ዝግበረሉ።

ከም ወፃኢ ዘይቑፀር ክፍሊት መፅዓኒ

መራኽብ ፅዕነት ዝበፅሓሎም ወደባት ቁፅሮም እናወሰኸ ይመፅእ ብምህላዉ፡ ሸቐጣት ብዘተኣማምን፣ ቅልጣፈን ሕሳር ዋጋን ናብ ዝደለ ቦታ እናበፅሑ እዮም።

ብ1954 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ፡ በታ መርከብ ፅዕነት (ካብ ኣሜሪካ ናብ ጀርመን ዝተጉዓዘት) ሓደ ቶን ንምፅዓን ይኽፈል ዝነበረ 420 ዶላር ኣሜሪካ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን 50 ዶላር ጥራሕ በፂሑ'ሎ።

ኣብ ዓለማዊ ንግዲ መፅናዕቲ ዘካይዱ ሙሁራት ቁጠባ ከምዝብልዎ ግን እቲ ንመፅዓኒ ዝኽፈል ዋጋ ዳርጋ ከም ብነፃ ይሕሰብ።