እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕሪሜርሊግ፡ ናይ መወዳእታ ግጥማት ፕሪሜርሊግ እንግሊዝ
መበል 37 ሰሙን ግጥማት ፕሪሜርሊግ እንግሊዝ ዓርቢ ምሸት ኣብ ሞንጎ ኤቨርተንን በርሊንን ብዝካየድ ፀዋታ ክጅምር'ዩ። ከም ግምት ላውሮ እንተኾይኑ ድማ ኤቨርተን ኣብ ልዕሊ በርንሊ 2 ን 0 ዓወት ክተመዝግብ'ያ።
ፅባሕ ቀዳም ካብ ሞንጎ ዝግበሩ ፀዋታታት ሓደ፡ እታ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ትርከብ ቶተንሃም ናብ ናይ በርንማውዝ ሜዳ ከይዳ እትገብሮ ግጥም'ዩ። ቶተንሃም 2 ብ 1 ክትስዕር'ያ ኢሉ'ሎ ላውሮ።
ዌስትሃም ንሳውዝሃምፕተን 2-0፤ ንዓበይቲ ጋንታታት ብምስዓር እትልለ ዎልቭስ ንፉልሃም 3 ብ 1፤ ከም ዝስዕራ'ውን ገሚቱ'ሎ።
እታ ካብቲ ሊግ ንዘይምውራድ ትማወት ዘላ ካርዲፍ ምስ ክሪስታል ፓላስ እትገብሮ ፀወታ ብዙሓት ዝፅበይዎ እዩ። ላውሮ ግን እቲ ፀዋታ ብማዕረ 1 ብ 1 ክዛዘም'ዩ ይብል።
ኒውካስልን ሊቨርፑልን ኣብ ዝራኸባሉ ግጥም፡ እታ ምስ ሲቲ ንዋንጫ ትወዳደር ዘላ ሊቨርፑል 2 ሸቶታት ኣቑፂራ ክትዕወት'ያ ድሕሪ ምባል፡ እቲ ፀዋታ ድማ ሰሓቢ ከም ዝኸውን ትጽቢት ይገብር።
ሰንበት፡ ቸልሲ ምስ ዋትፎርድ፤ ማንቸስተር ዩናይትድ ምስ ሃደርስፊልድ ክራኸባ እየን። ከም ግምት ላውሮ እንተኾይኑ፡ ቸልሲን ዩናይትድን ኣብ ልዕሊ መጋጥምተን ዓወት ከምዝግባ እየን።
ኣርሰናል'ውን ንብራይተን 2 ብ 0 ክትስዕራ'ያ በሃላይ'ዩ።
ናይዚ መበል 37 ሰሙን ግጥም ናይ መወዳእታ ፀወታ፡ ሰኑይ ማንቸስተር ሲቲ ምስ ለስተር ዘካይድኦ ክኸውን'ዩ። ዋላ'ኳ ለስተር ሲቲ ኣብ ቀዳማይ ዙር ፀዋታ ንሲቲ ሲዒራታ እንተነበረት፡ ኣብዚ ናይ ሕጂ ፀወታ ግን ዘይሕሰብ'ዩ ኢሉ'ሎ። እቲ ግጥም ብዓወት ሲቲ 2 ብ 0 መፈፀምታ ከም ዝረክብ ላውሮ ግምቱ ሂቡ'ሎ።